ቅልጡፍ ምውሓስ ግዝኣት ትግራይ ግዴታ ዝገብሩ 10 ምኽንያታት!

ብሙሉ በየነ

ህዝቢ ትግራይ እንተንኣሰ ኣብ ሰለስተ ቀንዲ ዕላማታት ክጥመር ዝኽእል ቃልሲ ኣብ ምክያድ ይርከብ።ንሳቶም እውን ምምካት ህልዊ ሓደጋ ፅንተት፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሐ ግፍዒ ብፍትሒ ምድባስን፣ ህዝበ ውሳነ (ሪፈረንደም) ዝሓውስ ምርግጋፅ ቀፃሊ ውሕስንኡን እዮም። 

ብፀላእቲ ተጎቢጡ ዝርከብ ግዝኣት መሬት ትግራይ ምምላስ ድማ ኣብ ምስኻዕ እዞም ዕላማታት ዓብዪ ግደ ኣለዎ፡፡ እዚ ርድኢት ኣብ መንግስቲ ትግራይን ኣብ ብዙሓት ተጋሩን ብግልፂ ዝንፀባረቕ እዩ። ብተደጋጋሚ “ናብ ልዝብ ዘይኣትዉ . . .” ተባሂሎም ካብ ዝፅርሑ ውሑዳት ጉዳያት ሓደ ምዃኑ እውን ናይዚ መግለፂ ተገይሩ ክውሰድ ዝኽእል እዩ፡፡ 

እዚ ግን ክንዲ ዝተኻእለ ብቕልጡፍ ክፍፀም ዝግባእ ዕዮ እዩ። ዋላ’ኳ ኣድላይነት ምውሓስ ግዝአታዊ ሓድነት ትግራይ ኣመልኪቱ ዝረአ ምርድዳእ እንተሃለወ ፣ ጉዳይ ግዜ ግን ብዙሕ ክዝረበሉ ኣይረኣይን፡፡

ዕላማ እዚ ሓፂር ፅሑፍ እውን ብሓይሊ ዝተተሓዘ መሬት ትግራይ ንምንታይ፣ ኩነታት ክንዲ ዝፈቐደ ብቕልጡፍ ክምለስ ከም ዘለዎን፣ ብግልባጡ ድማ ኣብዚ ዝህሉ ምድንጓይ ከስዕቦም ዝኽእሉ ፀገማትን ኣመልኪቱ ውሱን ሓሳብ ንምሃብ እዩ፡፡

ከም መተሓሳሰቢ፣ ወራሪ ሓይሊ ኤርትራ ሰፊሕ መሬት ትግራይ ጎቢጡ፣ ህዝብና የሳቒ ከም ዘሎ ግልፂ እዩ፡፡እንተኾነ ግን ናይ እዚ ፅሑፍ ቀንዲ ጠመተ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ብምኳኑ፣ ገሊኦም ነጥብታት ንኹነታት ኣብ ትሕቲ ወራር ኤርትራ ዘሎ ህዝብናን ዓድናን ብኣግባቡ ዘይክገልፁ ከም ዝኽእሉ ኣቐዲመ ክሕብር እፈቱ፣ ኣንበብቲ እውን በዚ ልኽዕ ክትርድኡለይ የገንዝብ፡፡

ቅልጡፍ ምውሓስ ግዝኣት ትግራይ ወሳኒ ዝኾነሎም ምኽንያታት

1. ዘይዛሪ ፅንተት ደው ንምባል 

ብወራር ተታሒዙ ኣብ ትሕቲ ዝርከብ ሰፊሕ ኸባቢ ትግራይ ዘሎ ካብ ሞት ዝተረፈ ህዝብና፣ ካብ ዓይኒ ርሒቑ፣ ግቡእ ቆላሕታ ሓሪምዎ ኣብ ዝኸፍአ ኹነታታ ይርከብ። እዚ ህዝቢ ይቕተል፣ ይእሰር፣ ይስወርን ንብረቱ ይውረስን አሎ። ካብዚ ሓሊፉ እውን መንነቱ ብሓይልን ብስልትን ንኽቕይር ብዙሕ ሽርሒ ይግበር ከም ዘሎ ዘርእዩ እኹል ሓበሬታታት ኣለዉ። 

