ኣብ ትግራይ መሰረታዊ ኣገልግሎት ክጅመር ፕረዚዳንት ሕብረት ኣውሮፓ ቻርለስ ሚሼል ፀዊዑ።

ኣብ መንጎ ፕረዚዳንት ሕብረት ኣውሮፓ ቻርለስ ሚሼልን ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣቢ ኣሕመድን ዘተ ስልኪ ከምዝተኻየደን መሰረታዊ ኣገልግሎት ትግራይ ከምዝሓተተን ሕብረት ኣውሮፖ ኣብዘውፀኦ መግለፂ ኣቃሊሑ።

ፕረዚዳንት እቲ ሕብረት ነዚ መግለፂ ዝሃበ፡ ድሕሪ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ዋዕላ ኣባል ሃገራት መራሕቲ ሕብረት ኣውሮፖ ከምኡ እውን ኣብ ዝሓለፈ ኮሚሽነር ሕብረት ኣውሮፓ ሌናርሲክ ኣብ ትግራይ ዘካየድዎ ዑደትን እዩ።

ኣብ መንጎ ትግራይን ኢትዮጵያን ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ምክያዱ ሰብኣዊ ረዲኤት ንምእታው ምምሕያሽ ከምዘሎን እዚ ዝያዳ ምምሕያሽ ከርኢ ከምዘለዎ ፕረዚዳንት ሚሼል ኣተሓሳሲቡ።

ከምኡ እውን ሰብኣዊ ረዲኤት ንምእታው ካልኦት ኣማራፂ መንገድታት ምጥቃም፣ መሰረታዊ ኣገልግሎት ከም ባንኪ፣ ስልክን መብራህትን ብህፁፅ ክጁምር ፀዊዑ።

ብተወሳኺ ኣብ ትግራይ መሰረታዊ ፀገም ሕፅረት ነዳድን ዘመናዊ ድኹዕን ከምዘሎን ብህፁፅ ክኣቱን ሓቲቱ ኣሎ።

ከምኡ እውን ምስ ትግራይ ዝተጀመረ ዘተ ሰላም ሰብኣውን ፖሎቲካውን ፍታሕ ክረክብ ዝግበር ፃዕሪ ከምዘሎ ኮይኑ ኩሉ ዘካተተ ዘተ ክካየድ ምስ ኣቢ ኣሕመድ ከምዝተዘራረበ ኣብሪሁ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብኮምሽን ሕብረት ኣውሮፖ ዝተመርሐ ጉጅለ ኣብ ትግራይ ንዓይደር ሪፌራል ሆስፒታል ሓዊሱ ዑደት ድሕሪ ምግባር ምስ መራሕቲ መንግስቲ ትግራይ ከምዝተዛተዩን ንመፍትሕታቶም ከምዝሰርሑን ምግላፆም ይዝርከር።