ኣንፈት ፖሊሲ ሚዲያ ትግራይን ግደ ቢሮ ጉዳያት ኮሙኒኬሽንን

 (ብወርሒ ነሓሰ 2020 ኣብ ፌስቡክ ገፀይ ተለጢፉ ዝነበረ-ምስ ውሑድ እርማት)

1. ሓፈሻዊ መእተዊ

———————

ኣብ ዘፈር ማሕበራዊ ፖሊሲ ህዝቢ ከድህበሎም ካብ ዝግባእ ዛዕባታት ብውሑዱ ኣንፈት ፖሊሲ ሚዲያ ትግራይ እንታይ ይምሰል፤ ኪነ-ጥበብ ትግራይ ብኸመይ ይትሓዝ፤ ባህልን መባፅሕ ቱሪዝምን `ታይ ዓይነት ክንክን ይጠልቡ፣ ከመይ ከ ይደንፍዑ፤ እቲ ዋና ትውልዲ ዝቕረፀሉ ተስፋ ትግራይ ዝኾነ ጉዳይ ትምህርቲ ኸ ኣብ ምንታይ ደረጃ ኣሎ (እንታይ ይመላእ)፤ ከምኡ ድማ ስፖርቲ ትግራይ ናበይ ገፁ የብል? ዝብሉ ይርከብዎም።

እዚኦም ብድምር “ትካላት ባህልን መንነትን“ ክንብሎም ንኽእል ኢና (“Institutions of Culture & Identity“ ወይ እውን መንነት ውፅኢት እኩብ ባህልን ባህርን ስለዝኾነ ብሓፂሩ ትካላት ባህሊ/Cultural Institutions/ ምባል ይካኣል። ቀረፅቲ ዛዕባ/ኣጀንዳ ብድሕሪት ከምዘለዉ ኾይኖም፣ ፈተና ፀላእና ህንደሳ ባህልን መንነትን ትግራይ ዝግሃድን ዝግለፅን በዞም ትካላት እዚኦም ኣቢሉ እዩ።

ስሩዕ ትምህርቲ ብኽእለት፣ ፍልጠትን ኣመለካኽታን ኣቢሉ ቀፃሊ ሂወት ህዝቢ ትግራይ እንታይ ክመስል ከምዝግባኦ ዝግሃደሉ ዓውዲ እዩ። ብፅፉፍ ትምህርቲ፣ መፅናዕትን ምርምርን ዝተዓጀበ ስምምዕ ዝብፅሓሉ ዝፍለጥ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ማሕበራውን ቴክኖሎጂኣውን ኣንፈት ኮነ ራኢ ምሓዝ፣ ፃዕሪን ኣረኣእያን (world-view pattern) ሕብረተሰብ ትግራይ ዝግለፀሉ ጸጋ (Value) እዩ። ኣረኣእያን ጸጋን ድማ ባእታታት መግለፂ ባህልን መንነትን ሕብረተሰብ እዮም።

ስፖርትን ቱሪዝምን ካብቲ ዝህብዎ ጥዕናዊ ኾነ ቁጠባዊ ረብሓ ንላዕሊ ባህልን መንነትን ሓደ ሕብረተሰብ ዝግለፀሎም መዝታት እዮም። ስፖርቲ መግለፂ ተወዳዳራይነት እዩ። ባህሪ ፃዕሪ፣ ሓቦ፣ ህልኽ፣ ሰዓራይነት ብስፖርቲ ኣቢልካ ግሁድ ይግበር። ነዙይ ክዓ እዩ ስፖርት ብዓይኒ ብሄራውያን ፖለቲከኛታት ከም ትካል ባህልን መንነትን ተገይሩ ዝውሰድ (እቲ ጥዕናዊ ኾነ ቁጠባዊ ጥቕሙ ከምዘሎ ኾይኑ)።

መባፅሕ ቱሪዝም ዝኾኑ ዝድህሰሱን ዘይድህሰሱን ሓድግታትን ቅርስታትን ሓደ ሕብረተሰብ እውን ትእምርታዊ (symbolic) ረብሕኦም ካብ ቁጠባዊ እቶቶም ንላዕሊ እዩ። መግለጺ ሕሉፉን ህልዉን ታሪኽ፣ ባህሊ፣ ስልጣነ፣ ዕብየት፣ ወዘተ እዮም። “ኣታ እዚኣቶም መን `ዮም መን የ. . .“ ኢሉ ዝሓትት ፍጡር ኩሉ፣ መልሲ ካብቶም ሓድግታትን ቅርስታትን ይረክብ። መንግስትን ህዝብን ትግራይ ሓድግታትን ቅርስታትን ዝዕቅቡ፣ ከምኡ እውን በፃሕቲ ክሪኡሎም ኩነታት ዘመቻችዉ፤ በዚኦም ኣቢሉ ኣብ ዞባዊ ኾነ ዓለም-ለኻዊ መድረኽ ዝዋሃበና ኣፍልጦ መሕበኒ ስለ ዝኸውን እዩ። ትሕዝቶና ዝርኣየ ምስክርነቱ ብቓል ኮነ ፅሑፍ ንኻልእ ስለዝነግር፣ ስለዘባፅሕ እዩ።

መሬት ተነፂፍካ ጋሻ ምቕባል፣ ሱቕ ኢሉ መግለፂ ባህሊ ጥራሕ እንተይኮነስ ህንጣወ ተመሳሳሊ ግብረ-መልሲ እዩ።

በዚ መንገዲ `ዚ ሚዛን ሕብረተሰብ ትግራይ ብንፅፅር ልዕል ይብል። ብዘለካ ሓድጊ መርኣያ ስልጣነ፣ ጅግንነት፣ ፅቡቕ ታሪኽ ኮነ መስተንክራዊ መስሕብ ተፈጥሮ ሃፍቲ ልክዕ ትኽበር፣ ብቐሊሉ `ውን ኣይትድፈርን። ብንኡሱ እኳስ ዲፕሎማሲ ምግቢ ክንደይ ትሰርሕ። ድምር ውፅኢቱ ድማ ምስ መንነት ዝተተሓሓዙ ስምዒታት ሓበን፣ ኩርዓት፣ ዓርሰ-እምነት ይግለፅሉ። ሕብረተሰብ ንሃፍቲ መስሕብ ቱሪዝም በዚ መንገዲ ክርድኦ ምግባር ንፅገና፣ ሕብሓበን ምድንፋዕን ሓድግታት ዓብይ እጃም ኣለዎ።

ንዕኡ እዩ ድማ መዚ ቱሪዝም ከም ተራ ፍልፍል ገንዘብ (ሸቐጥ) ጥራሕ ጌርካ ምርኣይ ስሑት ፖሊሲ ዝኸውን። ካብ ዓይኒ ቁጠባ ጥራሕ እንተተራእዩ ብዙሕ ሓደጋ ኣለዎ፣ ንኣብነት እኳስ እቲ ካብ ኢኮኖሚ ቱሪዝም ብቐጥታ ዘይርባሕ ክፋል ሕብረተሰብ ዋጋ እቶም ሓድግታት ኣይርዳኣልካን፣ ዘይንታዩ `ውን ይገብሮም። እዙይ ድማ ሓበራዊ ዝኾነ ዘላቒ ሕብሓበ ሓድግታትን ቅርስታትን ከይህሉ ይገብር። እቲ ሕጂ ዘሎ “ካብ ቱሪዝም ክንድዙይ ገንዘብ ተረኺቡ“ ዝዓይነቱ ተደጋጋሚ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ መዚ ቱሪዝም መርኣያ ጉድለት እቲ ፖሊሲ እዩ ኢለ እየ ዝኣምን። “ህዝብና ድኻ እዩ`ሞ መስሕባት ቱሪዝም ብዝህብዎ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ልክዕ መዚኑ ክሕብሕቦም እዩ“ ኢልካ ጥራሕ ካብ ምሕሳብ፣ ስትራቴጂ “ሓለዋ ኽብሪ“ ከም ተደራቢ ፖሊሲ ምሓዝ ብሉፅ ኣንፈት ፖሊሲ ይኸውን።

