ቃልሲ ወለዶታት ትግራይ ብዘላቒ ፍታሕ ብሄረ-ሃገርነት ንምኽንባት ሓሳብ ዘቐድም መስርሕ ፖለቲካ ምትእትታው ከምዘድሊ ተሓቢሩ።

ሃገረ ትግራይ ንኸይንምስርት መመኽነይታ ዝኾኑ ዘለው ዘይፀረዩ ፍርሕታትን ሽርሕታትን ብዝብል ርእሲ ዝተኻየደ ዋዕላ መድረኽ ናፅነት ትግራይ ብሄራዊ ጭቆና ዘበገሶም ቃልሲታት ወለዶታት ትግራይ ሸቶኦም ከምዘይወቕዑ ተገሊፁ።

ኣብቲ 25 ሰነ 2014 ዓ.ም ግእዝ ዝተኻየደ ዋዕላ ፅሑፍ ዘቕረበ ሓጋዚ ፕሮፌሰር ኣማሃ ካሕሳይ “እንታይ ክንበልዕ ኢና” ዝብል ስግኣት ከምዘሎ ብምጥቃስ መጠን ዓመታዊ ምህርቲ ትግራይ 3 ኩንታል ንሓደ ሰብ ዝበፅሖ እንትኾን ናይ ኢትዮጵያ ግና 2.5 ኩንታል ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

ትግራይ ንባዕላ ጥራሕ ከይኮነስ ንኻልኦት ዝተርፍ ምህርቲ ከምተፍሪ ዝሓበረ ኣማሃ “ዘይፍትሓዊ ክፍፍል እቲ ምህርቲ” ግና ዕንቅፋት ከምዝኾነ ጠቒሱ።

ትግራይ ኩሎም ዓይነታት ኩነታት ኣየር ስለዘለዋ ንመፍረያይነት ምችውቲ ከምዝኾነት ብምግላፅ “ብቴክኖሎጂ ደጊፍና እንተምሪትና ድማ ይትረፍ 15 ኪሎ ስርናይ ረድኤት ክንፅበስ ንኻልኦት ክንረድእ ዘኽእል ዓቕሚ” ከምዘሎ ተዛሪቡ።

እቲ ካሊእ ምስረታ ሃገር ንዘይምግሃድ ከምስግኣት ተጌሩ ዝውሰድ “ምስ ጎረባብትና ከይንፃላእ” ዝብል እንትኸውን ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ ብምዃና ዝገደደ ማእኸል ኲናት ክትከውን ዝገበረ ውሽጣውን ደጋውን ወራራት ከምዘየድሐነት ጠቒሱ።

ትግራይ ብኹሉ ኣንፈት ክመፃ ዝኽእል ብድሆታት ምምካት ትኽእል ባዕላ ትውንኖ ፖሊሲ ጉዳይ ወፃኢ፣ መሓውር ምክልኻልን ዲፕሎማሲን ምውናን እንተኽኢላ ስለዝኾነ ሃገር ብምዃን ኣብ ረብሓን ዕዳጋን ዝምስረት ዝምድና ምምስራት ከምዝከኣል ኣረዲኡ።

ሓጋዚ ፕሮፌሰር ኣማሃ ወሲኹ ወጣኒት ስልጣነን ስርዓተ እምነትን ትግራይ ኣብ ሃይማኖታዊን ባህላዊን ክብርታታ ተደሪኸን ዝተሃነፃ ትካላት ኢትዮጵያ ንጥፍኣታ ከምዝተበገሳ ብምግላፅ ኣምራታ ንኽትዕቅብ ምስረታ ሃገርነት ኣገዳሲ ምዃኑ ሓቢሩ።

“ትግራይ ዴሞክራሲ ኣልቦ እንተኾነት ከ” ዝብል ስግኣት ተደጋጊሙ ከምዝለዓል ዝገለፀ ኣማሃ ኣብዚ ሐዚ እዋን ሓሳብ ዘቐድም መስርሕ ፖለቲካ ምትእትታው ምስቲ ወተሃደራዊ ቃልሲ ብማዕረ ክስረሐሉ ከምዝግባእ ብምጥቃስ ዴሞክራሲ ብከይዲ ልውውጥ ሓሳባት ዝጉልብት ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ፖለቲካ ትግራይ ካብ ምውቕቓስን ምጥልላፍን ወፂኡ ኣብ ስትራቴጂካዊ ረብሓታት ትግራይ ብዝግበር ክትዕን ምይይጥን ክትካእ ከምዝግባእ ዝሓበረ እቲ መቕረቢ ፅሑፍ ህዝቢ ትግራይ ክሳብ ሐዚ ኣብ ኲናት ክነብር ዘገደድዎ ፖለቲካዊ ውድቀታት ብኣማታይ መስርሕ ክመዓራረዩ ሓቲቱ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተሳተፈ መምህር ወልደኣብርሃ ንጉሰ ብወገኑ “ተጋሩ ካብቲ ዝጠሓልናዮ ፖለቲካዊ ዕዛመ ክንወፅእ ይግባእ” ብምባል “ሓሳብ ዝፈርሕ ዕዛመ ዝደፍር፣ ክትዕ ንፈርሕ ንሓንቲ ሓሳብ ምጥቓዕ ዝፈቱ፣ ሃገር መስሪትና ክብርታትና ምዕቃብ ዝፈርሕ ካልኦት ብሄር ብሄረሰባት ከድሕንዎ ዝፅበ” መስርሕ ቀንዲ መርኣዪ ውድቀት ፖለቲካ ከምዝኾነ ተዛሪቡ።

