ኣብ ከተማ ኣኽሱም ብወረርቲ ሓይልታት ዝተፈፀመ ጅምላዊ ጨፍጫፍ እተዘንቱ መፅሓፍ ንንባብ በቒዓ።

ወረርቲ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈፀሙዎ ጆኖሳይድ፡ ብፍሉይ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ህዝቢ ከተማ ኣኽሱም ዝተኻየደ ጅምላዊ ጨፍጫፍ እተዘንቱ መፅሓፍ ተፃሒፋ ንንባብ ከምዝበቕዐት ተገሊፁ።

እታ 280 ገፅ ዘለዋ “ኣኽሱም ነቢዓ” ዘርእስታ ሓዳስ መፅሓፍ ብነባር ጋዜጠኛን ደራስን ነጋ ዘርኡ ዝተደርሰት መፅሓፍ ብግዱሳት ተጋሩ ተሓቲማ ኣብ ኣማዞን ኣብ ዕዳጋ ከምዝወዓለት ተገሊፁ።

እታ መፅሓፍ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈፀመ ብርሰት ከምመርኣያ መዚዛ ዝወሰደት ክትከውን ከኣ ኣብ ምዕቃብ ባህልን መንነትን ትግራይ ከምኡ እውን ምምዕባል ስነ-ፅሑፍ ትግርኛ ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዋ ተሓቢሩ።

ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ማእለያ ዘይብሉ በደልን ገበንን ዝተፈፀመ ኮይኑ እቲ ዝበጸሐ ጨፍጫፍን ገበንን ከምኡ እውን ሕጂ ዝፍፀም ዘሎ ጅግንነት ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ተሰኒዱ ክሰጋገር ዝተፈላለዩ ብርክት ዝበሉ መፃሕፍቲ ንሕትመት በቒዖምን ኣብ ከይዲ ሕትመት ከምዘለውን ይፍለጥ።

ኣብ ቀረባ እዋን “ኣቅመራ”፣ “ምጽኣት” “ንሕና እናሃለና ህዝቢ ትግራይ ኣይበርንስን” ዝብላ መጸሓፍቲ ዝተመረቃ እንትኸውን “ከመይ ኢልና ንደቅስ?” እትብል መጸሓፍን ካልኦት ድማ ኣብ ቐረባ እዋን ንምሕታም ምድላዋት ከምዘሎ ይግለፅ።