ኪነ-ጥበብ ፅቡቕና ኾነ ሕማቕና ንገልፀሉ መሳርሒ ምምሕልላፍ ሕሉፍን ህልውን ኣተሓሳስባናን ባህልናን እዩ። ብተወሳኺ እውን መፃኢ ባህግና ንገልፀሉ እዩ። እዙይ መዚ ቅጥዒ እንትህልዎ፣ መመሓላለፍን መግለፅን ኣዎንታዊ ባህልና፣ መንነትናን ኩለመዳያዊ ምንቅስቓስናን ይኸውን። ብኻልእ ጎኑ ድማ መንቀፊ ሕማቕ ጎኒ እዞም ዓምድታት እዩ። ብተወሳኺ ኣብ ሰለጤን ልምዓትን ምምካት ብሄራዊ ሓደጋን ፍሉይ እጃም ኣለዎ (ንሓበራዊ ረብሓ ህዝቢ ዝውዕል መዘና ዘይብሉ ፕሮፖጋንዳ/ኣድቮኬሲ ይስርሓሉ)። ኣብ ኩሎም ዓውድታት ካብ ስሩዕ ትምህርቲ ቀፂሉ (ምናልባሽ እውን ዝልዓለ ፅልዋ ዘለዎ) መሳርሒ ትምህርትን ከይዲ ፈጠራ ሕብረተሰባዊ ንቕሓትን እዩ።

ስለዝኾነ ድማ እዚ ዘፈር ብዝሓሸ ፍልጠት፣ ክእለትን ኣረኣእያን ክምራሕ፤ ብቴክኖሎጅን ገንዘብን `ውን ኢድ ከይሓፅሮ ሓሲብካ ምንቅስቓስ ካብ ግዚያዊ ሆያሆየን ብትኽታኽ ትልምን ዝዛይድ ዝተማልኣ ፖሊሲ ባህልን መንነትን ይጠልብ። ነዙይ ብውሕሉል ፖሊሲ ክመርሖ ዝኽእል መንግስትን ውዳበ ፖለቲካን ክህሉ ምፅዓር፣ ምሕታትን ምድላይን ክዓ ዕዮ ገዛ ሊሂቅ ትግራይን ሕድሕድ ዜጋን ይኸውን። እቶም ንትግራይ ዝውክሉ ውድባት ፖለቲካ እውን እውን ንፅር ዝበለ ፖሊሲ ኣብዞም ዓውድታት እዚኦም ክህልዎም ትፅቢት ይግበር።

ኣንፈት ፖሊሲ ትምህርቲ፣ ኪነ-ጥበብ፣ ስፖርት ኮነ ቱሪዝም እንታይ ይምሰል ዝብል ንነሕድሕዶም ዝርኢ ዓሚቕ ሓተታ ከም ዘድሊ ፍሉጥ እዩ። ንሎሚ ግን ብዝተወሰነ መልክዑ ክገልፆ ዝደለኹ ብዛዕባ ኣንፈት ፖሊሲ ሚዲያ እዩ፣ ብሞያ እውን ንዕኡ ስለዝቐርብ።

2. ኣንፈት ፖሊሲ ሚዲያ ትግራይ

——————————–

ከምቲ ትግምትዎ ሚዲያ ትግራይ ዓርሱ ዝኽኣለ ንፁር ኣንፈት ፖሊሲ እኳ እንተዘይሃለዎ፣ እቲ ዝጸንሐ ሸነኽ ሃገራዊ (ፌደራላዊ) ፖሊሲ ተኸቲሉ ግን ተዋረዳዊ ፖሊሲ ኮሙኒኬሽን (vertical/one-way) እዩ ዝኽተል። ወይ እውን ብባህሪ ኣጠቓቕማ ስትራቴጂ ኮሙኔሽን ምስቲ ኣብቲ ህዝባዊ ዕጥቃዊ ቃልሲ እዋን ዝነበረ ፕሮፖጋንዳ ዝመሳሰል ሜላ እዩ ዝኽተል።

ኣብ ትግራይ ሓቂ ፈልፊልካ ምርካብ ንሰብ ሞያን ወነንቲ ሚዲያን ዝተወህበ ሞያዊ ሓላፍነትን ግዴታን እንተይኮነስ፣ ናይ ገዛኢ ውድብ ፍሉይ ትዕድሎት ወይ ድማ ፍሉይ መሰል እዩ። ሓቂ ትርከብ ካብ ህወሓት ወይ ድማ ሓለፍቲ መንግስቲ እያ። እቲ ዘደንግፅ ግን ፍልጠት እውን ካብ ስልጣን ከምዝፍልፍል ገይርካ ምሕሳብ ኣሎ። ስልጣንን ሃፍትን ዝሓዘ መደብ ኩሉ ይገንሕ ብዝብል ቅኒት ዝሰርሕ ሚዲያ እዩ ዘለና።

ሚዲያታት ነቲ ገዛኢ/ስልጣን ዝሓዘ/ ሓይሊ ክቆፃፀሩን ሚዛን ከትሕዙን (ግደ check and balance ክህልዎም) ዝፍቀደሎም ትካላት እንተይኮኑስ፣ ከም ዓጀብቲ ጥራሕ ክሰርሑ ዝፈቅድ ኣሰራርሓ ሚዲያ እዩ ኣብ ስራሕ ዘሎ። ካብ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ብ “ጉጅለ ሚዲያ“ ተመርሐ፣ ብመካየድቲ ስራሕ ሕድሕድ ሚዲያ “ብናፃነት“ ተገንሐ፣ መሰረታዊ ለውጢ ኣየርእን። ብወሳናይ መልክዑ እቲ ፀገም ፖለቲካዊ፣ ፖሊሲኣዊ እዩ። መፍትሒኡ እውን ኣብዚ ዓውዲ ምስ ዘሎ ቅየራ ፖሊሲን ፖለቲካዊ ኣንፈትን ይትሕሓዝ።

እዙይ ባህሪ `ዙይ ዝምንጩ ካብ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ እቲ ገዛኢ ውድብ እውን እዩ። ፍልስፍና ኣውራነት (ኣውራ ፓርቲነት) ዝወለዶ ኣንፈት እዩ። በዚ ኣተሓሳስባ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ውድብን መንግስትን ብተግባር መሰረታዊ ኣፈላላይ ኣይርአን። ይቕረ እሞ ካብቲ መንግስቲ ፈሊኻ ክትሪኦ፣ ባህሪ እቲ ገዛኢ ውድብ ከም ዘበነ-ሃጸያት ካብታ ሃገር ፈሊኻ ንበይኑ ክትሪኦ `ውን ኣይፈትውን፣ ኣዝዩ ፀላዕላዕ ይብሎን የሳሕዮን።

ስለዚ ንዕኡ ዘገልግሉ መንግስታዊ ሚዲያታት ይፈጥር እሞ “ንሓበራዊ ጥቕሚ፣ ንሃገር እዮም ዘገልግሉ ዘለዉ“ ይብለካ። ምኽንያቱ ዓርሱ ጥራሕ ንሃገር በጃ ዝኾነ፣ ዝሕለቕ፣ ላዕለዋይ ተቖፃፃሪ ገይሩ እዩ ዝሸውም። ካልኦት ናሃቱ ተስሓብትን ከደምትን ክኾኑ ተሊሙ እዩ ዝሰርሕ። ካብዚ ወፃእ እንተኾይኖም ድማ ዝህደኑ ‘ፀላእቲ’ ናይ ምግባር ልዑል ድልየት ኣሎ።  

