ሕብረት ኣፍሪካን( AU) ኢጋድን(IGAD) ኣብ ዶብ ሱዳን ኢትዮጲያ ተፈጢሩ ዘሎ ጎንፂ ከምዝተሓሳሰቦምን እቲ ኩነታት ካብ ዘጋድዱ ተግባራት ክቑጠቡ ፀዊዖም።

ፕሬዝደንት ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ ማሃመት ኣብ መንጎ ኢትዮጲያን ሱዳንን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ወታደራዊ ውጥረት ኣዝዪ ከምዘሻቀሎ ዝገለፀ እንትኸውን ኣብ ሓባራዊ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ብዝጠፈአ ህይወት ኣዝዩ ከምዝሓዘነ ገሊፁ።

እቲ ፕሬዝደንት ክልቲኤን ሃገራት መንቀሊኡ ብዘየግድስ ካብ ዝኮነ ይኹን ወታደራዊ ስጉምቲ ክቑጠቡ ዝጸወዐ እንትኸውን እቲ ጎንጺ ንምፍታሕ ክልቲኤን ኣሕዋት ሃገራት ዝርርብ ክገብራ ፀዊዑ።

ሙሳ ፋቂ ኣብ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ቀረባ ዝተገበረ ውግእ ነቲ ኣብ ክልቲኤን ሃገራት ቀጻሊ ዝኾነ ውሽጣዊ ብድሆታት ንምፍታሕ ዝግበር ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ ፍታሕ ከዕንቅፍ የብሉን ክብል ገሊጹ።

ኣብ ቐረባ እዋን ሸውዓተ ወታደራት ሱዳንን ሰለማዊ ሰባትን ብዕጡቓት ኢትዮጲያ ምቅታሎም ሲዒቡ መንግስቲ ሱዳን ሕነ ከምዝፈዲ ኣፍሊጡ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ ነዚ ግብረ መልሲ ሱዳን ብኣየርን ከቢድ ብረትን ዝተዓጀበ ደብዳብ ምፍጻሙ ይፍለጥ።

ሕብረት ኣፍሪቃን መሻርኽቱን ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝኣወጆ ኲናት ሕጊ ምኽባር ዩ ብዝብል ኣብ ጎኑ ዝተሰለፉ ክኾኑ ከለው ፍትሓውነት እቲ ሕብረት ድማ ብዙሓት ኣብ ሕቶ ከምዘእትውዎ ይግለፅ።