ተፈጥሮኣዊ ሃፍትን ብዝሃ ህይወትን እቲ ኸባቢ እውን ይበርስን ይስረቕን ኣሎ። ካብዚ ሓሊፉ፣ ከባቢ ይባድም ኣሎ፣ እቶም ኣብቲ ከባቢ ጥራሕ ዝርከቡ ኣካል ቱሪዝም ትግራይ ዝኾኑ እንስሳ ዘገዳም እውን ይስረቑን ይጠፍኡን ከም ዘለው ሓበሬታ ኣሎ።

ኣብዚ ብፍሉይ ክረአ ዘለዎ፣ ንኡስ ቁፅሪ ዘለዎምን፣ ዝነብርሉ ቦታ ናብ ወረርቲ ኣዝዩ ዝተፀገዐ ምስ ምዃኑን ተወሲኹ፣ ኣብዚ ዝቕፅል ዘሎ ኲናት ልዑል ማህሰይቲ ዝበፅሖም ዘሎ ህዝብታት ኩናማን ኢሮብን ኣብ ዝኸፍአ ሓደጋ ምብትታንን ምጥፋእን ተሳጢሖም ከም ዝርከቡ እዩ፡፡

ስለዚ ነዚ ኸባብን ህዝብን ሓራ ምውፃእን ካብ ዘይዛሪ ፅንተት ምድሓንን ግዜ ዘይህብ ዕዮ እዩ፡፡ 

2. ካብ ሓደጋ ህዝባዊ ብተና ንምድሓን

ብሰንኪ ጎበጣ ካብ ቦትኡ ተሰዲዱ ኣብ ጎረባብቲ ዓድታት ሱዳን፣ ኢትዮጵያ፣ ካልኦት ሃገራትን፣ ከምኡ እውን ኣብ መላእ ትግራይ ተበቲኑ ዝርከብ ህዝብና ብዝሓፀረ እዋን ናብ መረበቱ ምምላስ ነቲ ዝምለስ ህዝቢ ጥራሕ እንተይኮነስ፣ ኣብ ቀፃልነት ትግራይ እውን ዓብዪ ግደ ኣለዎ፡፡ ዝተሰደደ ህዝቢ ካብ መረበቱ ተፈልዩ ብዝፀንሐ ቁፅሪ ናይ ምምላስ ዕድሉን ተኽእልኡን እናመንመነ ከም ዝመፅእ ፅንዓታት የርእዩ፡፡ ካብ ናይ ባዕልና ታሪኽ እኳ ኣብ ዝሓለፈ ብረታዊ ቃልሲ 17 ዓመትን ዝነበረ ድርቂ ተታሒዙ ካብ ዓዱ ወፅዩ ብዝለዎ ዝቐረየ ህዝቢ ብዙሕ ምዃኑ ንፈልጥ። ስለ ዝኾነ እውን ህዝብና ክንዲ ዝተኻእለ ኣብ ቀረባ ናብ መረበቱ ዝምለሰሉ ዕድል ምፍጣር ከም ኣካል ምርግጋፅ ቀፃሊ ውሕስና ትግራይ ተገይሩ ክውሰድ ይግባእ። 

3. ተወሳኺ ምድልዳል ወረርቲ ንምዕጋት   

ብወራር ዝተጎብጠ ሉኣላዊ መሬት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ብዝፀንሐ ቁፅሪ፣ ብፍላይ ቀታሊ ሓይሊ ኣምሓራ ወሲኹ ክደላደልን፣ ንዝገብሮ ዘሎ መሰረት ዘይብሉ ሕቶ ይግበኣኒ፣ ብኸይዲ መልክዕ ክሕዝን ተቐባልነት ኽህልዎን ክሕግዝ ይኽእል እዩ። እዚ ብቡዙሕ መንገድታት ክግለፅ ይኽእል፣ ካብዚኦም፣ 