መንግስትነት (ከም ሓሳብ)፣ ትካላት መንግስትን ሓለፍቶምን ኣብዘድሊ ዝድገፉ፣ ኣብዘድሊ ድማ ብነቔፌታ ሳንጣ ዝግበሩ ምዃኖም ኣይውሓጠሉን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ስርዓት፣ ንገዛኢ ውድብ ምንቃፍ ማለት ንታ ሃገር (ዓዲ፣ ህዝቢ) ከም ምንቃፍ ተገይሩ ክውሰድ ንሪኢ። ንመንግስቲ (ገዛኢ ውድብ) ምንቃፍ ባንዳነት፣ ዕሱብነት፣ ኳዂቶነት፣ ተለማማፅነት/ወላዋይነት፣ ሃንጎሪማ ስልጣን፣ ወዘተ ዝብሉ ባልጃታት የሸልም።

እቲ ሕጂ [2012 ዓ/ም] ብደረጃ ኽልል ኮነ ሃገር ንሪኦ ዘለና ጸገም ናይዚ ገዋሕታ እዩ። ሚዲያታት ንረብሓ ህዝቢ ምስራሕ ገዲፈን ደድሕሪ ድልየት ሰበ-ስልጣንን ሰብ-ግዘን ዞኽዞኽ ይብላ። ጋዜጠኛታት እውን ኣፍ-ኣፍ ሰበ-ስልጣንን ጽግዕተኛታት እቲ ስርዓትን (ንገለ ሰብ ሃፍቲ ሓዊሱ) እናተኸተሉ “እወ፣ ሓቕኪ፣ ትኽክል ኣለኺ፣ ኣነስ ከምኣ እንድየ እናሓሰብኩ ፀኒሐ፣ ኣንቲ ኣለማት ዓይነይ ፈለጥክዮም እኳ፣ ወዘተ’’ ክብሉ ይቃነዩ፣ የዳምቑ።

እዙይ ክዓ “ፅንሰ-ሓሳብ ልምዓታዊ ጋዜጠኝነት ኢና ተግባራዊ ንገብር ዘለና“ ብዝብል ተሸፊኑ ክሕለፍ ይድለ [ነይሩ]። ግን ድማ እዚ መንገዲ ክልተ ወሰንቲ ሓቅታት ዝኽሓደ እዩ። ቀዳማይ ነገር፣ ነቲ ድኽመት ኣፈፃፅማ ልምዓት፣ ጉድለት ሰናይ ምምሕዳር፣ ግዕዝይና፣ ወዘተ ብደንቢ ዝፍትሽን ዝነቅፍን መርማራይ ባህሪ ልምዓታዊ ጋዜጠኝነት ዝኸሓደ ኣሰራርሓ እዩ። ብዓብይኡ ግን ኣማራፂ ፖሊሲ ልምዓትን ምሕደራ ሃገርን ከይቐርብ በሪ ሚዲያ ቀርቂሩ ዝዓጸወ ትግበራ እዩ። ብዝጎልበተ ኣካዳሚያዊ ባህሪኡ ኣተሓሳስባ ልምዓታዊ ጋዜጠኝነት ነዙይ ኣይኽልክልን። ኣወንታዊ ግደ እውን እዩ ዘለዎ።

እቲ ካልኣይ ድኽመት ድማ ዋላ ኣውራ ፓርቲ ኮይኑ ንቲ ነቓፋይ ጎኒ ልምዓታዊ ጋዜጠኝነት ዝምቹ ዓርሰ-እምነት ዘለዎን ሓላፍነት ዝስምዖን ገዛኢ ውድብ ዘይምህላዉ እዩ። እዚ ኣብ ቻይናን ገለ ክፋል ኤዥያን ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት (ኣዝዮም ኢ-ዲሞክራሲያውያን እናሃለዉ) ተግባራዊ ዝተገበረ ትግበራ ጋዜጠኝነት ኣብ ዓድና ከመይ ከምዝትግበር ብዙሕ ምርምር ዘይተገበረሉ `ዩ።

ከም ውድብ ኮሚኒስት ቻይና ቅቡልነቱ ዘረጋገፀ፣ ተነፃፃሪ ሓላፍነት ዝስምዖ፣ ዓርሰ-እምነቱ ዝልዓለ ውድብ ከምኡ እውን ፖለቲካዊ፣ ባህላውን ታሪኻውን ኣተሓሳስባታት ሕብረተሰብን እቲ ውድብን ዝልዓለ ምትእስሳር ኣብዘለዎ ባይታ (ክኸውን ተገይሩ) ተግባራዊ ክግበር ዝጸንሐ ኣተሓሳስባ እዩ-ልምዓታዊ ሞዴል ኣመራርሓ ሚዲያ። ኣብ ዓድና ተመሳሳሊ ሃዋህው ኣወዳድባን ባህሊ ፖለቲካን የለን። እዙይ ንኡስ ክፍሊ ፍልስፍና ጋዜጠኝነት ብዝተማልአን በቲ ዝማዕበለን ትርጉሙ ይተግበር እንተተባሂሉ እኳስ ኣብ ክሊ እቲ ዓብይ ፍልስፍና/ሞዴል ሓላፍነት ዝስምዖ ፅንሰ-ሓሳብ ሚዲያ (social responsibility media theory) ክምደብ ዝኽእል እውን እዩ።

ብዝኾነ እቲ ሕጂ ዝኒሀ ኣመራርሓ ሚዲያን ኣንፈት ትግበራ ጋዜጠኝነትን ብዙሕ ድኹም ጎንታት ዘለዉዎ እዩ። ውግንንኡ ንህዝብን መንግስትነትን እንተይኮነስ ንገዛኢ ውድብ ብምዃኑ ፍሰት ሓበሬታ ካብ ሓደ ወገን ኽኾን ይገብር። ብየና ሓቂ፣ ትኽክለኛነት ፖሊሲ ልምዓትን ምሕደራን ካብ ሓደ ሸነኽ ጥራሕ ይፍልፍል። በዚ መንገዲ ክዓ ህዝቢ ኣማራጺ ሓሳባት ልምዓት ይስእን። ጸገማት ኣፈፃፅማ ልምዓት፣ ሰናይ ምምሕዳር፣ ግዕዝይና ክፍትሑ ኣይሕግዝን። ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ሚዲያ ኾነ ካልኦት መድረኻት ስሕው ስለዝኾነ ኣብ መሰረታዊ ጉዳያት ዓዲ ሓበራዊ ምርድዳእ (consensus) ከይተበፅሐ፣ ትካላዊ ኣሰራርሓ እግሪ ከይተኸለ፣ ስርዓትን ሕግን ባህሊ ኮይኮኑ ይጸንሑ። ፖለቲካዊ ቅልውላው ብዝተፈጠረ ቁፅሪ ድማ ከም ብሓዱሽ “ሀ“ እናበልና ሓዱሽ ኣሰራርሓ እናዘርጋሕና ንነብር። ከም ህዝቢ ብሓደሽቲ ጎበዛት ኣድሪ ድማ መከራና ንበልዕ።

