ድምፂ ወያነ ትግራይ ንዳያስፖራ ትግራይ ፕሮግራም ኣየር ሰዓት ከምዘዳለት ሓቢራ።

ዳያስፖራ ትግራይ፣ ኣምባሳደራት ትግራይ ብምዃን ፀሓይን ቁርን ከይሰኮኖም ንኣስታት ክልተ ዓመት ድምፂ ህዝቦም ብምዃን ከምዘገልገሉ ድምፂ ወያነ ትግራይ ኣቃሊሓ።

ከምኡ እውን እቲ ናይ ኣየር ሰዓት፣ ንዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ዝኽሪ ወፍሪ ኣሉላ ተጎዛጉዙ 21 ሰነ ቀዋሚ መደብ ንምጅማር መደብ ሒዛ ትሰርሕ ከምዘላ ኣፍሊጣ።

ዳያስፖራ ትግራይ ንህዝብን ሰራዊትን ትግራይ ጅግንነትን ፅንዓትን ዝምልከት ሓሳቦም ክገልጹን ዓወታት ኣባላት ዳያስፖራ ትግራይ ኣብቲ 8 ኣዋርሕ ዘካየድዎ ዘይተሓለለ ቃልሲ ከቃልሑን ኣተሓሳሲባ።

ብፍላይ ብ21 ሰነ 2013 ዓ/ም መቐለ ሓራ እንትወፅእ ኣብ ዳያስፖራ ትግራይ ዝተፈጠረ ስምዒትን ሕራነን ከመይ ከምዘስተማቐርዎን ንህዝብን ሰራዊትን ትግራይ ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ከመሓላልፉ ድምፂ ወያነ ትግራይ ፀዊዓ ኣላ።

ብተወሳኻ ኣብ ዓዲ ንዘለዉ ስድራቤቶም፣ ሰላምታ ከሕልፉ፣. ቀፃሊ ናይ ዲያስፖራ ቃልሲ ከመይ ሓይሉ ክቕፅል ከም ዘለዎ፣ ንዳግመ ህንፀት ትግራይ እንታይ መደላድላት ይንበር ኣሎ? ዝብል ሓሳቦም ከንጸባርቑ ከም ዝኽእሉ ኣረዲኣ።

ከምቲ ዝፍለጥ ዓሚ ከምዚ ወርሒ ብወፍሪ ራእሲ ኣሉላ ዝጀመረ ስርሒት ሓየት ሰራዊት ትግራይ ንመብዛሕቲኡ ከባቢብታት ትግራይ ሓራ ብምውፃእ ንከተማ መቐለ ከምዝተቖፃፀረ ዝዝከር እዩ።