3.1. ንነዊሕ ግዜ አብ መሬት ጭቡጥ ምሕደራ ብምምስራትን ብምጥንኻርን ንዘልዕልዎ ሕቶ ይግበአና ከራጉድ ይኽእል።

3.2. እቲ ኸባቢ ወረርቲ ካብ ካሊእ ቦታ ኣምፂኦም ብዘስፍርዎ ዘለዉ ሰብ ይትካእ ስለ ዘሎ፣ እዚ ሰፋሪ ህዝቢ እናበዝሐን አብቲ ቦታ ገንዘቡ እናውፈረን እንትመፅእ፣ ናይቲ ጎባጢ ሓይሊ እሙን ሓጋዚ ናይ ምኳን ዕድል ይፈጥር።

3.3. ካብዚ ሓሊፉ እውን ምስ ግዜ እንተስ ብመንገዲ ምወላ፣ ንግዳዊ ምትእስሳራት፣ ወይ እውን ብኻልኦት መዳያት ወረርቲ ናብዚ ኸባቢ ኢኮኖምያዊ ጥቕሚ ካልኦት ዓድታት ክተኣታቶ ብምግባር፣ ተወሳኺ ሓይልን ድጋፍን ንኽረክቡ ዕድል የስፍሓሎም።

3.4. በዞም ልዕል ኢሎም ዝተገለፁ ተዓጅቡ እቲ ዛዕባ ናብ አሸማገልቲ እንተኣምሪሑ ወይ ድማ ኣብ ግዜ ዘተ፣ እቲ ቦታ ቅድሚ ኲናት ናብ ዝነበሮ ይመለስ ዝብል ሚዛን ዝደፍእ ሓሳብ ንምትግባሩ ብግብሪ ክኸብድ ይገብሮ።  በዚ ኣቢሉ እውን ‘ዘይክዉን [impractical]’ መማረፂ ተገይሩ ንኽውሰድ ክሕግዞም ይኽእል እዩ። ናይዚ ኣፋፍኖት መርኣዪ ዝኸውን ወረርቲ ኣብ ልዕሊ ምዕራብ ትግራይ ኣለና ዝብልዎ ጥርዓን ኣብ ገለ ትካላትን ፅዕንቶ ከዕርፉ ዝኽእሉ ገለ ኣካላትን ባይታ ይረክብ ከም ዘሎ ምዕዛብ ይከኣል፡፡ ኣብ ጎንፅታት ኣተዂሩ ዝሰርሕ Crisis Group International ዝተባህለ ዓብዪ  ትካል ኣብ ቀረባ ኣብዚ ጉዳይ ዘውፀኦ ሰነድ ነዚ ከም ሓደ መርኣዪ ተገይሩ ክቐርብ ይኽእል፡፡  

4. ሙከራታት ምልባስ ሕጊ ፀላእቲ ንምኹላፍ

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ብፍላይ ሓይልታት ኣምሓራ ኣበርቲዖም ይሰርሕሎም ካብ ዘለዉ ስራሕቲ ሓደ ብወራር ዝሓዝዎ መሬትን ካልእን ሕጋዊ ልባስ ብምሃብ ሽቶ ወራሮም ብኹሉ መዳይ ምክያድ ዝብል እዩ፡፡ ነዚ መስርሕ ንምትግባር ዘኽእል ጥጡሕ ባይታ እውን ኣለዎም፣ ኣብዚ ኸይዲ ዝሳተፋ ትካላት ኣብ ትሕቲ ብመንግስትነት ዝቆፃፀርዎም ስርዓት ስለ ዝርከቡ፡፡ እዚ ኸይዲ ዝበለፀ ተኣማኒ ንኽመስል ዝሕግዝዎም ካልኦት ስራሕቲ ድማ ብቐንዱ ኣብ መሬት ዝስርሑ፣ ከም ሰፋሪ ምብዛሕን ምሕደራ ምጥንኻርን ይሓውሱ፡፡ ህልው ኩነታት ግዜ ብዝወሰደ መጠን ድማ እዚ ብዘሐሸ መንገዲ ናይ ምፍፃም ዕድል እናዛየደ ይኸይድ፡፡ እማን እዩ  በዚ ዝመፅእ ብዝኾነ መልክዑ ቅቡል ኣይኮነን፡፡ እንተኾነ ግን እቲ ቃልሲ ክተሓላለኽ ናይ ምግባር ዕድል ይህልዎ፡፡

