ኣብ ትግራይ ንዝተፈፀመ ገበናት ኲናት ንምምርማር ሑቡራት ሃገራት ዘውፀኦ መደብ ኢትዮጵያ ተቐባልነት የብሉን ኢላ።

ኣብ ትግራይን ካልኦት ከባብታት ኢትዮጵያን ንዝተፈመፁ ገበናት ኲናት ዳግማይ ንምፅናዕ ሑቡራት ሃገራት ዝሓዞ መደብ ብወገን ኢትዮጵያ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ኣፈኛ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊፁ።

እቲ ኣፈኛ ከምዝበሎ፡ ቅድም ኢለ ኣብ ዝወፀ ሓበራዊ ፀብፃብ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ላዕለዋይ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሑቡራት ሃገራትን ዝወፀ ፀብፃብ ምኽረ ሓሳብ ንምትግባር መንግስቲ ድልው እዩ ኢሉ።

ካብዚ ወፃኢ ሑቡራት ሃገራት ተወሳኺ ምርመራ ንምክያድ ዝወጠኖ መደብ ተቐባልነት ከምዘይብሉን ሓቢሩ።

ስርዓት ኢትዮጵያ ንኤርትራ ሓዊሱ ጎረባብቲ ዓድታት ዓዲሙ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኩሎም ዓይነታት ገበናት ኲናት ከምዝፈፀመን ይፍፅም ከምዘሎን ዝፍለጥ እዩ።

ነዚ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ጆኖሳይድ፡ ብምትሕብባር ጠበቓ መንግስቲ ከምዝኾነ ዝንገረሉ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ምስ ላዕለዋይ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሑቡራት ሃገራት ዘካየዶ ቀዳማይ ምርመራ ኣብ ባይታ ዘይወረደን ሙሉእ ብሙሉእ ጠበቓ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምዃኑን ተቐባልነት ሲኢኑ እዩ።

ብምዃኑ እውን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ዓለም ለኻውያን ትካላትን መንግስቲ ትግራይን ዳግማይ ኣብ ባይታ ዝወረደ ፅፁይ ምርመራ ክካየድ ኣለዎ ብዝበልዎ መሰረት ሑቡራት ሃገራት ዳግማይ ምርመራ ንምክያድ ውሳነ ብምሕላፍ ፍሉይ ኮሚቴ ከምዘጣየሸ ዝፍለጥ እዩ።