ትግራይ ሃገር ንምዃን ምዕራባውያን ስለዘይፈቕዳ ዕላማ ቃልሲ ምንፃር ከምዘየድሊ ዝግለፅ ነጥቢ “መሰል ዓርሰ ውሳነ ዓለማዊ ሕጊ ስለዝኾነ ምዕራባውያን እቲ ሕቶ እንትለዓል ረብሐን ብዘረጋግፅ መልክዑ ክኸውን እምበር ኣንፃር መሰል ዓርሰ-ውሳነ ኣይኮናን” ክብል ጠቒሱ።

ቃልሲ ሃገርነት ትግራይ “ሃገርነት ብዘይጠልብ ስርዓታዊ ኣካይዳን ካብ ኢትዮጵያ ተፈሊና እንታይ ክንከውን ኢና ብዝብል ለዋህ መረዳእታ ካብ ምስኣን ዝብገስ ስግኣትን ሓደጋ” ከምዝገጠሞ ተዛሪቡ።

ኣባል ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ ኣይተ ሃፍታይ ኣሰፋ ብወገኑ “ጉዳይ ሃገርነት ትግራይ ሐዚ ምልዓል ጉድኣት ኣለዎ ዝብል ሓቲት ሃገርነት ከምንደሊ ንመን ሓቲትና መን ከልኪሉና? ብዙሓት ሕቶታት ዓርሰ-ውሳነ ዘተኣናገደት ዓለም ኣብ ተጋሩ በፂሓ ዕንቅፋት ድያ” ዝብል ሕቶ ክምለስ ከምዝግባእ ጠቒሱ።

ኣባል ውድብ ናፅነት ትግራይ ዶ/ር ገብረመድህን ሮምሃ ፖለቲካዊ ባህሊ ትግራይ “ካብ መስፍናዊ ሃፀይነት ሐዚ ናብ ደሳዊ ሃፀይነት” ምምዕባሉ ብምጥቃስ “ክልቲኦም ብሄራውነት ዝቐትሉ ኢምፓየር ዝእምቱ” ከምዝኾኑ ሓቢሩ።

ካብዚ ብተወሳኺ “ኩርኳሕ ምሕደራ ትግራይ ተጋሩ ብሓባር ንብሄራዊ ረብሐኦም ኣብ ክንዲ ክሰርሑ እቲ ምሕደራ ኣብ ሞንጎ ተጋሩ ዝፈጠሮ ኣድልዎ ወዲ ገዛን ጓናን” ንባህጊ ሃገርነት ትግራይ ዝሃሲ ብምዃኑ ባህሊ ፖለቲካ ትግራይ ምምሕያሽ ቀዳምነት ክወሃቦ ከምዝግባእ ተዛሪቡ።

ናፅነት ብባዕላዊ ዓቕሚ ዝግበር ቃልሲ ሓራነት ከምዝኾነ ዝጠቐሰ ኣተሓባባሪ እቲ መድረኽ መምህር መልኣኩ ሃይሉ ምግሃድ ሃገርነት ትግራይ ዕቱብ ቃልሲ ሓሳባዊ ናፅነት ከምዘድሊ ኣዘኻኺሩ።

ኣመራርሓ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣይተ ኣሉላ ሃይሉ ብግዲኡ “ሓደ ኣካል ዝሓሰበልና ጥራሕ ምውሓጥ መበገሲኡ ድስክልና” ከምዝኾነ ብምጥቃስ “እቲ ሓዱሽ ወለዶ ኣብ ክትዕ ዝተደረኸ ስትራቴጂካዊ ኣጠማምታ ረብሓታት ትግራይ ንኸማዕብል” ምስራሕ ከምዝጠልብ ኣብሪሁ።

“ሃገር ፈለማ ብሓሳብ ኣብ ሕሊና” ከምዝምስረት ዝጠቐሰ መምህር ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኣለም ባራኺ “ፍርሕን ሽርሕን መሳርሒ ምሕደራ ፖለቲካን ሃይማኖትን ኮይኖም” እንተቐፂሎም ምግሃድ ሃገርነት ትግራይ ፈታኒ ከምዝገብሮ ተዛሪቡ።

“ብመስዋእትነት ተጋሩ ዝተመስረታ ትካላት ድሕንነትን ዲፕሎማሲን ተጠቒሞም” ትግራይ ከዕንው ዝወፈርሉ ምኽንያት “ውሽጣዊ ዓቕምታትና ኣዋዲድና ብሄራዊ ቃልሲታትና ብምግሃድ ሃገርነት ትግራይ ብዘይምኽንባትና እዩ” ክብል እቲ ውድቀት ንዘይምድጋም ሓሳብ ዘቐድም መስርሕ ፖለቲካ ክተኣታቶ ጠሊቡ።

ተሳተፍቲ መድረኽ ናፅነት ትግራይ ጎናጎኒ እቲ ቃልሲ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ብዘይገደብ ዘንፀባርቓ ትካላት ሚድያ ከምዘድልያ ብምግላፅ ትግራይ ክሳብ ዝገጠምዋ ኪሳራታት ንምእራም መስርሕ ፖለቲካ ትግራይ ኣብ ክትዕን ብሉፅነት ሓሳብን ክድረኽ ከምዝግባእ ሓቲቶም።