ግልፂ ዝኾነ ስነ-ምግባር ሞያ ኣቐሚጥካ፣ ርትዓውን ፍትሓውን ዝኾነ ክልላዊ ሕጊ ሚዲያ ኣንፂፍካ፣ ኣፍልጦ መሰረት ጌሩ ውነና ሚዲያ ዝፈቅድ/ዘደንፍዕ/ዝቆፃፀር ክልላዊ ብዓል መዚ ኣጣይሽካ፣ ንስራሕቲ ሚዲያን ጋዜጠኝነትን ዓርሲ ብዓርሶም ዝተሓጋገዙሉን ዝቆፃፀሩሉን ነፃ ማሕበራት ሞያ፣ ዘይሻራዊ ካውንስል ሚዲያ፣ ትካል ሓባሲ ንብዓት ተከታተልቲ/ኣድመፅቲ/ኣንበብቲ ሚዲያ ክፍጠሩ ጥጡሕ ባይታ ፈጢርካ፣ ነፃን ግልፅን ክትዕ ሓሳባት እንተተገበረ ዝጥቀም ህዝቢ ትግራይ እዩ። ግልፂ ዝኾነ፣ ኣብ መሰረታዊ ኣጀንዳታት ሕብረተሰብን ሓሳባትን መሰረት ዝገበረ ቅልዕ ሚዲያ ዝፈቅድ ሃዋህዉ ፖለቲካ ጥንኩር መንግስትን ሓድነቱ ዘስጠመ ህዝብን እዩ ዝፈጥር። ስሕተቱ ዝቐነሰ ፖሊሲ ልምዓት ክህሉ ዕድል ይህብ። ፀገማት ኣፈፃፅማን ግዕዝይናን ድማ እግሪ ብእግሪ ስለ ዝንቀሱ፣ ሌባን ሰነፍን ኣመሓዳሪ መሕብኢ ቆጥቋጥ ይስእን።

ኣብ ጉዳይ ሚዲያ ተደጋጊሙ ዝብሃል ግን ድማ ስሕተት ዝኾነ ሓሳብ ኣሎ። ኣብ ቀረባ እዋን ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙኒኬሽን ትግራይ ዝኾና ወ/ሮ ሊያ ካሳ እውን ብሙሉእ ዓርሰ-እምነት ይዛረብኦ ነይረን [ብ2012 ዓ/ም]። “ሚዲያታት ውግንና ኣለወን እሞ፣ ንህወሓት/ገዛኢ ውድብ ደጊፈን ምስርሐን ጸገም የብሉን“ ዝዓይነቱ ዘረባ። እዙይ ንፅፅር ዓለም-ለኻዊ ኣሰራርሓ ሚዲያ፣ ናብ ጉዳይ ውሽጢ ሓንቲ ሃገር/ ወይ ሕብረተሰብ እንትትርጎም ዝተፈጠረ ስሕተት እዩ። “ሚዲያታት ሃገራት ምዕራብ (ዝማዕበላ ዓድታት) ንኒዮ-ሌብራል ኣተሓሳስባ ደጊፈን ስለዝሰርሓስ ናህና እውን ንኣተሓሳስባ ልምዓታዊ መንግስትነትን ከምኡ እውን ወያናይ ዲሞክራስን ደጊፈን ይስርሓ“ እየን ዝብላ ዘለዋ። እዚ ዝሰልቸወና ዘረባ ግን ኣብ ምንታይ ዓውድን በየናይ ስነ-መጎትን ንዝብሉ ሕቶታት መልሲ ኣይህብን። ብናሃቱ ኣተሓሳስባ ጥራሕ ማሕበረሰብ ክቐርፅ ንዝደሊ ፖለቲካዊ ውድብ ግን እዙይ ምባል ስሕተት የብሉን፣ ዕላምኡ ስለዝኾነ።

እንተኾነ ግን ሊበራል ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ንኣውሮፓን ኣሜሪካን ዳርጋ ባህሎም ኮይኑ እዩ (እቲ ውሽጣዊ ኣፈላላዮም ከምዘሎ ኾይኑ)። ኣብ ክሊ ሊበራሊዝም ግን ሚዲያታቶም ብዛዕባ ዓዶም እተዋግዑ ዝተፈለየ ሓሳባት ከይድህሰሱ ከልኪሎም፣ መሰል ምግላፅ ሓሳብ ውልቀ-ሰባት ዓፅዮም ዝገብርዎ ኣይኮነን፣ (ዝንባለታት ፖለቲካ ከምዘለዉ ኮይኖም)። ብፍላይ ኣብ ጸብፃብ ዜና ድማ ኣድማሳዊ ባህሪያት ሞያ ምስንዳእ ዜና ዝዝንግዑ ኣይኮኑን (ፍጹምነት objectivity ኣብ ኣካዳሚያዊ ክርክር እምበር ኣብ ተግባር ምዝብዑ ከምዘይቐሪ ኾይኑ)።

እቲ ጠቕላላ ስርዓትን ባህልን ምዕራባውያን ዝተመስረተሉ ኣተሓሳስባ (ሊበራሊዝም) ብዓለም ደረጃ እውን ዓብላልነት ክህልዎ ስለዝደልዩ ድማ ንኻልእ ኣመራፂ (ካብቶም ዋና ተናሕንሕቶም ኾነ ካብ ስሉስ ዓለም ዝፍኖ) ሓሳብ ደፊኖምን ኣናኢሶምን ናታቶም ባህሊ፣ መርገፂ ፖለቲካ፣ ስርዓት ዕዳጋ፣ ወዘተ ይዓጥኑና። ኣብዚ ግልፂ ዝኾነ ውግንና ሚዲያ ኣሎ። ግን እንተንኣሰ ንሳቶም “ረብሓ“ ሃገሮም እዮም ዘሰጉሙ ዘለዉ።

ኣባና ግን ሓፈሻዊ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ፌደሬሽን ኢትዮጵያ ወይ ድማ ረብሓ ኢትዮጵያ ኣብ መድረኽ ዓለም ንምኽባር ኣይኮነን ውግንና ሚዲያ የድሊ እዩ ንብሃል ዘለና። ኣተሓሳስባ ሓደ ገዛኢ ውድብ ንኸይንቀፍ እዩ እቲ ዝንቡዕ ሰነ-ሞገት ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ ዘሎ። ኣተሓሳስባ እቲ ገዛኢ ውድብ መሬት ዝሓዘን ብኣብዝሓ ሊቃን እዛ ዓዲ/ትግራይ/ኢትዮጵያ ዝድገፍን እንተዝኸውን እኳስ እቲ ዘረባ ንእሽተይ ፀብሒ መምቀረ። እቲ ሓቂ ግን ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባታት፣ ኣንፈታት ልምዓት፣ ሕብረተሰባዊ ድልየታት ምህላዎም እዩ።

ስለዚ እቲ ዘድሊ “ብሄራዊ ረብሓ ትግራይ የሰስኑ እዮም“ ኣብ ዝብሃሉ ሓበራዊ ምርድዳእ ኣብዝተበፅሓሎም ዛዕባታት ሚዲያታትና ውግንና ይህልወን። ኣብቶም ካልኦት ጉዳያት ድማ ሞያዊ ስነ-ምግባር ሓልየን፣ ሕጊ ሃገር ኣኽቢረን፣ ማሕበራዊ ሓላፍነት ተሸኪመን መንጎኛ ብምዃን ኣፈላላይ ሓሳባት የቕርባ። ኣብ ከይዲ ግን ውግንና ዝትሓዘሎም መትከላት ብሓበራዊ ምርድዳእ ክፈጥራ ይኽእላ እየን (ልእኽትኦን እውን ክገብርኦ ይግባእ)።

