ኣብ ጥምየት ንዘሎ ህዝቢ ትግራይ ንምብጻሕ ዓለም ለኻዊ ግብረ-ሰናይ ጉጅለ ምጥያሽ ከምዘድሊ ተሓቢሩ።

ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብሰንኪ ዘንበሮ ዕጽዋ ኣብ ጥምየት ንዘሎ ህዝቢ ንምብጻሕ ዓለም ለኻዊ ግብረ-ሰናይ ጉጅለ ምጥያሽ ከምዘድሊ ጻዊዒት ቀሪቡ።

ፕሬዝደንት ዓለም ለኻዊ ሕግን ዓለም ለኻዊ ትካል ኣውሮጳ ማሕሙድ ሬፋየት ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዕጽዋ ኣብ ጥምየት ንዝትሳጠሐ ሸውዓተ ሚልዮን ህዝቢ ንምብጻሕ ዓለም ለኻዊ ግብረ ሰናይ ጉጅለ ምጥያሽ ከምዘድሊ ኣፍሊጡ።

ስርዓት ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ሸውዓተ ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት ይጥቀም ኣሎ ዝበለ ማሕሙድ ሬፋየት: መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊነት ዝፍጸሞም ገበናት እውን ኣብ ትግራይ ከምዝፈጸመ ዘቃለዐን እዚ ተግባር መንግስቲ ኢትዮጲያ ብህጹጽ ጠጠው ምባል ከምዘድሊን ሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብሰንኪ ዘንበሮ ዕጽዋ በቢማዓልቱ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ይመውት ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጥምየት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ናብ ዝኸፈአ ብርኪ ይሰጋገር ከምዘሎ ይፍለጥ።