ካብ መጀመርያ ንዘተ ድልው ነይርና ክብል ወኪል መንግስቲ ትግራይ ተዛሪቡ።

ተወካሊ መንግስቲ ኣብ ወፃኢ ኣምባሳደር ፍስሃ ኣስገዶም ምስ ቢቢሲ ፎኮስ ኦን ኣፍሪካ ኣብ ዝነበሮ ጻኒሒት መንግስቲ ትግራይ ናብ ዘተ ዘይቅርቦም ሓሙሽተ ነገራት ከምዘለው ዕላዊ ጌሩ።

መንግስቲ ትግራይ ካብ ፈለማ ጀሚሩ ንዘተ ድልዊ ኔሩ እዩ ዝበለ ተወካሊ መንግስቲ ትግራይ ኣምባሳደር ፍስሃ ኣስገፎዶም እዚ ቅዋም መንግስቲ ትግራይ ኣብ በረኻታኣት ትግራይ እናሃለወ ይኹን ኣብ ጫፍ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝበጸሐሉ እዋን ዘይናወጽ ቅዋም መንግስቲ ትግራይ ከምዝነበረ ተዛሪቡ።

እንተኾነ መንግስቲ ትግራይ ናብ ዘተ ክኣትው እንኸሎ ዘይጠሓሱን ንዘተ ዘይቀርቡን ነገራት ኣለው እዮም ዝበለ ኣባሳደር ፍስሃ ኣስገዶም ሓሙሽተ ነገራት ናብ ዘተ ዘይቀርቡ እዮም ኢሉ።

ቅድሚ እቲ ኲናት ዝነበረ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ብእቲ ሕገመንግስቲ መሰረት ክምለስን ህዝቢ ትግራይ መጻኢ ዕድሉ ንምውሳን ሪፈረደም ናይ ምግባር ባህጉ ናብ ዘተ ኣይቐርብን ዝበል እቲ ተወካሊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ጆኖሳይድ ዝፈፀሙ ገበነኛታት እውን ክሕተቱ ከምዝግባእን እዚ ናብ ዘተ ዘይቀርብ ምኻኑ ኣፍሊጡ።

ብተወሳኺ ኣብ ትግራይ ናይ ዝዓነወን ዝበጸሐን ጉድኣት ካሕሳ ምሕታት ዝምልከትን ምፍታሕ ዕጥቂ ሰራዊት ትግራይ እውን ናብ ዘተ ዘይቐርቡ ዋኒናት ከምዝኮነ ተዛሪቡ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ጆኖሳይ ተፈጺሙ ኢኻ ትብል ዘለኻ? ከሙኡ ምባል ኣይኸብድን ዶ? ከሙኡ እናበልካ ዕርቂ ምጅማር ጽቡቅ ዶ ትብል ብዝብል ካብ ጋዜጠኛ ሕቶ ዝቐረበሉ ኣምባሳደር ፍስሃ ኣስገዶም ኣብ ልዕሊ ትግራይ ጀኖሳይድ ተፈፂሙ እዩ።

ነዚ ዘፃሪ ዓለም ለኻዊ ኮሙሽን ተጣይሹ እዩ። ጆኖሳይድ ንምፍጻሙ ልዕሊ ምክንያታዊ ጥርጣረ ክረጋገጽ እዩ። ኣንሕና እንሓቶ ዘለና እዚ ክጻረይ እዩ። መንግስቲ ኢትዮጲያ ክስማዕማዕ ዘለዎ እቲ ምጽራይ ንኽካየድ ጥራሕ እዩ። ሐዚ ኣንሕና ንሓቶ ዘለና ጆኖሳይድ እዩ ኢሉ ክጽውዖ ኣይኮነን።  መንግስቲ ኢትዮጲያ እንተደልዩ ክክሕድ ወይ ጆኖሳይድ እዩ ኢሉ ንከይጽውዖ ይኽእል እዩ። ብዓለም ለኻዊ ቤት ፍርዲ እዩ እዚ ዝጻረይ። ድሕሪ ምጽራይ ግን ንተሓታትነትን ካሓሳን ክስማዕማዕ ከምዘለዎ ኣብሪሁ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብዚ ሰሙን ምስ መንግስቲ ትግራይ ንምዝታይ ድልዊ ከምዝኮነን ነዚ ዘሳልጥ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ዝምራሕ ጉጅለ ከምዘጣየሸ ዕላዊ ዝገበረ እንትኸውን መንግስቲ ትግራይ እውን ብወገኑ ንዘተ ድልዊ ከምዝኮነ ኣፍሊጡ እዩ።