ኣብ ዓፋር መዳጎኒ ማእከል ሰመራ ዝርከቡ ተጋሩ ከቢድ ግፍዒ ይበፅሖም ከምዘሎ ተገሊፁ

ነበር ዳሪክተር ኣጃንስ ፍርንስ ፕረስን ኣመንስቲ ኢንተርናሽናል ማእከላይ ምብራቅን ሰሜን ኣፍሪካን ራንዳ ሃቢብ ኣብ ሰመራ ተዳጊኖም ዝርኸቡ ተጋሩ ከቢድ ስቃይ የሕልፉ ከምዘለው ገሊጻ።

ህይወት ተጋሩ ኣገዳሲ ኣብ ትሕቲ ዝብል መልእክቲ ቲዊተር ተጋሩ ኣብ ሰመራ ዝርኸቡ ብመንግስቲ ኢትዮጲያን ፍሉይ ሓይሊ ዓፋርን ተዳጊኖም ልዕሊ ኣርባዓ ዲግሪ ሰንትግሬድ ሙቐት ይሳቐዩ ዘለው ዝሓበረት ራንዳ ሃቢብ በቢማዓልቱ ሞት ሰብ ይመውት ከምዘሎ ዘመላክት መልእክቲ ኣብ ትዊተር ገጻ ኣመሓላሊፋ።

ብመንግስቲ ኢትዮጲያ ካብ ከባቢታት ሽኸት ብሓይሊ ተዓፊኖም ዝተወሰዱ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ተጋሩ ኣብ ሰመራ ኣብ ዝርኸቡ መዳጎኒ ደንበ ተኣሲሮም ይሳቐዩ ዘለው እንትኸውን መሰረታዊ ዝብሃሉ ኣገልግሎት ተነፊጎም መዓልታዊ ምግቢን ማይን ስኢኖም ይህሰዩ ከምዘለው ካብቲ ቦታ ዝወጹ ሓበሬታት የመላኽቱ።

እቶም ብመንግስቲ ኢትዮጲያ ብሓይሊ ተገዲዶም ዝተወሰዱ ተጋሩ ብዓለም ለኸ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ከይሕተቱን ሓገዝ ከይበጾሖሙን ካብ ዓይኒ ማሕበረሰብ ክኽወሉ ዝተገብሩ እትኸውን ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ከብድ ስቅያት ከምዝርኸቡ ይፍለጥ።