ነበርቲ ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን ተወለድቲ ሰንዓፈን ሞኖኽሰይቶን ኣስታት ክልተ ሚልዮን ብር ንተመዛበልቲ ትግራይ ኣወፍዮም።

ነበርቲ ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን ኤርትራውያን ተወለድቲ ሰንዓፈን ሞኖኽሰይቶን ካብ ወረዳታት ኢሮብን ጉለምኻዳን ተመዛቢሎም ኣብ መዕቖቢ ንዘለው ፅጉማት ተጋሩ ኣስታት ክል ሚልዮን ብር ኣወፍዮም።

እቶም ግዱሳት ኤርትራውያን ተወለድቲ ሰንዓፈን ሞኖኽሰይቶን ነቲ ሓገዝ ምስ ቤትፅሕፈት ዝምድናታት ትግራይ ብምትሕብባር ብወኪሎም ሰልጠነ ግርማይ ነቲ ሓገዝ ከምዘበርከትዎ ተፈሊጡ።

እቲ ሓገዝ ካብ ወረዳታት ጉለምኻዳን ኢሮብን ተመዛቢሎም ኣብ ከተማ ዓድግራትን ፋፅን ተዓቒቦም ንዘለው ፅጉማት ከምዝተውሃበ ተሓቢሩ።

እቲ ሓገዝ ኣብ ከተማ ፋፂ ንዘለው 400 ተመዛበልቲ ከምኡ ኣብ ከተማ ዓድግራት ተዓቒቦም ንዘለው 600 ተመዛበልቲ ነብሲ ወከፎም 2 ሽሕ ብር ከምዝተለገሰሎም ተገሊፁ።

ኣብቲ ርኽክብ ሓገዝ ዝተረኸቡ መራሕቲ ሃይማኖት ዞባ ምብራቕ ትግራይ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ዝተዋደደ ወራር ናይ ደገን ውሽጥን ሓይልታት ማእለያ ዘይብሉ ህዝቢ ግዳይ ሞትን ምምዝባልን ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ነዚ ሽግር ተረዲኦም ተወለድቲ ከባብታት ሰንዓፈን ሞኖኽሰይቶን ተመዛቢሎም ኣብ ከቢድ ሽግር ንዘለው ወገናት ዝገበርዎ ሰናይ ተግባር ርክብ ክልቲኡ ህዝቢ ዘጠናኽር ከምዝኾነ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ኣረጋጊፆም።

ቅድም ክብል ብተወለድቲ ኣገለጉዛይን ከባቢኣን ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት ኣብ ዝተፈላለዩ ሽግራት ንዘለው ፅጉማት ተመሳሳሊ ሓገዝ እንዳገበሩ ምምፅኦም ዝዝከር እዩ።