ፍሉይ ተወካሊ ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኣውሮጳ፡ ንገበናት ኲናት ከፃሪ ዝተመዘዘ ዓለም ለኻዊ ጉጅለ ስርሑ ክጅምር ምስኢትዮጵያ ከምዝዘተየ ተሓቢሩ።

ፍሉይ ተወካሊ ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኣውሮጳ ኢሞር ጊልሞር ምስ ሚኒስትር ፍትሒ ኢትዮጲያ ጌድዮን ጢሞቴዎስ ኣብ ዝነበሮ ጻኒሒት መንግስቲ ኢትዮጲያ ነቲ ኲናት ስዒቡ ዝፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዘጻሪ ዓለም ለኻዊ ኮሚቴ ስርሑ ክጅምር ዝክእለሉ መገዲ ከምዝዘተዩ ኣፍሊጡ።

መንስግቲ ኢትዮጲያ ብውድብ ሕብራት ሃገራትን ብሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ገበን ኲናትን ኣመልኪቱ ክግበሩ ዝተወሰኑ ዓለም ለኻዊ ምጽራያት ከምዘይቅበልን ዘይፈቅድን ብተደጋጋሚ ዝገለጸ እንትኸውን እቲ ሐዚ ብሚኒስተር ፍትሒ ገድዮን ጢሞቴዎስ ኣቢሉ ዝወጸ ሓበሬታ: መንግስቲ ኢትዮጲያ ቅድሚ ሐዚ ሒዝዎ ዝነበረ ቅዋም የለሳልስ ከምዘሎ ዘመላኽት እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ምስ ውድብ ሕብራት ሃገራት ብምኻን ሓባራዊ ምጽራይ ከምዘካየደ ዝፍለጥ እንትኸውን እቲ ሓባራዊ ምጽራይ ኣብ ግልጽነቱን ምርመራ ዝተገበረሉ መገዲን ብዙሓት ሕቶታት ዝተልዓልዎን ነቲ ናይ መወዳእታ ፀብፃብ እቲ ሓባራዊ ምጽራይ ስዒቡ ዘይሻራዊ ዓለም ለኻዊ መጻረይ ኮሙሽን ብውድብ ሕብራት ሃገራት ከምዝተጣየሸ ይዝከር።

ብተመሳሳሊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈጸመ ጆኖሳይድ ተሓታትነት ዝምልከት ናብ ዘተ ከምዘየቅርቦ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝሓበረ ኮይኑ ተወካሊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ደገ ኣባሳደር ፍስሃ ኣስገዶም መንግስቲ ኢትዮጲያ ቅድሚ እቲ ዘተ ዓለም ለኻዊ ምጽራይ ክገብር ፍቃደኛ ክኸውን ተሓተቲ ናብ ፍርዲ ከቅርብ ክስማዕማዕ ከምዝግባእ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮ ጻኒሒት ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር።