ኣብ ኣጠቓቕማ እታወታትን ቴክኖሎጂን ኣመልኪቱ ንሓረስቶትን ከተማ ሕርሻን ዕድል ንምፍጣር ዝዓለመ ስልጠና ተዋሂቡ።

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምስ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻን ትግራይ ብምትሕብባር ኣብ ክረምታዊ መደባት ሕርሻ ዘድሀበ ስልጠና ከምዝሃበት ተገሊፁ።

ኣብቲ ኣብ ዝራእቲ ፣መስኖን ሃፍቲ እንስሳን መሰረት ብምግባር ብተመራመርትን ሰብ ሞያን ሕርሻ ተሓጊዙ ከምዝተወሃበ ተሓቢሩ።

ምክትል ፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር ዓመት ትግራይ ዶ/ር ተስፋሁነኝ ሃይለማርያም፤ ሓንቲ ፆማ እትሓድር መሬት ትግራይ ከይትህሉ፣ ህዝቢ ተስፋ ሰኒቑ ክነብርን ብኣውርኡ ድማ ካብቲ ኣጋጢሙዎ ዘሎ ከቢድ ዓፀቦ ኣብ ሓፂር እዋን ወፂኡ ብምግቢ ዓርሱ ዝኽእለሉ ባይታ ከምዘለዎ ኣረዲኡ።

ተሳተፍቲ እቲ ስልጠና ካብ ዞባ መቐለን ካብ ሸውዓቲአን ክፍለ ከተማታት መቐለን ዝተውፃእፅኡ ሰብ ሞያ ሕርሻ ከምዝኾኑን ኣብ እዋናዊ መደባት ሕርሻ መሰረት ብምግባር መፍረያይነት ሕርሻ ንምዕባይ ኣብ ኣጠቓቕማ እታወታትን ቴክኖሎጂን ማእኸል ብምግባር ንሓረስቶትን ከተማ ሕርሻን ብቐረባ ንምድጋፍ ዕድል ንምፍጣር ዓሊሙ ዝተዳለወ ስልጠና ከምዝኾነ ሓቢሩ።

መተሓባበሪ ምርምርን ዶክመንቴሽንን ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ዶ/ር ሃይለስላሴ ኣማረ ብወገኑ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ቅድም ክብል ኣብ ሕርሻ ዝነበራ ምንቅስቓስ ብምጥንኻር ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት መሰረት ብምግባር ኣብ ሓፈሻዊ መደባት ሕርሻ ውፅኢታዊ ስራሕ ንምስራሕ ብማእኸል ኢንቨስትመንት ቓላሚኖ ዝትግበሩ ዕማማት ናብ ዝሐሸ ብርኪ ኽዓብዩ ንምሕጋዝን መፍረያይነት ንኽውስኽ ሞያዊ ሓገዝ ትህብ ከምዘላ ኣረዲኡ።