ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት ብርክት ዝበለ ህዝቢ ትግራይ ንስደትን መከራን ከምዝተሳጠሐ ሞዴል ሰለማዊት ተኽላይ ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ኣብ ከተማ መቐለ ተወለዳ ዝዓበየትን ኣብ ስራሕቲ ሞዴሊንግ ቅዲ ክዳውንቲ ሓበሻን ተዋፊራ እትሰርሕ ዝነበረት ሞዴል ሰለማዊት ተኽላይ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣጀ ኲናት ህዝቢ ትግራይ ንስደትን መከራን ከምዝተሳጠሐ ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ሰለማዊት ተኽላይ ብውድድር ጽባቐ ኣብ ዝተፈላለዩ ውድድራት ተሳቲፋ ዝተፈላለዩ ሽልማታት ዝረኸበት ትግራወይቲ እንትኸውን ኣብዚ ሐዚ እዋን ግን ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት ብዙሕ ሓሳረ መከራ ረኪባ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዕቑባ ከምዝሓተት ንቢቢሲ ገሊጻ።

ካብ ትግራይ ተበጊሳ ክሳብ ዓዲ እንግሊዝ ትበጽሕ ዝነበረ ጉዕዞ ኣዝዩ ፈታኒ ከምዝነበረ ትገልጽ ሰለማዊት ተኽላይ ካብ ትግራይ ወጺኣ ናብ ፈረሳይ ድሕሪኡ ድማ ናብ እንግሊዝ ከምዝሰገረት ተዛሪባ።

ብፍላይ ካብ ፈረሳይ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝነበረ ጉዕዞ ኣዝዩ መፀጋማይ ከምዝነበረ እትዝክር ሰላም ተኽላይ እቲ ዘደንግጽ ግን ብዙሓት ኣብ ዝተፈላለየ ሞያን ስራሕን ተሳቲፎን ዝሰርሑ ዝነበሩ ተጋሩ ኣብቲ ኣጸጋሚ ጉዕዞ ከምዝረኸበት ተዛሪባ።

ኣብቲ ካብ ፈረንሳይ ናብ ኢንግሊዝ ዝነበረ ባሕሪ ኣቃሪጽካ ዝግበር ጉዕዞ ኣዝዮም መስካሕካሕቲ ፍጻመታት ከምዝረኣየትን ሰብ እናጣሓለን እናሞተን ብዓይና ከምዝረኣየት ንቢቢሲ ተዛሪባ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝኣወጆ ኲናት ስዒቡ ብዓሰርተታ ኣሸሓት ዝቑጸር ህዝቢ ትግራይ ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ ናብ ስደት ዝተቃለዐ እንትኸውን ንዘይሕጋዊ ስደትን መከራን ተሳጢሑ እዩ።