ኣብ ትግራይ ንዝፍፀም ዘሎ ጀኖሳይድ ስነልቦናዊ በሰላ ንምሕዋይ ስልጠና ዝወሰዱ 130 መናእሰይ ተመሪቖም።

ኣብ ትግራይ ንዝፍፀም ዘሎ ጀኖሳይዳዊ በሰላን ስነልቦናዊ ጉድኣትን ንምሕዋይ ስልጠና ዝወሰዱ 130 መናእሰይ ከምዘመረቀ ቢሮ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ትግራይ ሓቢሩ፡፡

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመን ዝፍፀምን ዘሎ ጀኖሳይድ ስምዒቱ መሪር በሰልኡ ከቢድ ከምዝኾነ ኣብቲ ስልጠና ተገሊፁ፡፡

እዚ ድማ ስነ ልቦናዊ በሰልኡ ብቀሊሉ ክሕከም ዘይኽእል ብምዃኑ ስነልቦናዊ ሓገዝን ምትብባዕን ከምዘድሊ ተሓቢሩ፡፡

ብምዃኑ ድማ ቢሮ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ትግራይ ኣብ ስነልቦናዊ ሕውየት ዘድሃበ ትምህርታዊ ስልጠና ዝወሰዱ ኣስታት 130 መናእሰይ ከምዘመረቐ ቴሌቪዥን ትግራይ ፀብፂቡ፡፡

እዚ ስልጠና ድማ ስነልቦናዊ ተፀዋርነት ምዕባይን መፍትሕታት ንምንዳይን ሓጋዚ ከም ዝኾነ ኣተሓባባሪ እቲ ስልጠና ዶ/ር ቢንያም ተወልደ ሓቢሩ፡፡

ህዝቢ ትግራይ በፂሕዎ ዘሎ ስነልቦናዊ ሃሰያ ናብ ሕራነ ንምቅያር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ግደ ተመረቅቲ ልዑል ክኸውን ከምዝግባእ እውን ምክትል ሓላፊ ቢሮ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ትግራይ ዶ/ር ገ/መስቀል ገ/ማርያም ገሊፁ፡፡

ወረርቲ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ዘብፀሕዎ ስነልቦናዊ ጉድኣት ንምሕካም ከምዝፅዕሩ ድማ እቶም ተመረቕቲ መናእሰይ ኣረጋጊፆም፡፡

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ልፍንታዊ ወራር ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣስታት 120 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ግዳይ ፆታዊ መጥቃዕቲ ከምዝኾና ይግለፅ።