ነቕ ዘይብል ቀፃልነት ዘለዎ ሓበራዊ ምርድዳእ ዝፍጠር ግን ካብ ገዛኢ ውድብ ጥራሕ ብዝፍኖ ተዋረዳዊ ሜላ ምስራፅ ብምኽታል እንተይኮነስ፣ ብመሸጣ ኣመራፂ ሓሳባትን ህርሁር ክትዕን እዩ። ብብሱል ኣመራፂ ሓሳብ፣ መርትዖን ጠቓምነቱን ተቐባልነቱ እናሰፍሐ ዝኸድ ፖሊሲ/ሓሳብ ገዛኢ ይኾን፣ ኣብ ከይዲ ውግንና ሚዲያ እውን ክረክብ ይኸውን። ሕጂ ስኢናዮ ዘለና ከምዚ ዝኣመስለ ከይዲ እዩ። ከም ውፅኢቱ ክዓ ህዝቢ ሓድነት ከይህልዎ ይብፅበፅ፣ ኣፈላላዩ ከየፅብብ ብስቕታ ዝግለፅ ሓጓፍ እናስፍሐ ይኸይድ።

ብተወሳኺ ግን ብዛዕባ መንጎኝነት ኮነ ዘይተፀላውነት “ ኒውስ“ ሚዲያ እንትውጋዕ፣ “ሚዲያ ወገን ክህልዎ የብሉን ትብሉስ ከመይ ገይሩ የኽእሎ?“ ዝብልዎ ናይ በሶሮ ሕቶ ይልዓል እዩ። ጋዜጠኛታትን ዳኛታትን ሰባት እዮም እሞ ብተፈጥርኦም ፍጹም መንጎኛ፣ ዘይሳራውያን፣ ፍሉይ ድልየት (special interest) ብዘለዎም ወገናት ዘይፅለዉ ክኾኑ ኣይኽእሉን። ውሽጣዊ ድልየት (interest, motive) ክህልዎም ይኽእል፣ ብምፍላጥን ዘይምፍላጥን ክፅለዉ ይኽእሉ እዮም። ነገር ግን ብዝተኻእሎም መጠን ንመትከላት ሞይኦም ንኽግዝኡ፣ ኩርናዕ ሞንጎኝነትን ዘየተጸላውነትን ንኸረጋግፁ እዮም ልዑል ፃዕሪ ዝገብሩ፡ ሑዩኽ ዝብሉ። መምህራን ጋዜጠኝነት ዓረር ዝብሉ እውን እዛ ዘይተጸላዊ (independent) ንምዃን ትግበር ፃዕሪ ርግዓት ሕብረተሰብ ብዘናግዕ መጠን ከይትቕንስ እዩ።

ሚዲያ (ብፍላይ ጋዜጠኝነት ዝትግብራ) ሓንቲ ዓዲ ክዓ ንልዕልነት ሕጊ እታ ዓዲ፣ ንሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ፣ መላእ ሓፋሽ ንኽርባሕ፣ ንፍሰት ዝተፈላለዩ ሓሳባትን ኣማራፂ ፖሊሲታትን፣ ንብሄራዊ ረብሓ ህዝብን ጥቕሚ ሃገርን ሽንጡ ገቲሩ፣ ወጊኑ ይሰርሕ እዩ።

ኣብ ትሕቲ ንኹሉ ህዝቢ ከገልግል ብሕጊ ዝቖመ መንግስቲ ውሽጢ ዝተጣየሹ መንግስታዊ ሚዲያታት ኾኑ “ህዝቢ ነገልግል ኢና“ ዝብሉ ፍቓድ ዝተሃዋህቦም ውልቀ-ሚዲያትት ግን ንኣተሓሳስባ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፖለቲካዊ ውድብን ተሸዎምቱን፣ ተቓወምቲ ሓይልታት፣ ሰብ ሃፍት ወይ እውን መቕረብቲ ማስታወቂያ ርኡይ ብዝኾነ መንገዲ (ድምፂ ካልኦት ብምዕፋን) ወጊኖም ክሰርሑ ሞያዉ ኣይኮነን፣ ሕጋዊ ኣይኮነን፣ ሓላፍነት ዝጎደሎ መንገዲ እዩ። እምበር ርእዮተ-ዓለማዊ ውግንና ዘልዎም ልሳን ውድባት፣ ብሄር ኮነ ሃይማኖታዊ ወይ ውን ጾታዊ ውግንና ዘለዎም፣ ወዘተ ካልኦት ሚዲያታት እኮ መሊኦም ኣለዉ እዮም።  

ዕዳጋ ሚዲያ ዓድና ድማ እታ ዝንኣሰት ረቛሒ ሞያዊ ኣሰራርሓ ኒውስ ሚዲያን፤ ናፅነት ጋዜጠኛታትን ስለዘየኽብር እንዳ ሌላን ጉሌላን እዩ። መብዛሕትኦም ትካላት ሚዲያ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ስለዝውነኑ (ወይ እውን ጭዋዳ ፋይናንስ ዘለዎም ንሳቶም ስለዝኾኑ)፣ ኣብ ስልጣን ንዘሎ ሓይሊ ብቅሉዕ ፕሮፖጋንዳ/ኣክቲቪዝም ዘገልግሉ እዮም። ስለዝኾነ ድማ ፖለቲካዊ ውግንና እንተዘይሃልዩካ ኣይትቑፀርን ወይ እውን ምስኦም ንምፅናሕ ክተምስል ኣለካ።

ብሕጋዊ ዋንነት ካብ መንግስቲ ኢድ ወፃእ ዘለዉ እውን እንተኾኑ ብተዘዋዋሪ ፅልዋ መንግስቲ ዝዓረፎም እዮም ወይ ድማ ምእንተ ህልኹ ብተፃራሪ ኩርናዕ ጠጠው ዝበሉ ማሽናት ኣክቲቪዝምን ፕሮፖጋንዳን እዮም። ስለዚ ናብኦም ንምፅጋዕ እውን ካልእ ውግንና ከድሊ እዩ። ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ዕዳጋ ሚዲያ ሞያዊ ልህቀት የለን፤ መሰል ማዕረ ዕድል ቁፃሮ ስራሕ ዝብልዎ ዘረባ ሕንቅሕንቅሊተይ ይኸውን።

ብውልቆም ሚዲያ ክውንኑ ፍቓድ ዝሓቱን፣ ካብ ቤት ዕዮ መንግስቲ ስፖንሰር ዝግበሩ ኾኑ ማስታወቂያ ዝሕርጎቶምን እውን ንመንግስቲ/ገዛኢ ውድብ ብዘለዎም ቅርበት ልክዕ እናተመዘኑ እዩ። ሰብ ሃፍቲ እኳስ ፍርያቶም ንኸፋልጡ ምስ መንግስቲ ጠስምን-ድልኽን ኾይኖም ናብ ዝሰርሑ ሚዲያታት ምምዕዳዎም ኣይቐርን። እንተዘይኮይኑ እንታይ ከምዝበፅሖም ንሶም ኣንዳዕዲዕም ይፈልጥዎ።

ኣብቲ “መረባ መስርሕ ናፃ ዕዳጋ“ ብማዕረ ዕድል ኣቲኻ ከይትሳተፍ ብኸምዚ በሪ ይዕፀወካ። ስለዚ ብውልቀ-ሰብ ደረጃ ሞያኻ ንምሻጥ ኮነ፣ ከም ትካል ሚዲያ ኣብቲ ዕዳጋ ንምስታፍ ዘኽእል ናፅነትን ፍትሓዊ ዕድልን ኣይህልወካን። ኣብዚ ከይዲ/ስርዓት `ዚ “ኣገልግሎት ህዝቢ“/public service/ ሰለስተ ኢድ ርእሱ ልፃይ እዩ። ኩሉ ነገሩ ዋሒድ!!

