ተጋሩ ኣብ ውድድር ዳይመንድ ሊግ 5 ሺሕ ሜትሮ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ብምዃን ተዓዊተን።

ኣብ ኖርወይ ከተማ ኦስሎ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ደቂ ኣንስትዮ ዳይመንድ ሊግ ብ5 ሽሕ ሜትሮ ርሕቐት ተጋሩ ኣትሌታት ብፀብለልታ ተዓዊተን።

ኣብቲ ብደቂ ኣንስትዮ ምድብ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ዳይመንድ ሊግ 5 ሺሕ ሜትሮ ቀዳመይቲ ኣትሌት ዳዊት ስዩም ብ14 ደቓይቕ 25 ሰከንድ 84 ካሊት ቀዳመይቲ ብምዃን ተዓዊታ።

ከምኡ እውን ካልአይቲ ጎደፋ ፀጋይ ብ14 ደቓይቕ 26 ሴኮንድ 69 ካሊት እንትትኣቱ ሳልሰይቲ ድማ ለተሰንበት ግደይ ብ14 ደቓይቕ 26 ሴኮንድ 92 ካሊት ብምእታው ተዓወቲ ኮይነን ኣለዋ።

እዚ ተጋሩ ኣብ መድረኽ ዓለም ዝተጎናፀፋኦ ዓወት ምልክት ፅንዓት፣ ሓቦን ሽግራት ተፃዊርካ መንፈስ ሰዓራይነት ዝተርኣየሉ ከምዝኾነ ከምዝኾነ ብዙሓት ይገልፁ ኣለው።

ቅድም ክብል እውን ተጋሩ ኣትሌታት ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ዓለምን ሜትሮ ርሕቐትን ዓወታት ብምምዝጋብን ድምፂ ህዝቢ ትግራይ እናኾኑ ምምፅኦም ዝዝከር እዩ።