ህዝቢ ትግራይ ኣብ ወሳናይ ምዕራፍ ዝበፀሐ ብሄራዊ ረብሕኡ ዘውሕሰሉ ቃልሱ ከጠናኽር ቤት ምኽሪ ትግራይ ፀዊዑ።

እቲ ቤት ምኽሪ ንመበል 34 መዓልቲ ሰማእታት ትግራይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ህዝቢ ትግራይ በቢምዕራፍ ቃልሱ ዘጋጠምዎ ፈተናታት በዲሁ ሃላዋቱ ከምዘውሐሰ ጠቒሱ።

ትግራይ ሐዚ ዘጋጠማ ሓደጋ ሃላዋት ኣብ ሕቶ ምልክት ዘእተወ ከምዝኾነ ብምሕባር ህዝቢ ትግራይ ንብሄራዊ ክብሩን መሰል ዓርሰ-ውሳንኡን ዘካይዶ ዘሎ ኩለመዳይ ቃልሲ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ፀዊዑ።

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ጀኖሳይድ ብስነ-ልቦናዊን ኣካላውን ማህሰይቲ ትግራይ ንምጥፋእን ንምምብርካኽን ዝዓለመ ግብሪ ትምክሕታዊ ሓይልታት ተሓታትነት ንምርግጋፅ ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ።

ፍልፍል ምውሓስ ሃላዋት ተጋሩ ውሽጣዊ ሓድነት ስለዝኾነ ኩሉ ትግራዋት ንምዕዋት እቲ ቃልሲ እጃሙ ከበርክት ቤት ምኽሪ ትግራይ ኣተሓሳሲቡ።