በቶም ዝተገለፁ ምኽንያታት እቲ ሕጂ ዘሎ [2012 ዓ/ም] ብተግባር ዝግለፅ ኣንፈት ፖሊሲ ሚዲያ ትግራይ ረብሓ ትግራይ ዘቐድም እዩ ኢልካ ምውሳድ ኣይክኣልን። እሞ እንታይ ሓሸ? ካልኦት ዘቕርብዎ መማረፂ ኸ ኣሎ ዶ? እንታይ ይብል? ዝብል ብሓፂሩ ንርአ። ሊበራሊዝም ከም ኣልፋን ኦሜጋን ፓለቲካዊ ኣተሓሳስባ ዝኽተሉ ውድባት ክኽተልዎ ዝኽእሉ ሞዴል ኣሰራርሓ ሚዲያ እውን ንትግራይ ጠቓሚ ክኸውን ኣይኽእልን።

ሕፅረት Libertarian Media Theory ተፈሊጡ ዝሓደረ እዩ። እዚ ፖለቲካል-ኢኮኖሚ ስርዓት ንሓበሬታ ከም ዝኾነ ዓይነት ሸቐጥ እዩ ዝሪኦ። ዋጋ ክሳብ ዘውፅአ ሓበሬታ ኣብ ዓዳጋ ዝውዕል ኣቕሓ እዩ። ሚዲያታት እውን ብዋንነት ንውልቀ-ሰብ ሃፍቲ ዝተፈቐደ እምበር ብመንግስቲ (ብፍላይ ንውሽጢ ዓዲ ዝፍኖ) ክውነን ኣይድለን፣ ኣብ ገሊአን ዓድታት ድማ ኣይፍቀድን። ሙሉእ ጸጋማውያንን ውልቀ-መለኽትን መንግስታት ኣብዘለውወን ሃገራት ዓለም ኩሉ ነገር ኣብቲ ትሕቲ ቁፅፅሮም ከምዝገብርዎ፣ ኣብ ስርዓት ሌብራል ኣኽራርነት ድማ ዕዳጋን ተቖፃፅርቲ ዕዳጋን ኩሉ ነገር ትርፊ ዘውፅእ ጌርካ ናይ ምውሳድን ዕብላልን ዝንባለ ኣለዎም።

ስለዚ ኣብዞም ዓድታት `ዚኦም ሚዲያ ሓላፍነትን ህዝባዊ ኣገልግሎትን ናይ ምውሳድ ዓርሰ-ተበግሶ ይንእሶ እዩ ተባሂሉ ይውቀስ። ዋንነት ሚዲያ ብሞኖፖል ምጥቕላል እውን ስለዘሎ፣ መሕለዊ ኢኮኖሚያዊ ረብሓን ተረኽን ውሑዳት ሰብ ፀጋን ኣባላት መደብ ማእከላይ እቶት ዘለዎምን ናይ ምዃን ዕድል ኣለዎ። እዙይ ግን ብጥንኩራት ትካላት ሞያ፣ ሕግን ልዑል-ንቕሓት ዜጋታትን ቁፅፅር ስለዝግበረሉ ሓደግኡ ዝቐነሰ እዩ። ቃል-ኪዳናት ሞያዊ ስነ-ምግባር፣ ማእኸላት መፅናዕቲ ሚዲያ፣ ዩኒቨርሲቲታት፣ ንመሰል ዜጋታት ዝጣበቑ ሕግታትን ትካላት ኣድቪኬሲን፣ ሓበስቲ ንብዓት ተኸታተልቲ ሚዲያ፣ ዜጋታት ባዕሎም፣ ወዘተ ከቢቦም ነቶም ጋዜጠኛታትን ሚዲያታትን ናብ መስመር ከእትውዎም ይፍትኑ። ተሓታትነት ክህልዎምን፣ ህዝባዊ ተፀዋዕነት ክስምዖምን ድማ ይገብርዎም።

ኣብ ዓድና ሓበሬታ ከም ተራ ሸቐጥ ዝርኣየሉ ሕንቃቕ ኣይከዋጽእን። ድኽመትን ተበላፅነትን ሚዲያታት ተረዲኦም ዘቃልዑ ጥንኩራትን ዘይሻራውን ትካላት ሚዲያን መፅናዕትን፣ ከምኡ `ውን ኣኽበርትን ሓለውትን ሕጊ ዝኾኑ ትካላት መንግስቲ የለዉን። ዜጋታት እንተኾኑ ሓበሬታ ሚዲያ መሚኻ ናይ ምጥቃም ንቕሓት (media literacy) ኾነ ትኽክለኛ ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰሎም ብሚዲያ እንትጥሓስ ናብ ሕጊ ናይ ምውሳድ ወይ ብኻልእ መንገዲ ናይ ምቕፃዕ ልምዲ ኣየካዕበቱን። ስለዚ ኣንፈት መስርሕ ሊበራል ሚዲያ ዘዋጽእ ኣይመስልን። እኒ ዓረናን ካልኦት “ሊበራል ኢና“ ዝብሉ ውድባትን ካብ ስነ-ሓሳብ ፖለቲክኦም ዝብገስ መስርሕ ሚዲያ ብዙሕ ከምዘይዋፅእ ተረዲኦም እንታይ ኣማራፂ ከምዘቕርቡልና ንግዚኡ ኣይሰማዕኹን።

ብኻልእ ወገን ግን ሶሻል ዲሞክራሲ ከም ፖለቲካውን ኢኮኖሚያውን ኣተሓሳስባ ኣብ ዝትግበረሎም ሃገራት ዝትግበር መሪሕ ሞዴል ሚዲያ ኣሎ። እዚ ሞዴል- ብሓፈሻ ሕብረተሰባዊ ሓላፍነት ዝተሓንገጠ ስነ-ሓሳብ ሚዲያ (Social Responsibility Media Theory) ዝብሃል እዩ። ኣብ ክሊ እዚ ሞዴል ዝሰርሑ ሚዲያታት ብሓደ ገፅ ሙሉእ ናፅነት ዘለዎም ኮይኑ፣ ብኻልእ ወገን ድማ ወለንተናዊ ሓላፍነት ዝሽከሙ፣ ሞያዊ ግዴታ ዘለዎም፣ ሕጊ ዘኽብሩን እዮም። ኣብ ዝፅብፅብዎ ግዳይ እውን ካብ ክእለት ዝዘለለ ፍልጠትን ንቕሓትን ዘለዎም ጋዜጠኛታት ዝጠልብ እዩ።

ዕዳጋ ሚዲያ ንኹሉ ወናኒ ሚዲያ ብማዕረ ዕድል ዘሳትፍ እዩ። በዚ ሞዴል መሰረት ሚዲያታት ሞያዊ ስነ-ምግባር እንተኽቢሮም፣ ሕብረተሰባዊ ሓላፍነት እንተወሲዶም፣ ሕጊ እንተተኸቲሎም፣ ኣዎንታዊ ዝኾኑ ሓበራዊ ጸጋታትን ክብርታትን ሕብረተሰብ ኣብ ግምት እንተእትዮም፣ ዋንነቶም መንግስታዊ ኾነ ውልቃዊ ብዙሕ ዘገድስ ኣይኮነን። ኣብ ከይዲ ትግበራ `ዚ ሞዴል፣ ሊበረታሪያን ሞዴል ከምዝፈቕዶ፣ ዋንነት ሚዲያ ብሞኖፖል ከይትሓዝ ትኹረት ይግበር እዩ። ብዝሃ-ዋንነት ሚዲያ (diversity of media ownership) ብዝሃ-ሓሳብን ዓንኬል ውክልናን (diversity of ideas and scope of representation) ክሰፍሕ ዕድል ይህብ እዩ ዝብል ሓሳብ መበገሲ ይገብር። ፍሕፉሕ ውድድር ሚዲያ ክህሉ ይገብር። እዚ ባይታ ንኽፍጠር ድማ ብሕጊ ሓላዋ ይግበረሉ።

