ኣባላት ባይቶ ኢንግሊዝ ፈፀምቲ ገበናት ኲናት ትግራይ ብሕጊ ተሓተቲ ክኾኑ ፀዊዖም።

ኣባላት ባይቶ ዓዲ ኢንግሊዝ ብሓደ ማዕኸን ዜና ፈረንሳይ “ትግራይ ምድሪ ዓፀቦ” ብዝብል ዝተመሓላለፈ ዶክመንተሪ ፊልሚ ኣዚዩ ዘሕዝን ከምዝኾነን ኣብዚ ኢድ ዘለዎም ኣካላት ናብ ቅድሚ ሕጊ ክቐርቡን ሓቲቶም።

ኣብ ትግራይ ኮነ ተባሂሉ ህዝቢ ክጠሚ ምግባር ገበን ኲናት ከምዝኾነ ኣባል ባይቶ ዓዲ ኢንግሊዝ ዴቪድ አልቶን ገሊፁ።

ዴቪድ አልቶን ኣብቲ ባይቶ ከምዝበሎ እቲ ብቋንቋ ፈረንሳይ ንጥምየት 6 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ኣመልኪቱ ዝቐረበ ዶክመንተሪ ፊልሚ ኣብ ትግራይ ዝለዓለ ጥምየት ከምዘሎን እዚ እኹል መረዳእታ ገበን ኲናት ከምዝኾነን ቀፃሊ ካብ ተሓታትነት ከምዘየምልጡ ሓቢሩ።

ካሊእ ኣባል እቲ ባይቶ ሳሊ ኪብል ብወገና፡ ኣብ ኲናት ትግራይ ተሳተፍቲ ንዝኾኑ ሓይልታት ማለት እውን ንኤርትራ ሓዊሱ መሳርሒ ኲናት ዝሸጣ ሃገራት ኣደብ ክሕዛ ሓቲታ።

ሰራዊት ኤርትራ ናብ ትግራይ ብምእታው ሰፋሕቲ ገበናት ኲናት ከምዝፈፀመትን ከቢድ ጉድኣት ከምዘስዓበትን እታ ሃገር ሓገዝ መሳርሒ ኲናት ከይትረክብ ዝኽልክል ውሳነ ክሓልፍ ፀዊዓ።

ብተመሳሳሊ እታ ኣባል ባይቶ፡ ኣብ ትግራይ ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዝተመዛበሉ ሰባት ህይወቶም ንምድሓን ዝተፈላለዩ ቆፅላመፅሊ እንትበልዑ ዘርኢ ዶክመንተሪ ምዝርግሑ ኣዚዩ ከምዘሕዘናን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተነበረ ዕፅዋን ክባን ክለዓል ሓቲታ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሓደ ፈረንሳያዊ ዜጋ ብቋንቋ ፈረንሳይ “ትግራይ ምድሪ ዓፀቦ” ብዝብል ዶክመንተሪ ብምስራሕ ኣብ ትግራይ መዓልታዊ ሰባት ሰኣን መድሓኒትን ምግብን ይረግፉ ምህላዎም ዘርሒ ምስሊ ምዝርግሑ ይፍለጥ።