5. ፅንተት ትግራይ ናብ ሕቶ ግዝኣት ንኸይወርድ

ምስዚ ተተሓሒዙ ምስ ንውሓት ግዜ እቲ ቀንዲ ጉዳይ ፅንተት፣ ሕቶ ፍትሕን ምርግጋፅ ቀፃሊ ድሕንነትን ትግራይ ‘እዚ ኸባቢ ናብ መን ይከለል’ ናብ ዝብል ሕቶ ከውርዶ፣ ወይ ድማ አብ ከይዲ ልዝብ ብቀንዱ ነዚ ተሓሳቢ ዝገብር ዕልባት ንኽግበር ድፍኢት ንኽብርትዕ ክሕግዝ ይኽእል እዩ፡፡ ዛጊድ እኳ ምዕራብ ትግራይ ከም ቀንዲ መልዐሊ እዚ ናይ ፅንተት ኲናት ተገይሩ ብገለ ወገናት ምቕራብ ጀሚሩ ኣሎ፡፡ ንኣብነት እቲ ልዕል ክብል ዝተጠቕሰ ትካል ኣብ ምያዝያ ኣብ ዝዘርገሖ ፅሑፍ እቲ ዂናት ጠጠው ንምባል እንትሕሰብ ኩነታት ምዕራብ ትግራይ እቲ ዝኸበደ ዛዕባ ከም ዝኸውን ይትንቢ፡፡ ብተወሳኺ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት ተነባቢ ጋዜጣ ፈረንሳይ ላ ሞንድ ካብ ዲፕሎማት ረኺበዮ ብምባል ኣብ ዝዘርግሖ ፅሑፍ ሰበ ስልጠን ትግራይ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝነበሮም ሕቶ ይገድፍዎ ኣለዉ ዝብል ፅሑፍ ሒዙ ብምውፃእ ዓብዪ መዘራረቢ ዛዕባ ኾይኑ ምቕንዩ  ንዝክር፡፡

6. መዘዝ ተኽእሎ ምእታው ዓቃቢ ሰላም ንምንካይ

 ግዜ ብዝነውሐ ቑፅሪ ፀላእቲ ዘይናቶም ቦታ ሒዞምን ምምሕዳር ዘርጊሖምን ኣብ ዘለውሉ እዋን፣ “ዓቃቢ ሰላም ይእቶ’’ ናብ ዝብል ሓሳብ ክምራሕ ዝኽእለሉ ዕድል ክፍጠር ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ብኸይዲ ትግራይ ትሕቲ ፍርቂ ዕድል ሒዛ ናብ ዝተናወሐን ዳርጋ መዋፅኦ ዘይብሉን ዕንክሊል ክትኣቱ ይገብር። ብኸይዲ እውን መሰረታዊ ረብሓ ትግራይ ክህገረሉ ዝገብር ሓደጋ ከስዕብ ይኽእል፡፡ 

7. ዝሐሸ መረዳእታ ንምእካብ

ፍትሒ ምርካብ ካብ ዓበይትን መሰረታውን ሕቶታት ትግራይ ሓደ ምዃኑ ግልፂ እዩ፡፡ ብወረርቲ ኣብ ዝተተሓዙ ቦታታት ዝፍፀም ዘሎ መጠን ግፍዒ ብግልፂ እኳ ዝፍለጥ እንተዘይኾነ፣ ካብ ዘሎ ውሑድ መረዳእታ ብምብጋስ ግን አብ ካልኦት ከባብታት ትግራይ ካብ ዝተፈፀሙ ገበናት ዝኸፍኣ ምዃኑ ርድኢት ኣሎ፡፡