ኣብ ስርዓት ሶሻል ዲሞክራሲ ሓበሬታ ከም ዕንቊ ዝሕሰብ፣ ብሞኖፖል ዘይጭበጥ፣ መሳርሒ ለውጥን ህዝባዊ ሃፍትን (public good/common good) እዩ። ከም ህቦቡላ ንፋስ መምፅኢኡ ዘይፍለጥ፣ ወፈፍታ ዝበዝሖን ብሕሪያ ውልቀ-ሳበት ጥራሕ ንክውሰን ተሓሲቡ ከከም ነፋይኡ ንዕዳጋ ዝብተን ሸቐጥን ሸመታን ሓሩጭ ኣይኮነን። ብኻልእ ወገን `ውን “ብፁእ-በ-ኩሊኤ እየ“፣ “ሓቂ ካባይ እያ ትፍልፍል“ ብዝብል መንግስቲ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ (ናብ ህዝቢ) ዝፍኖ ኣይኮነን።

ብዓይኒ ሞዴል ሚዲያ ስርዓት ሶሻል ዲሞክራሲ ስራሕቲ ሚዲያ ብነጻነት ዝካየድ እዩ። ሓበሬታ እውን ከከም ውቃበ ሓለፍቲ ዝፍቀድን ዝኽልከልን ኣይኮነን። እንትመሓላለፍን እንትትንተንን ድማ ሓላፍነት ብዝስምዖም ሓለውቲ በሪ (gatekeepers) ኣብ ህዝብን ሃገርን ኣሉታዊ ሳዕቤን ከይበፅሕ ተመዚኑ እዩ። እዙይ ዝኸውን ግን ካብ ቤት ፅሕፈት ውድባት ናብ ስትድዮ ብዝልኣኹ ካድረታትን ሓለፍቲ መንግስትን እንተይኮነስ ሓላፍነት ብዝወስዱ፣ ሞይኦምን ሃገራዊ ፖሊሲታትን ዓዶም ብዝፈልጡ፣ ሕጊ ብዘክብሩ ጋዜጠኛታት እዩ። ነዙይ ሞያዊ ባህሪ ዝሃንፁ ኣብያተ-ትምህርቲ ጋዜጠኝነት ኣለዉዎም፣ እዙይ ባህሪ ንኸይሽርሸር፣ ናፃነት ሚዲያ ድማ ከይንካእ ዝከታተሉ ናፃ ማሕበራት ሞያ፣ ካውንሲል ሚዲያ፣ ሕግን ካልኦት ትካላት ሚዲያን እውን የጣይሹ።

ምእንተ ረብሓ ህዝብን ዓድን ክብሃል ሚዲያታት ውልቀ ኾኑ መንግስቲ ብብስለትን ሓላፍነትን ክሰርሑ ትፅቢት ስለዝግበር ፣ ሰንኪ/ኣደዳ ተፅዕኖ ዝኽኣሉ ከይኾኑ ድማ ቁጠባዊ ኪሳራ እንትበፅሖም እኳስ መንግስታዊ ካሕሳ/ድጎማ ክሳብ ምሃብ ይኽየድ እዩ። መሰረተ-ልምዓት ሚዲያ ክስፋሕፋሕ፣ ቴክኖሎጅ ሚዲያን ካልኦት እታዎታትን ኣብ ዕዳጋ ብቐሊሉ ክርከቡ ድማ ኹነታት ይመዓራረዩ እዮም። እግረ-መንገደይ እውን ኣዎንታዊ ጸጋታት ልምዓታዊ ጋዜጠኝነት ኣብ ክሊ እዚ ሞዴል ክግሃዱ ከምዝኽእሉ ከዘኻኽር ይፈቱ።

ብዝኾነ ኩሎም ሞዴላት ሚድያ ናይ ባዕሎም ድኹምን ጥንኩርን ጎኒ ዘለዎም እዮም፣ ከከም ህልዊ ማሕበረ-ፖለቲካዊውን ቁጠባውን ኩነታት ሃገራት ኣብ ተግባር ዝውዕሉ እዮም። ካብቶም ኣብ ላዕሊ ዝተገለፁ ክልተ ዓበይቲ ሞዴላት መሪሕ ትግበራ ሚዲያ ግን ብተነፃፃሪ እቲ ኣካል ስነ-ሓሳብ ሶሻል ዲሞክራሲ ዝኾነ ሞዴል ሚዲያ ምስ ህልዊ ኹነታትን ባህግን ትግራይ ዝሳነ መሲሉ ይስምዓነ፣ ብኡ ዝቃነ ምሕደራ ሚዲያ ክህልወና እውን እየ ዝምነ።

እዚ ኣተሓሳስባ ሚዲያ ዝህቦ ሞያውን ትካላውን ናፅነት ኣብቲ ባህሪ ቻይና ኾነ ቅብኢ ሶቭየት ሕብረት ዝተላበሰ ኮሚኒስታዊ ሞዴል ሚዲያ ኣይንረኽቦን። እቲ ሞያውን ትካላውን ሓላፍነት ድማ ኣብቲ ሊበራል ሞዴል ሚዲያ ይውሕደና። ብዙሑነት ሓሳብ ድማ ኣብ ክልቲኦም ንስእኖ (ኣብ ሊበራሊዝም ብዕብለላ ቢዝነስ/ሞኖፖል/፣ ኣብ ኮሚኒስታዊ ባይታ ድማ ብፖለቲካዊ ውሳነ)። እቲ ኣብ ዓድና ዝተፈተነ መስመር ወያናይ ዲሞክራሲ ዝቓንዮ ምሕደራ ሚዲያ እውን ከምቲ ዝብሃሎ ካብ ክልቲኦም ሞዴላት ዝዛየዱ ልምድታት ወሲዱ ከም ዘይትግብር ዝተዓዘብኩም ይመስለኒ። እዚ ዕድል እዙይ እንረኽቦ ኣብ ሞዴል ሕብረተሰባዊ ሓላፍነት ዝስምዖ ሚዲያ ክህሉ ዝፈቅድ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ (ብሓፈሻ ሶሻል ዲሞክራሲ) እዩ።

ነዚ ብብዙሕ መልክዑ ምስ ባህጊ ትግራይ ክሳነ ይኽእል እዩ ኢለ ዝሓስቦ፣ ሓላፍነት ስምዖን ናፅነት ዝህብን ሞዴል ሚዲያ ጋህዲ ንኽኸውን ካብ ባህሪ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስብኡ ተበጊሱ ብዕሊ ከም መማረፂ ዘቕረበ ፖለቲካዊ ሰልፊ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት) ምዃኑ ብ2012 ዓ/ም ካብ ዝነበረ ወፍሪ መረፃ ትዝክሩ ይመስለኒ። ሕዚ ኣብ ምንታይ ደረጃ ከምዘለዉ ርግፀኛ ኣይኮንኩን። ዝኽተሎ ውድብ ሃለወ ኣይሃለወ ግን ንዓይ እቲ ዝሓሸ መማረፂ ፖሊሲ ሚዲያ ክኸውን ዝግብኦ ካብዚ ዓይኒ ሞያዊ ክርክር ዝምንጩ ፖሊሲ እዩ።

