ፕሬዝደንት ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ስሪላካዊት ራዲካ ኮማራስዋሚ ኣባል ዓለም ለኻዊ ኮሙሽን ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጲያ ከምዝመዘዘ ኣፍሊጡ

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትግራይ ዝተፈጸሙ ገበናትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ንከጻሪ ብውድብ ሕብራት ሃገራት ናይ ዝተጣየሸ ዓለም ለኻዊ መርማሪ ኮሙሽን ራዲካ ኮማራስዋሚ ሳልሰይቲ ኣባል እቲ ኮሙሽን ጌሩ ከምዝሾመ ኣፍሊጡ።

እቲ ሰለሰተ ኣባላት ዘለውዎ ኮሙሽን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዝተጣየሸ እንትኸውን ኣብ ወርሒ መጋቢት እዚ ዓመት ድማ ፋቱ ቤንሱዳ፣ ቤቲ ሙሩንጊን ስቴቨን ራትነርን ኣባላት እቲ ኮሙሽን ኮይኖም ብፕሬዝደንት ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት እቲ ሕብረት ተሓርዮም ክሰርሑ ጸኒሖም እዮም።

ፋቱ ቤንሱዳ ካብ ሓላፍነታ ምውራዳ ሲዒቡ እቲ ሰለሰተ ኣባላት ዘለዎ ኮሙሽን ሓደ ሰብ ክትክእ ዝግባእ ዝነበሮ እንትኸውን ፕሬዝደንት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት  ራዲካ ኮማራስዋሚ ሳልሳይ ኣባል እቲ ኮሙሽን ኮይና ከምእትቅጽል ኣፍሊጡ ኣሎ።

ኣብ ትግራይ ዝተፈጸሙ ገበናትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ንከጻሪ ብሕቡራት ሃገራት ናይ ዝተጣየሸ ዓለም ለኻዊ መርማሪ ኮሙሽን ንክትመርሕ ተሸይማ ዝነበረት ፋቱ ቤንሱዳ ካብ መዝነታን ኣባልነታን ብፍቃዳ ከምዝወረደት  ድሕሪ ምፍላጣ ስዒቡ ፕሬዝደንት ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ፈደሪኮ ቪለጋስ ንካሪ ቤቲ ሙሩንጊ ኣብ ትግራይ ንዝተፈጸሙ ገበናትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ንክምርምር ናይ ዝተጣየሸ ኮሙሽን ኣደ መንበር ጌሩ ከምዝሸመ ዕላዊ ገይሩ ከምዝነበረ ይፍለጥ።

እቲ ኮሙሽን ሎሚ ሓሙስ ንባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕብራት ሃገራት ናይ ቃል ሪፖርት ከቅርብ ትጽቢት ይግበረሉ።