እዚ ግፍዒ ብፍትሒ ክድበስ ድማ መሰል ተበደልትን ሕቶ መላእ ትግራዋይን እዩ። እቲ ብሕጊ ክርከብ ዝኽእል ሕቶ ፍትሒ ድማ ብቐንዱ ቅቡልነት ዘለዎ መረዳእታ ኣብ ምቕራብ ይድረኽ፡፡ ቅቡልነት ዘለዎ መረዳእታ ንምእካብ ጊዜ ወሳኒ እዩ። መረዳእታ ድማ ዝኽሪ መሰኻኽር ከይሃሰሰን፣ ኣብ መሬት ክርከብ ዝኽእል ካልእ መረዳእታ ከይጠፍአን ክስነድን ክዕቀብን ኣለዎ። ኣካል ታሪኽ እውን እዩ፡፡ እዚ ብእዋኑ ምኽዋን ጥራሕ እንተይኮነስ ኣብቲ ግፍዒ ዝተፈፀመሉ ቦታ ብኣካል ተረኺብካ ምእካብ እውን ይጠልብ፡፡ ዛጊድ እኳ ፀላእቲ ገበናቶም ንምሽፋንን፣ ገልቢጦም ንትግራይ መውቅዒ ንምግባርን ኣብዚ ዓውዲ ብዙሕ ርሕቐት ከይዶም አለዉ። ስለ ዝኾነ እውን ነዙይ ክብሃል ቅልጣፈ ይድለ። 

8. ተኽእሎ ምዝሓል ቃልስና ንምንካይ  

ግዜ ብዝተደፍአ መጠን፣ ትግራይ ደንጉያ ክትፍፅሞ እትኽእል ዝተወሰደ መሬት ብሓይሊ ናይ ምምላስ ዕድል እውን ይንኪ። እዚ ንምርኣይ ብንኡሱ እዞም ዝዕስቡ ተኽእሎታት/ምኽንያታት ምቕማጥ ይከአል።

8.1. መዋፅእ በሪ ከይተታሕዘን ደጋፊ ቁጠባ አብ ዘይብሉን ኩነታት ዓብዪ ሰራዊት ዓቂብካ ምፅናሕ ስለ ዝኸብድን፣ ንውሓት ግዜ ኣብቲ ሰራዊት ሓዊሱ ናይ ምድኻም ዕድል ከይፈጥር ስለዘስግእን፣

8.2. ምስ ንውሓት ግዜን ዝቕፅል ዘሎ ልዑል ማሕበረ ኢኮኖምያዊ ፀገምን ኣብ ትግራይ ውሽጣዊ ምምቕቓል፣ ትኹረት ምብታንን ምቑራፅ ተስፋን ዕድል እናሰፍሐ፣ ካልኦት ሓደሽቲ ዛዕባታት ቀንዲ ውራይ እናኾኑ ናይ ምምፃእ ዕድል ስለ ዘሎ፣ ሓደ ሓደ ኣብነታት እውን ንዕዘብ ኣለና። ናይዚ ሓደ ኣብነት መንግስቲ ትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ውድብ ህወሓት አብ ኣድላይነትን ተኽእሎን ምስረታ ሃገረ ትግራይ አመልኪቱ ግልፂ ውሳነን ድሌትን አይብሉን ዝብል፣ ብብዙሓት ሰባትን ገለ ትካላትን ዝለዓል ጥርጣረን ስግአትን ከሕይሎ ናይ ምኽኣል ዕድል ኣሎ፡፡ ምኽንያቱ ድማ ምውሓስ ሉአላዊ ግዝአት ትግራይ ኣብ ተግባራውነት ዝህሉ ዓርሰ ውሳነ ወሳኒ አካል ስለ ዝኾነ። እዚ ‘ሰራዊትና እዚ ዝተነበረ ዕፅዋ ንምስባር ኣብ ዘኽእል ኩነታት ይርከብ’ ዝመልእኽቱ ብሰብ መዚ መንግስትን መራሕቲ ሰራዊትን ተደጋጊሙ ምስ ዝንገር ብሓደ እንትረኣ ድማ፣ እቲ ሕቶ፣ ሓቅነት ይሃልዎ ኣይሃልዎ እናበርተዐ፣ ዝቕበሎ ሰብ እናበዝሐ ክኸይድን ጥርጣረ ከጠናኽርን ከም ዝኽእል ኣብ ግምት ምእታው የድሊ፡፡

