ቤት ፅሕፈት ዝምድናታት ትግራይ፡ ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ መዋጥር እንትኣቱ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተለመደ ጠቐነ ከምዘካይድ ገሊፁ።

ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ቅንያት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ዘጋጠሞ ተቓውሞን ምስ ሱዳን ዘጋጠሞ ተፃብኦን እቲ ዝተለመደ ኢድ መንግስቲ ትግራይ ከምዘለዎ ገይርኻ ምቕራብ እቲ ስርዓት ኣብ ሓያል መዋጥር ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ትኹረት ማሕበረሰብ ንምቕያር ዝዓለመ ከምዝኾነ ቤት ፅሕፈት ዝምድናታት ትግራይ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ሓቢሩ።

ከምኡ እውን ኣቢ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ንምፅናሕ ዝጥቀመሉ ሓደ ስልቲ ምድንጋር ከምዝኾነ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣቃሊሑ።

ስርዓት ኢትዮጵያ ካብ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ጀሚሩ፡ ልዕሊ 5 ነጥቢ 1 ሚልዮን ህዝቢ ብሓይሊ ካብ ቤት ንብረቱ ብምፍንቓል ኢትዮጵያ ብደረጃ ዓለም ኣብ ቅድሚት ክትስራዕ ከምዝገበረን ብሚልዮን ዝግመት ህዝቢ ትግራይ ኣደዳ ሞት፣ ኣካላዊ መግዳእት፣ ማእሰርትን ምፍንቓልን ከምዝገበረ ኣብሪሁ።

ብተወሳኺ እቲ ስርዓት ዝኸፍአ ብልሒ ውድቀትን ፋሺስታውነትን፡ ፖለቲካዊ ኣፈላላያት ብዘተ ናይ ምፍታሕ ዓቕሚ እንትስእን ነዚ ብሓይሊ ንምፍታሕ ኣብ ልዕሊ ትግራይ መሻርኽቲ ዓዲሙ ቅሉዕ ኲናት ከምዝኣወጀ ገሊፁ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝኣወጆ ኲናት ናብ መላእ ከባቢታት ኢትዮጵያ ከምዝተጋፈሐ ተገሊፁ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ጋምቤላ፣ ግጭት ሱዳንን ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያን ብሰራዊቱ ዝፍፅሞ ዘሎ ጅምላዊ ጨፍጫፋት ‘’ኢድ ወያነ ኣለዎም’’ ብምባል ፍፁም መሰረት ዘይብሉ ፕሮፖጋንዳ ይሰርሕ ከም ዘሎ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣቃሊሑ።

ብምዃኑ እውን ብሓደ ወገን እቲ ስርዓት ምስ ትግራይ ዘለዎ ኣፈላላይ ብዘተ ንምፍታሕ ንማሕበረሰብ ዓለም እናገለፀ፡ ብካልእ ወገን ድማ ጠንቂ ዘተ ሰላም ዝኾኑ ጠቐነታት የካይድ ከምዘሎን ካብ ተግባሩ ክቑጠብን ፀዊዑ።