ገዛኢ ውድብ ብልጽግና ኲናት ብሰላም ክውድእ እየ ምባሉ ብኣወንታ ከምዝራኣይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ተዛሪቡ።

ኣባል ስራሕ ፈጻሚ ኮሚቴን ኣቀባሊ ቃል ውድብ ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ውድብ ብልጽግና እቲ ኲናት ብሰላማዊ መገዲ ንፍታሕ ምውሳኑ ብኣወንታ ከምዝረኣይ ገሊጹ።

መንግስቲ ትግራይ እቲ ኲናት ብሰላም መገዲ ክፍታሕ ካብ ፈለማ እውን ድልዊ እዩ ኔሩ ዝበለ ኣይተ ጌታቸው ረዳ እቲ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣፈላላያት ብኲናት ከምዘይዳእን ሰላማዊ ፍታሕ ክመጽእ ከምዝግብኦ ብተደጋጋሚ ክግልጽ ከምዝጸነሐ ተዛሪቡ።

ናብ ዘየድሊ ኲናት ተኣትዩ ብኣማኢት ኣሸሓት ሂወት ዝጠፈኣሉን ኢትዮጲያ ከም ሃገር ክትቅጽል ንከይትቅጽልን ኣብ ዓብይ ሕቶ ዝኣተየሉ ኩነታት ምፍጣር ዓብይ ኣስተዋጾኦ ዝገብረ ኲናት ኣሰቂርዎም ዝሃብዎ መብርሂ እንተኾይኑ ብኣወንታ ክውሰድ ከምዝክእል ተዛሪቡ።

እንተኾነ ስም ውድብ ህወሓትን መንግስቲ ትግራይ ብዝተረኸበ ኣጋጣሚ ናይ ምጥፋኣን ንዝተፈጠረ ፀገማት ኩሉ ተሓታቲ ናይ ምግባር ተርእዮ ከምዘሎ ዝሓበረ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብቲ ከይዲ ዘተ ሕብረት ኣፍሪካ ግደ ክህልዎ ከምዝክእል ዝገለጸ እንትኸውን እንትኾነ ንመንግስቲ ኢትዮጲያ ብግልጺ ዝውግኑ ኣመራርሓ እቲ ሕብረት ብውልቀ ሰብ ብርኪ ከምዘለው ሓቢሩ። መንግስቲ ትግራይ ነዞም ውልቀ ሰባት እዚኦም ከምዘይቅበልን ብክልቲኡ ወገን  ተቀባልነት ዘይብሉ ኣደራዳሪ ድማ ክህልው ከምዘይክእል ገሊጹ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ንዘተ ብተደጋጋሚ ቁርብ እየ እናበለ ዝርከብ እንትኸውን ብተግባር ግን ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጲያ ሐዚ እውን ገፊፉ እናዳጎነን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ተደጋጋሚ ዝኾነ ናይ ፅልኢት ፕሮፖጋንዳ እናሰረሐ ይርከብ።