8.3. ብተወሳኺ፣ እቲ አብ ትሕቲ ፀላኢ ኾይኑ መዓልቲ ዝቖፅር ዘሎ ዝተረፈ ህዝቢ ምስ ንውሓት ግዜ ተስፋ ክቖርፅ፣ ገሊኡ ምስ ወረርቲ ክፀምድ ክግደድን በዚ እውን ድልውነት ቃልሱ ክዘሓሓልን ስለ ዝኽእል፡፡

9. ዓለም-ለኻዊ ፅዕንቶ ንምቕናስ

ዋላ’ውን ኣብ ዝተናወሐ ግዜ ፀላኢ ክወቅዕ ዝኽእል ሚዛን ሓይሊ ዓቂብካ ናይ ምዝላቕ ዕድል እንተ ዝህልወና፣ ምውሓስ ግዝአታትና ግዜ ብዝወሰደ ቁፅሪ አብ ቅድሚ ዓለም-ለኻዊ ሓይልታት ፖለቲካ ዘይቅቡል እናኾነ ናይ ምኻድ ዕድል አለዎ።

እንዕዘቦ ከም ዘለና ብዙሓት ፅዕንቶ ፈጠርቲ ሓይልታት ነገራት ብዘለውዎ ምቕፃል ከም ንቡርን ቅቡልን ምውሳድ፣ ካልኦት ተግባራት ድማ ከም ተንኳይነት፣ መግለፂ ‘ሰላም’ ናይ ዘይደሊ ዘራጊ ሓይሊ ጌርካ ናይ ምርኣይ ዘይፍትሓውን ሓደገኛን አካይዳ ይኽተሉ አለዉ።

ምስ’ዚ ተተሓሒዙ፣ ናይ ደገ ሓይልታት ዝፈፀመኦ ግፍዒ ብዘየግድስ ምቕፃል ሃገራት ከም መምርሒ ዝወስድ፣ ድኽም ንዝበለ ዓሚፅካ፣ ንጎንፅታት ቀሊልን ግዝያውን መፍትሒ ምሃብ ከም መስርሕ ይኽተሉ ከም ዘለዉ ብግልፂ እንዕዘቦ ዘለና ሓቂ እዩ፡፡

እዚ ማለት ትግራይ ተዓፅያ፣ ህዝባ እናፀነተ፣ ብሰናይ ድሌት ዓመፅቲ ትኳቦት እናተሰፈረላ ምቕፃል ከም ንቡር፣ ትግራይ ንመሰላታ ምቅላስ ድማ ብግልባጡ ከም ዘይቅቡል ኮይኑ ንኽቕፅል የኽእል። ካብዚ ብምብጋስ ግዜ ብዝወሰኸ መጠን እዚ ህልው ኣተሓሳስባ ዘጋደዱ ወይ እውን ሒዝዎም ክመፅእ ዝኽእል ሳዕቤናት ንምጥቃስ ዝኣክል፣

9.1. ጊዜ ብዝተወሃበ መጠን በዝሒ ሰፋሪ ክውስኽ እዩ።  ስለዚ ዝግበር ወተሃደራዊ ስርሒት ነቲ ሰፋሪ ህዝቢ ምፍንቓል ከስዕብ ግድን ይኸውን። እዚ ዋላ’ኳ ብሕግን ስነ ሞገት ቅቡል እንተኾነ፣ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ተወሳኺ ዲፕሎማስያዊ ፅዕንቶ ንኽግበር ግን ከሳልጥ ይኽእል እዩ። 

