ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንፕሮፌሰር ምትኩ ሃይለ መድረኽ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣዳልያ።

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ፕሮፌሰር ምትኩ ሃይለ ብምኽንያት ብዘፈር ሕርሻ ንዝረኸብዎ መዓርግ ሎሬት ዓለም መድረኽ ምስጋናን እንኳዕ ደስበለኩምን ከምዘዳለወት ሓቢራ።

ፕሮፌሰር ምትኩ ሃይለ፡ ካብ ካልኣይ ክሳብ ሻድሻይ ጉባኤ ንዓሰርተ ክልተ ዓመታት ኣባል ቦርድ ማልት ኮይኖም ከምዘገልገሉን ብዓውዲ ዘፈር ሕርሻ ንዝገበሩዎ ምርምርን መፅናዕትን ንዝረኸብዎ ዓለም ለኸ ኣፍልጦን መዓርግን መድረኽ እንኳዕ ደስ በለኩም ብምድላውን ምስክር ወረቐት ኣፍልጦን ከምዘበርከተትሎም ተገሊፁ።

ተወካሊ ፈፃሚ ዳይሬክር ማልት ኣይተ ተስፋይ ገብረእግዚኣሄር ኣብቲ መድረኽ ኣፍልጦ ተረኺቦም፡ ትግራይ ሐዚ በፂሑዋ ዘሎ ዕፅዋን ከምኡ’ውን ኣብ ፀልማት እናሃለወት ኣብ መድረኽ ዓለም ብርሃና ክርአ ዘኽኣሉ ሎሬት ዓለም ፕሮፌሰር ምትኩ ሃይለ ነቲ ዝረኸቡዎ ክብሪ ናይ እንኳዕ ኣሐጎሶም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ከምኡ እውን ዩኒቨርሲቲ መቐለ ተመስሪቱ ኣብቲ ሐዚ በፂሑዎ ዘሎ ብርኪ ንኽበፅሕን ኣርሓ ዩኒቨርሲቲ ንክኸውንን ዘኽአሉ ንልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ ምርምርን ዝተፈላለዩ ሓላፍነት ስራሕን ዝነበሮም ልዑል ኣበርክቶ ዝረኸቡዎ መዓርግ ሽልማትን መርኣያ ሕድሕድ ትግራዋይ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ሎሬት ዓለም ፕሮፌሰር ምትኩ ሃይለ ብወገኖም ነቲ ብማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝተዳለወ መድረኽን ሽልማት ወረቐት ምስክርን ዘለዎም ናእዳ ብምግላፅ፤ ኣብቶም ዝሓለፉ 30 ዓመታት እትሰርሖም ዝነበሩ ስራሕቲ ዘሎ ምሁር ትግራዋይ ብምትሕብባር ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ሕርሻን ህንፀት ልምዓት ሓይሊሰብን ዝተሰርሑ ስራሕቲ ውፅኢቱን ዓብይ ምንባሩ ኣብሪሆም።

ኣብዚ ቅንያት ፕሮፌሰር ምትኩ ሃይለ ብዘፈር ዓውዲ ሕርሻ ብዘበርከትዎ ኣስተዋፅኦ ተሸላሚ ዓለምለኸ መዓርግ ሎሬት ሕርሻ ከምዝኾኑ ይዝከር።