ስደተኛታት ኤርትራ ብኩለመዳይ ዕፅዋ ኣብ ፈታኒ ኩነታት ኮይኑ ንዝሓብሐቦም ህዝቢ ትግራይ ኣመስጊኖም።

መዓልቲ ስደተኛታት ኣብ ማሕበር ሕውየትን ልምዓትን ኤልሻዳይ ዘኽበሩ እቶም ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ጠመተ ክገብረሎም ሓቲቶም።

ኣብ ከተማ ኣስመራ ትነብር ዝነበረት ኣዶ ሰለስተ ቆልዑ ወይዘሮ ግደይ ተክለሃይማኖት “ውላድካ ክተምህሮ ኣብ ፅቡቕ ብርኪ ክተብፀሖ እናተፀበኻ ኣብ 11 ክፍሊ ተኾሊፎም ደቅኻ ብዕሸልነቶም ንወተሃደራዊ ዕስክርና ዝጥቀመሎም ስርዓት” ስለዝኾነ ደቃ ንምውሓስ ክትፅዕር ምፅንሓ ተዛሪባ።

“ገዛ ሰሪሕና ኔርና ንሱ እውን ኣፍሪሱልና” ዝበለት ወይዘሮ ግደይ “ኣብኡ ግፍዒ ምስበዘሐና ናብ ተጋሩ ኣሕዋትና መፂና” ክትብል ኣብ ወርሒ መስከረም 2011 ዓ.ም ዝተፈጠረት ምኽፋት ዶብ ተጠቒማ ምስ ስድራኣ ከምዝመፀት ሓቢራ።

ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ዓዲ ሓርሽ ንሓደ ዓመት ድሕሪ ምፅናሕ ኣብ መቐለ ኣብ ሸቐጣ ሸቐጥ ተዋፊራ ክሳብ ኲናት ዝውላዕ ስድራኣ ብንግዲ ክትጥውር ምፅንሓ ገሊፃ።

“ብውልቀ መላኺ ስርዓት ኢሳያስ ዝምራሕ ግፍዒ ካብ ዓድና ኣፈናቒሉናስ ናብዚ እውን ኣርኪቡልና” ብምባል እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝወረደ ወራርን ዕፅዋን ሃላዋት ስድራኣ ኣብ ሓደጋ ዘእተወ ከምዝኾነ ተዛሪባ።

ድሕሪ ወራር ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ኤልሻዳይ ተዓቚባ ትርከብ ወይዘሮ ግደይ “በቲ ሻዕብያ ኣብ ትግራይ ዝገበሮ ግፍዒ ንሕና ፈሪሕና ግን ትግራዋይ ኣጆኹም ኩልና ክንሓልፎ ኢና” ብምባል ተመሊሱ ተስፋ ከምዘስንቓ ሓቢራ።

ኣብ መዓልቲ ስደተኛታት ኣመልኪቱ ኣብቲ ማእኸል ንዘዕቖቡ 320 ኤርትራውያን ወኪሉ መልእኽቲ ዘቕረበ ኣይተ ኣብርሃም ጠዓመ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ማእኸላት መዕቖቢ ስደተኛታት ዝፈፀሞ ግፍዕታት ተፃርዩ ተሓታትነት ከረጋግፅ ንውድብ ሕቡራት መንግስታት ፀዊዑ።

ኣይተ ኣብርሃም ወሲኹ ኣብ ዝተፈላለዩ መዕቖቢ ዝነበሩ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ስደተኛታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ብሰንኪ ጥሜት ንሞትን ተወሳኺ ሕማምን ስለዝተቓልዑ ትካላት ሰብኣውነት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተነበረ ዕፅዋ ክለዓል ክሰርሓ ኣተሓሳሲቡ።

ሓላፊ ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ትግራይ ኣይተ ሙሉጌታ ደባልቀው ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን “መረብ ዝፈልየና ሓደ ህዝቢ ስለዘለና ስደተኛታት ከይኮንኩምስ ኣብ ዓድኹም ኢኹም ዘለኹም” ክብል ገሊፁ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን “መንግስቲ ትግራይ ብዙሓት ፀገማት ስለዘለዎ ትካላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ዓለምለኻዊ መለክዒ ዝጠልቦ ቀረብ ኣብ ምምላእ” ክድግፍ ፀዊዑ።

ሰራዊት ኤርትራ ናብ ትግራይ ዘሊቑ ምስኣተወ ዶብ ዝሰግረሉ ዕድል ረኺቡ ዝመፀ መንእሰይ መንግስቱ ተኪአ “ንሰላም ንሕና መናእሰይ ኢና ክንሰርሐሉ ዘለና” ዝበለ መንግስቱ “ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን መፃኢ ዕድሉ ዘፀልምት ምልካዊ ኣካይዳ ንምግላህ ሓቢሩ ክቃልስ” ከምዘለዎ ጠቒሱ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ማሕበር ሕውየትን ልምዓትን ኤልሻዳይ ኣይተ የማነ ወልደማርያም 320 ኤርትራውያን ኣብቲ ትካል ተዓቒቦም ከምዝርከቡ ተዛሪቡ።

ኣይተ የማነ ወሲኹ “ኣብ ከቢድ ኩነታት ዕፅዋ ዋላ ይኹን ሓደ ህዝቢ ስለዝኾንና ዘላቒ መፍትሒ ክሳብ ዝመፅእ ዘላ ተኻፊልና ብሓባር ኣለና” ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኸተሎ ኩለመዳይ ዕፅዋ ኣብ ምንቅስቓስ እቲ ትካል ዕንቅፋት ምፍጣሩ ኣረዲኡ።

ዋና ኣተሓባባሪ ውሕስና ላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ጨንፈር ትግራይ ማርቲን ማንቴው “ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘላቒ መፍትሒ ክሳብ ትረኽቡ ኣብ ጎንኹም ኣለና” ክብል ገሊፁ።

እቲ ኣተሓባባሪ “መልክዒታት ተማልኡ ናብ ካሊእ ሃገር ብምውሳድ ካልኦት ድማ ምስቲ ሕብረተሰብ ከባቢ ተሳኒኹም ክትነብሩ ወይ ከዓ ኩነታት እንተፈቒዱ ናብ ዓድኹም ክትምለሱ” ከምዝሰርሕ ሓቢሩ።

ወሲኹ እውን ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ ፈታኒ ኩነታት ንምምሕያሽ ምስ ትካሉ ተዋዲዱ ይሰርሕ ምህላው ጠቒሱ።