ኣብዚ ክነድህበሉ ዘለና ሓደ ዓብዪ ነጥቢ ድማ ዝፈናቐል ህዝቢ ብባዕሉ ይኹን ብሃንዳስነት ወረርቲ ሓይልታት ውዱብ ብዝኾነ መልክዑ ዓለም ለኻዊ ወሰን ሰጊሩ ናብ ሱዳን ከምርሕ ናይ ምኽአል ዕድል አለዎ።

እዚ ድማ ብፍላይ አውሮፓውያን ዘይደልይዎን ንኸይፍጠር እውን ብዙሕ ርሕቐት ክኸዱን ይኽእሉ እዮም። እዚ አብ ትግራይን ሰራዊታን ፅዕንቶን ማዕቐብን ክሳብ ምግባር ናይ ምኻድ ዕድል ኣለዎ። ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ከይዲ ምፍፃም ፅንተት ክንደየናይ ከም ዝተሓሓዝ ካብ ሕሉፍ ተሞክሮ ሩዋንዳ ጥራሕ ብዙሕ ምምሃር የድሊ፡፡

ነዚ ንምውዳድ ዘኽእል ግዜ ዘይምሃብ ሓደ ቁውም ነገር ኮይኑ፣ ኩነታት ክንዲ ዝፈቐደ ዝህልዉ ስርሒታት ኣድላይነት ምቕናስ ውዱብ ዝኾነ ፍልሰት ህዝቢ ኣብ ግምት ክኣቱ እውን ግቡእ ይኸውን።

9.2. እቲ ሕዚ ዘሎ ሕጋውነቱን አሳርነቱን ብዕሊ ዘይፍለጥ ‘ስምምዕ ምቁራፅ ተፃብኦ’ ከም ዘለዎ ንውሕ ንዝበለ ግዜ እንተ ቐፂሉ፣ ብተግባር ከም አሳሪ ተገይሩ ንኽረኣ ዕድል ስለ ዘስፍሕን ደንጒዃ ኲናት ምኽፋት ፀላእቲ ስምምዕ ‘ተጣሒሱ’ ኢሎም ህዝብን ካልእ ጎናዊ ደገፍትን ንምቕስቃስ ናይ ምውዓል ተኽእልኡ ልዑል ስለ ዝኾነ፣

9.3. ወረርቲ ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ይትግብርዎም ካብ ዘለዉ መይላታት ሓደ፣ ትግራይ እትገብሮ ናይ ህላወ ቃልሲ ኩሉ ‘ህወሓት ብዘይ ዂናት ኣይነብርን’ ናይ ዝብል መርዚ ተረኽ ብምውራድ፣ ህልዉ ኩነታት ትግራይ ከም ንቡር ተገይሩ ንኽውሰድ፣ ጉዳይ ትግራይ ክንደይ ሓገዝ ዝሓዛ መኪና አትየን ናብ ዝብል ወሪዱ ማዓልታዊ ናብራ ሸዋ ቀንዲ መዘራረቢ ዛዕባ ንክኸውን ምግባር እዩ፡፡ ህልዉ ኩነታት ከም ዘለዎ ብዝቐፀለ ፍቕዲ እዚ ኣተሓሳስባ ኣብ ብዙሓት ቅቡልነት ዘለዎ ገዛኢ ተረኽ ብምዃን ቀፃሊ ቃልሲ ከኽብድ ናይ ምግባር ተኽእሎ ዘለዎ እዩ፡፡   

10. ወሳኒ ረብሓ ምኽፋት ምዕራብ ትግራይ ኣብ ግምት ብምእታው  

 በቲ ካልእ ገፅ ድማ ብፍላይ ምዕራብ ትግራይ አብ ዝሓፀረ እዋን ምኽፋት ምኽኣል ማለት ዓለም ለኻዊ በሪ ምውሓስ ስለ ዝኾነ፣ ህልዊ ብድሆታት አብ ምፍታሕን መፃኢ ቃልሲ ክቐልል አብ ምግባርን ልዑል ግደ ይህልዎ። እዚ ማለት፣  

