ብሰንኪ መንነቶም ዝተኣሰሩ ተጋሩ ነበር ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኢትዮጵያ ክፍትሑ ማሕበረሰብ ዓለም ፀቕጢ ክገብር መንግስቲ ትግራይ ፀዊዑ።

ተጋሩ ጥሮተኛታትን ኣብ ስራሕ ዝነበሩን ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝርከብዎም ብጅምላ ተሓፊሶም ዝተኣሰሩ ኣሽሓት ተጋሩ ክፍትሑ ማሕበረሰብ ዓለም ፀቕጢ ክገብር መንግስቲ ትግራይ ፀዊዑ፡፡

እቶም ካብ ጥቅምቲ 2013 ጀሚሩ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝፀሩ ተጋሩ ብምዃኖም ብሰንኪ መንነቶም ከምዝተኣሰሩ ቢቢሲ ንመግለፂ ቤት ፅሕፈት ዝምድናታት ትግራይ ብምፅራሕ ኣቃሊሑ፡፡

ካብቶም እሱራት ‘‘ብኣሽሓት ዝቝፀሩ ጥሮታ ዝወፁን ኣብ ስራሕ ዝነበሩን ተጋሩ ኣባላት መከላኸሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ’’ ከም ዝርከቡዎምን ካብዚኦም ብኣማኢት ዝቝጸሩ ‘‘ተረሺኖም’’ ካልኦት ድማ ብዘጠራጥር ኵነታት ከምዝሞቱ ሓቢሩ፡፡

ድሕሪ 24 ጥቅምቲ 2013 መንግስቲ ኢትዮጵያን መላፍንቱን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝኣወጅዎ ኲናት ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ፖሊስ ፌደራልን ዝነበሩ ተጋሩ፡ ዕጥቆም ፈቲሖም ኣብ ገዛኦም ክፀንሑ ከምዝተገበሩ እቲ ማዕኸን ዜና ወሲኹ ፀብፂቡ።

ብምዃኑ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ኣብ መዳጎኒ ማእኸላት ንዘለው ብኣሽሓት ዝቝፀሩ ሰለማውያን ተጋሩ ክፍትሑ ማሕበረሰብ ዓለም ፀቕጢ ክገብር መንግስቲ ትግራይ ፀዊዑ ኣሎ፡፡

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ሓይልታት ፀጥታ ዓፋርን ኣመሓደርትን ኣስታት 9 ሽሕ ኣብ መዋሰኒ ከባቢታት ዝነብሩ ዝነበሩ ተጋሩ ከምዝኣሰሩን ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኵነታት ከም ዝርከቡን ገሊፁ ነይሩ፡

ብተወሳኺ እቲ ኮሚሽን ኣብ ልዕሊ ስቪላት ተወለድቲ ትግራይ ዝፍፀሙ መጥቃዕትታት፣ ማእሰርቲ፣ ምዕፃው ኣብያተ ንግዲ፣ መቕተልትን ተመሳሰልቲ ተግባራት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ከምዘሻቕሎ ምግላፁ ይዝከር።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ኣብ መሓውራት ፀጥታ እታ ሃገርን ሰራዊት ምክልኻልን ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣስታት 17 ሸሕ ተጋሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዘለው ይግለፅ።