ኲናት ትግራይን ፣ ሃለዋቶም ዘከራኽር ዘሎ ወተሃደራት ሶማልን!

እቲ 4 ጥቅምቲ 2020 ጀሚሩ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቐፀለ ኣዕናዊ ኩናት ትግራይ ኣብ ብርኪ ምቁራፅ ተፃብኦታት ንምትእትታው ሰብኣዊ ሓገዛት ብዝብሃል ዛጊድ ኣዋርሕ ኣቑፂሩ እኳ እንተሃለወ፣ እቲ ዝተብሃለ ሓገዝ ግን ካብ ኣብ ሩሱን መቕሎ ጠብታ ማይ ከም ስዳድ እዩ። በዚ ድማ ሓያሎ ኣብ ዓፆቦ ወዲቖም ይርከቡ።

ኩናት ትግራይ ዋላ ኣብቲ ፈለማታት ኣብ መንጎ ኣብይ ኣሕመድ ዝመርሖ መንግስቲ ፌደራልን መንግስቲ ትግራይን ዝተገበረ እኳ እንተመሰለ፣ ድሓር ብዝወፅኡ መረዳታእታት ግን፣ ሓይልታት ኣምሓራ፣ ወተሃደራት ኤርትራ ብዕሊ ዝተሳተፍሉን ምፅናት ዘርኢ ዝተፈፀመሉ የዕናዊ ኹናት ምዃኑ ማሕበረሰብ ዓለም ተረዲእዎ እዩ።

ጎድና ጎድኒ ምስተን ድሮንን ካልእ ወተሃደራዊ ሓገዝን ብድሕሪት ኮይነን ንኣብይ ኣሕመድ ሓገዝ ክህባ ዝፀንሓ ሃገራት፣ ሃገረ ሶማሊያ እውን ወተሃደራታ ኣብ ኩናት ትግራይ ከምዝተሳተፉ ይግለፅ።

ነበር ፕሬዝደንት ሃገረ ሶማልያ ዝኾነ ፈርማጆ፣ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ናብ ኤርትራ 5 ሽሕ መናእሰይ ሶማልያ ሊኢኹ ወታደራዊ ስልጠና የሰልጥን ከም ዝነበረ ዘይሽፈን ሓቂ ካብ ዝኸውን ውዒሉ ሓዲሩ እዩ።

ይኹን እምበር ብዛዕባ ሃለዋት እዞም ንኤርትራ ዝተልኣኹ መናእሰይ ንፁር ዝኾነ ወግዓዊ ሓበሬታ እኳ እንተዘይሃበ፣ ኣፈኛ ቤት ፅሕፈት ሓድሽ ፕሬዝደንት ሃገረ ሶማሊያ ኣብ ዝሃቦ መደረ መሰረት ገይሩ ጋረወ ኦንላይን ከምዝሓበሮ ቅድሚ 3 ዓመት ኣቢሉ ብምሽጥር ንስልጠና ናብ ኤርትራ ዝተልኣኹ 5 ሽሕ መናእሰይ ሃለዋቶም ከምዝተሰወረ ይገልፅ።

ዋላ እኳ ሃለዋቶም ኣይንፈልጥን ዝብል መደረ እቲ ኣፈኛ እንተሃበ፣ ገላ ካብኣቶም ብሕማም፣ ገለ ድማ ኣብ እዋን ስልጠና ሂወቶም ከምዝሓለፈን፣ ስድራቤት እቶም ሙውታት ድማ ከምዝፈልጡን ገሊፁ እዩ።

ይኹን እምበር ክንደይ ሞይቶም ክንደይ ከ ኣለው ንዝብል ብቑፅሪ ዝተደገፈ ሓበሬታ ኣይሃበን። ኣብዚ ጉዳይ ኣፍልጦ ኣለና ዝብሉ ወገናትን ፍሉይ ፀብፃብ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ግን፣ እቶም መናእሰይ ኣብ ኩናት ትግራይ ከም ዝተሳተፍ፣ ዋላ ሓደ ከይተመለሰ ከምዝተደምሰሱን ይገልፁ።

