ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ስጉምቲ ክወሰድ ሂማን ራይትስ ዎች ፀዊዑ።

ቤት ፅሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ሕብረት ኣውሮጳ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኣብ ብራስለስ ኣኬባ ክገብሩ ምዃኖም ኣመልኪቱ ብሂማን ራይት ዎች ኣብ ዝወጸ መግለጺ ሕብረት ኣውሮጳ ኢትዮጲያ ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ጭቡጥ ለውጢ ክተመጽእ ጸቕጢ ክገብር ጸዊዑ።

ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ብራስለስ ዝገብርዎ ዋዕላ ጉዳይ ኢትዮጲያ ሓደ ኣጀንዳ ከምዝኸውን ዝሓበረ ሂማን ራይትስ ዎች ጸቅጢ ሕብረት ኣውሮጳ ክብደት ክህልዎ እንተተደልዩ ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ሰባት ዝበጽሕ ዘሎ ጉድኣት ኣመልኪቱ ትኩረት ክገብረሉ ከምዝግባእ ጸዊዑ።

ክሳብ ሐዚ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ትግራይን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝተፈጸሙ ገበናት ኲናት ግህሰት ሰብኣዊ መስልን ኣመልኪቱ እዙይ እዩ ዝብሃል ሕጋዊ ስጉምቲን ተሓታትነት ኣይወሰደን ዝበለ ሂማን ራይትስ ዎች ብመንግስቲ ዝግበሩ ምጽራያት ግልጽነት ዝጎድሎሙን ዓለም ለኻዊ ምጸራይ ከይኻየድ ብመንግስቲ ኢትዮጲያ ዕንቅፋት ከምዝገጥሞም ገሊጹ።

ስርዓት ኢትዮጲያ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዝገደበን ውሑድን ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ክኣትው ዋላ እናተፈቐደ እቲ ዝኣተወ ሰብኣዊ ሓገዝ ካብቲ ዘድሊ ጠለብ ኣዝዩ ውሑድ እዩ ዝበለ ሂማን ራይትስ ዎች መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ንኣስታት ሓደ ዓመት ስጡም ዕጽዋን ክባን ከምዝፈጸመ ገሊጹ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ስልኪ፣ ኣገልግሎት ባንኪ፣ መብራህቲን ነዳዲን ብምቁራጽ ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ቅልውላው ክፍጠርን መድሓኒትን ናውቲ ሕክምና ከይኣትው ብምግባር ህዝቢ ብሕማም ክሳቐን ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ ዝኮና መሰረታዊ ሕክምና ከይረክባ ጌሩ እዩ ዝብለ ሂማን ራይትስ ዎች ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዘውጾኦ ጸብጻብ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘርኢ ምጽናት( ethic cleansing) ከምዝተፈጸመ ሪፖርት ምውጹኡ ኣዘካኪሩ።

ምስ መንግስቲ ኢትዮጲያ ዝግበሩ ዲፕሎማሲያዊ ርኽባት ንበይኑ ሸቶ ክኸውን የብሉን ዝብለ ሂማን ራይትስ ዎች የግዳስ እቶም ዲፕሎማሲያዊ ርኽባት ኣብታ ሃገር ሰለማዊያን ሰባት ንምሕላው ክውዕሉ ከምዝግባእ ሓቢሩ።

ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ልዕሊ ካልእ ሃገራት ብናይ ገበን ውግእ ትሓተቲ ዝኾኑ ጽኑዕ ስጉምቲ ኣብ ዝወስደሉ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ በጺሑ ዝሕቱል ስጉምቲ ክወስድ ከምዘይግባእን ዓለም እዚ ይዕዘብ ከምዘሎ ሂማን ራይትስ ዎች ኣተሓሳሲቡ።

ሕብረት ኣውሮፓ ሩስያ ኣብ ዩክሬን ውግእ ምክፋታ ስዒቡ ዝተፈላለዩ ስጉምቲ ምውሳዱን ጉዳይ ትግራይ ሸልል ምባሉ ብተደጋጋሚ ኣብ ምውቃስ ይርከብ።