ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፕሮፖጋንዳ ብደም ዝጠልቀየ ስርዓት ኢሳያስ ክታለል ከምዘይብሉ ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ሓቢሩ።

ኣብ መንጎ ህዝብታት ኣፈላላይ ክፈጥርን ዳግም ክዳመን ናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳ ዝነዝሑ ካብ ዘለዉ ኣመራርሓን ሰራዊትን ኤርትራ ጥንቃቐ ክግበር ይግባእ ኢሉ ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ንማዕኸናት ዜና ትግራይ ገሊፁ።

ብምኽንያት ዝኽሪ ሓደ ዓመት ዓወት ወፍሪ ኣሉላ ኣባ ነጋ መብርሂ ዝሃበ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ህዝቢ ትግራይ ብሓይልታት ልፍንቲ ዓለምና ሪኣቶም ዘይትፈልጥ ግፍዒ ከምተኣናገደ ሓቢሩ ክብል ተሌቭዥን ድምፂ ወያነ ኣቃሊሑ።

ብቐንዱ ከኣ ብሰራዊት ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ህዝቢ ዝፈፀሞ ገበናት ኲናት ካብ ሰብኣውነት ተግባራት ዝወፀን ይቅረ ዘይበሃልን ፀሊም ታሪኽ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ህዝቢ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ መንነታዊ ቃልሲ ምእንተ ህልዉና ስለዝኾነ ቃልስና ኣብ ዘበርኸሉ ወሳናይ ምዕራፍ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ሕጂ እውን ብርክት ዝበለ ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ፀላኢ ከምዘሎን ኣብ መሬት ትግራይ ኮይኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ደብዳባት ከበድቲ ብረት የካይድ ከምዘሎ ጀነራል ወዲ ወረደ ኣተሓሳሲቡ።

እንተኾነ ብሸነኽ ትግራይ ዛጊድ ዝኾነ ግበረ መልሲ ከምዘይተውሃቦ ገሊፁ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕልና ኣብ ዝረኸበሉ ወዳእናኩም ቀበርናኹም ዝብል ዝነበረ ስርዓት ኤርትራ ሎሚ ሰራዊት ትግራይ ክወረኒ ይዳሎ ኣሎ ናብ ምባል ከምዝወረደ ኣረዲኡ።

ስርዓት ኤርትራ ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤርትራን ዳግም ክዳመን ናብ ዘየድሊ ኺናት ክንኣቱን ወያነ ክትወረና እያ ዝብል ናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳ ይነዝሕ ስለዘሎ ፣ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ሓዉ እምበር ፀላኢ ከምዘይኮነን ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ብደም ህዝቢ ዝጠልቀየ ሰራዊት ስርዓት ኢሳያስን መሪሕነቱን ከምዝኾነ ኣብሪሁ።