ወተሃደራት ሶማሊያ ብዋናንት ኣብቲ ልዕሊ 750 ካህናት ህፃናትን ኣረጋውያንን ዝርከብዎ ጨፍጫፍ ኣኽሱም ሩኡይ ተሳትፎ ከምዝነበሮም እውን የቃልዑ።

ነበር ምክትል ሓላፊ ድሕንነት ሶማልያ ኣብዲሰላም ጉድሌ፣ ካብ ክሊ ዕድመ 20 ክሳብ 30 ዝርከቡ ቁፅሮም ዘይንዓቕ ወተሃደራት ሶማሊያ ኣብ ጎድኒ ኣብይ ኣሕመድ ተሰሊፎም ከምዝተዋግኡን ከምዝሞቱን ገሊፆም ነይሮም።

ኣብ መንጎ ኢሳያስ አፈወርቂ፣ ኣብይ ኣሕመድ፣ ከምኡውን ፈርማጆ ዋላ እኳ ዝተፈረመን ወግዓዊ ዝኾነ ርክብ እንተዘይነበረ፣ ኣብ መንጎ እቶም ሰበሰልጣናት ጽቡቕ ርክብ ነይሩ እዩ።

ነቲ ዝነበረ ምሕዝነቶም ኣብ ግምት ብምእታው፣ ወተሃደራት ሶማልያ ኣይተሳተፍን ዝብል መደምደምታ ንምውሳድ ከቢድ ይገብሮ።

ነበር ምኒስትር ወፃኢ ጉዳይ ሶማልያ መሓመድ ኣዋድ ነቲ ኢትዮጵያ ዝኣተወቶ ዓዘቕቲ ኩናት ብሰላማዊ መንገዲ ክትፈትሖ መደረ ድሕሪ ምሃቡ ኣብ ውሽጢ ሕዲት መዓልትታት ካብ ስልጣን ተኣልዮ እዩ።

ኣብቲ እዋን በሽር ሓሸር ዝተብሃለ ጋዜጠኛ፣ ስድራ እቶም ወተሃደራት “ደቅና ኣበይ ኣለው፣ ደቅና ኣምፅኡልና” ዝብል ዓመፅ ኣብ ገልከያ ዝተብሃለት ከተማ ተወሊዑ ከምዝነበረ ገሊፁ ነይሩ።

ብኻልእ ወገን እቶም ኣብ ኤርትራ ክስልጥኑ ብፎርማጆ ተላኢኾም ዝነበሩ መናእሰይ ኣብ ኩናት ትግራይ ከምዝተሳተፍን ከምዝተቐተሉን ሓደ ኣባል ቤትምኽሪ ሃገረ ሶማልያ ኣብ ቤትምኽሪ እታ ሃገር ምዝራቦም ዝዝከር እዩ።

ኣብ ዘመነ ፈርማጆ ብዙሕ ኣቓልቦ ከይተውሃቦ ዝፀንሐ ጉዳይ እዞም ወተሃደራት ድሕሪ መረፃ ሓድሽ ፕሬዝደንት ፍሉይ ጠመተ ተዋሂብዎ ኣሎ።

ነዚ ሲዒቡ እውን እቲ ነበር ፕሬዝደንት ፎርማጆ መብራህርሂ ክህብ ዝተሓተተ እንትኸውን፣ ሓድሽ ተመራፂ ፕሬዝደንት እታ ሃገር ሓሰን መሓመድ ሸኽ ፋይል እቶም ወተሃደራት ከምዝተረኸበን የፃሪ ከምዘሎን ሓበሬታታት ኣለው።

ብወገን ትግራይ ስዕረት ፈርማጆ ከምፅቡቕ ኣጋጣሚ ዝውሰድ እንትኸውን፣ ምናልባት ብዛዕባ ተሳትፎ ወተሃደራት ሶማልን ተሓታትነትን ክመፅእ ይኸውን ዝብል ተስፋ ዘለዎም ወገናት ኣለው።