10.1. ብንኡሱ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ህዝቢ ንምብፃሕ፣ ዋላ ውሱን ንግዳዊ ምንቅስቓስ ንኽጅመርን፣ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ብዘይ ኢድ ኣእታውነት ወረርቲ ክኸፈቱ ኣብ ምኽኣልን ዓብዪ ግደ ስለ ዝህልዎ ናይ ፀላእቲ ዓብዪ ናይ ዂናት መሳርሒ ምምንጣል ይኸውን፣

10.2. ብፀላእቲ ካብ ዝተታሕዙ ቦታታት ሰፊሕ ግዝኣት ምዕራብ፣ ምብራቕን ሰሜን ምዕራብን ትግራይ ተገዲዱ ናብ መላእ ክፋላት ትግራይ ተበቲኑ፣ ሕሱም ናብራ ዝደፍእ ዘሎ ልዕሊ ምልዮን ህዝብና ናብ መረበቱ ስለ ዝምለስን እንተንኣሰ መሬቱ ሓሪሱ ባዕሉ ክምግብ ስለ ዘኽእልን ነቲ ዝምለስ ህዝቢ ዓብዪ ሓገዝ ይህብ፣ ነቲ ኽልእ ነባሪ እውን ፀገማቱ የቃልል፣

10.3. ካብዚ ሓሊፉ እውን ምውሓስ ግዝኣት ትግራይ መሰረታዊ ኣካል እቲ ብዙሕ ዝብህጎ መፃኢ ትግራይ ብሓቃዊ ህዝበ ውሳነ ዕልባት ናይ ምሃብ መስርሕ ስለ ዝኾነ ነዚ ኣብ ምስላጥ ዓብዪ መሳርሒ ኮይኑ የገልግል፣

10.4. ብተወሳኺ ቅልጡፍ ምኽፋት በሪ ንትግራይ ተወሳኺ መቓልስቲ ናይ ምርካብ ዕድል ብምዕባይን፣ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ምጥንኻር ዝህልዎ ጋህዳውን ሓሳባውን ኣበርክቶን ልዑል ስለ ዝኸውን ዝተረፉ ዕላማታት እንተስ ብሓይሊ እንተስ ብኻልእ መንገዲ ኣብ ምስኻዕ ወሳኒ ግደ ይፃወት፡፡

መደምደምታ

ዝተወረረ ግዝኣት ትግራይ ምምላስ ጉዳይ ህላወ፣ ፍትሕን ቀፃሊ ድሕነነትን ትግራይ እዩ፡፡ ግዜ እናወሰደ ብዝመፀ ቁፅሪ ድማ ናይዚ ተኽእሎ እናፀበበ ይመፅእ፡፡ ብኣንፃሩ ምውሓስ ግዝኣት ትግራይ ብዙሕ ፀገም የቃልል፡፡ ስለ ዝኾነ እውን ኣብዚ ዝግበር ውሳነ ጉዳይ ግዜ ብኣግባቡ ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውንን፣ እንተስ ብዘተ እንተስ ብሓይሊ ክትግበር ኩሉ ፃዕሪ ክግበር ይግባእ፡፡

ብዓቕሚ ምንአስ እዚ ሽቶ ንምስኻዕ ዝኸብድ እንተደኣ ኾይኑ፣ ፀላእቲ ተረጋጊኦም ወራር ኸይቕፅሉ፣ ብዘይ ዕረፍቲ ሰላም ምስኣን ከም ሓደ ዕላማ ሒዝካ ምንቅስቓስ ፍትሓውን መዋፅእን ይመስል፡፡ ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ ኣካል ቃልሲ ህላወ ካብ ሙዃኑ ሓሊፉ ማሕበረሰብ ዓለም ከዕርፎ ዝኽእል ውሱን ኣወንታዊ ፅዕንቶ ኣብ ምቅልጣፍ እውን እጃሙ ልዑል ምዃኑ ካብ ሕሉፍ ምምሃር ይከኣል፡፡