መደምደምታን ሪኢቶን

ንኹሉ ነገር ድሕረ ባይታን ፍልስፍናዊ ኣመፃፅኣን ከምዘለዎ ፍሉጥ እዩ፣ ንዕኡ እዩ እውን ሚዲያ ኣብ ባዶ መሬት ዘይሰርሕ። ምስ ህልዊ ፖለቲካውን-ኢኮኖሚያውን ፖሊሲታት እውን ተኣሳሲሩ ዝኸድ እዩ። እቶም መከራኸርቲ ነገራት ከምዘለዉ ኮይኖም መንግስቲ ግን ዝሓሸ ሃዋህዉ ምህዳር ሚዲያ ዝፈቅድ ፖሊሲ ክህልዎ ኩሉ ዝፅበዮ እዩ። ቢሮ ጉዳያት ኮሙኒኬሽን ድማ ኣብዚ ኸይዲ ሓደ ዓብይ ሓጋዚ ቤት ዕዮ እዩ። ኣይተ ረዳእ ሓለፎም እውን ንሎሚ ጥራሕ እንተይኮነስ ነታ ፅባሕ ንሃንፃ ትግራይ ሓሲብኩም ሪኢቶ ሃቡ ስለዝበሉ እየ፣ እቲ ሓፈሻዊ ክርክርን ውልቃዊ ገምጋምን ዘምፃኽዎ። ስለዚ ካብ ባዶ ንጅምር ስለዘለና፣ መንግስቲ ትግራይ ኣንፈት ፖሊሲ ሚዲያ ክህልዎ ኣብ ዝግበር ከይዲ እቲ ቢሮ ዓብይ እጃም ስለዘለዎ እዞም ዝስዕቡ ልእኽቶታት ክወስድ ኣለዎ ይብል።

  1. መበገሲ ፖሊሲ ሚዲያን ኮሙኒኬሽንን ክህሉ ንመንግስቲ ትግራይ ክሕግዝ ይግባእ። ሃፍቲ ይምድብ፣ ሰብ ሞያ ይዕድም፣ መበገሲ ሰነዳት ተዳልዩ፣ ምይይጣት ተኻይዶም፣ ዝነኣሰ ንኹሉ ዘረዳድእ ዝፀደቐ ኣንፈት ፖሊሲ ክህሉ ግደ ይጫወት። እዚኣ ግደ ምትሕብባር እያ።
  2. ቢሮ ጉዳያት ኮሙኒኼሽን ብልምዲ ዓርሱ ተቖፃፃሪ ሚዲያታት ትግራይ ገይሩ እዩ ዝወስድ (ውክልና ተዋሂቡኒ እዩ ይብል)፣ እዙይ ፍፁም ስሕተት እዩ። ቢሮ ጉዳያት ኮሙኒኬሽን መንግስታዊ ሓበሬታ ንሚዲያታት ምምጋብ እምበር፣ ተቖፃፃሪ ሚዲያ (ፍቓድን ኣፍልጦን ወሃቢ፣ ከልካሊ) ክኾን ኣይግባእን፣ ኣይስርሑን። እዚ ቢሮ መንግስቲ ንሚዲያታት ከመይ ክጥቀመለን ከምዘለዎ ጥራሕ እዩ ስትራቴጂ ሓንፂፁ ክሰርሕ ዝግብኦ። ዓርሱ ከም ዓሚል (customer) እዩ ክቖፅር ዝግብኦ።
  3. ሚዲያታት ትግራይ ፍቓድ ዝህብ፣ ብሕጊ ዝቆፃፀር፣ ሓፈሻዊ ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑሉ ዝፀደቐ ፖሊሲ ንክፍፀም ዝፅዕር ናፅነቱ ዝሓለወ ሓዱሽ መንግስታዊ ኤጀንሲ/ብዓል መዚ ክጣየሽ ከምዘለዎ እዩ እዚ ቢሮ ክደፍእ ዘለዎ፣ ክሕግዝ ዘለዎ። እንተንኣሰ ግን ‘’ቁፅፅር ሚዲያ ስርሐይ ኣይኮነን’’ ኢሉ ክኣምን ኣለዎ። ካልእ ንቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ተፀዋዒ ዝኾነ ቤት ፅሕፈት ምዝገባ፣ ቁፅፅርን ሚዲያ ብኣዋጅ ፀዲቑ ብሕጊ ዘመሓድር ክጣየሽ ዘለዎ ምዃኑ ይእመን። እንተደልዩ ኣብዚ ከይዲ ምጥያሽ ኤጀንሲ ምዝገባ እውን ክሕግዝን ክሳተፍን ይኽእል እዩ።
  4. ቢሮ ጉዳያት ኮሙኒኼሽን መንግስታዊ ሓበሬታ ብኣግባቡ ንሚዲያታት (መንግስታዊ ኾና ውልቃዊ ብዘይኣድልዎ) ክዝርግሕ ድማ ልዑል ፖለቲካዊ ሓላፍነት ክወሃቦ ኣለዎ። እኹል ሃፍትን ብቑዕ ሓይሊ ሰብን እውን ክምደበሉ ይግባእ። መሓውርን ኣወዳድን እቲ ቢሮ ብዝምልከት ንበይኑ ክገልፆ እየ እምበር፣ ሕዚ እቲ ቢሮ ኩሎም ሓበሬታታት መንግስቲ ፈሊጡን ኣኾምሲዑን (internalize ገይሩ) ክዝርግሕ ዘኽእል ፖለቲካዊ ሓላፍነት የብሉን። እቲ ቢሮ ኣካል እቲ ጫፍ መሪሕነት መንግስቲ ትግራይ ምዃኑ ከረጋግፅ ኣለዎ። ኣነ እኳ ብደረጃ ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ክዳራጆ እየ ዝመርፅ።
  5. ብምሕላቕ፣ እቲ ቢሮ ንቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ እዩ ዝቐርብ፣ ዋላ ኣብ ጓጓ ላዕለዋይ ካቢኔ መንግስቲ እተተቐመጠ ተነፃፃሪ ናፅነትን ዓርሰ-እመነትን ዘለዎ ኾይኑ፣ እንተንኣሰ ብውሽጢ ነገራት ክዕርዩ ሽንጡ ገቲሩ ክከራኸር ኣለዎ። ህዝብን መንግስትን ብሕማቕ ስራሕቲ ሓለፍቲ ኣብያተ ዕዮ፣ ከብድን ሑቐን ከይኸውን ውሽጣዊ ቃልሲ የካይድ። ፅቡቕ ምስሊ መንግስቲ ዝህነፅ ብፅቡቕ ስራሕቲ እምበር፣ እቲ ቢሮ ንሚዲያ ሓስዩን ሸፋፊኑን ዘሳኽዖ ዕላማ ከምዘይኮነ ዋላ እቶም ሓለፍቲ መንግስቲ ኣፍንጭኦም ይንከሱ፣ ንድሓር ከይበለ ዝነግሮም ኽኾን ኣለዎ። ፕረዚንደት መንግስቲ ትግራይ ባዕሎም/ለን ሕመቕን ግዕዝይናን ክሽከሙ ደልዮም/የን እንተዘይከልኪሎም/ለን ድማ እዚ ቢሮ ዓብይ ሓጋዚኦም/አን ይኸውን።
  6. እዚ ቢሮ ንሚዲታት መምርሒ ከውፅእ ኣይኽእልን፣ ክቆፃፀር ኣይኽእልን፣ ወዘተ ክንብል ከለና፣ ኩለን ሚዲያታት ኣይምልከትኦን ማለትና እዩ። ንናይ መንግስቲ ሚዲያታት ኣንፈት ክህብ እየ ክብል ኣይኽእልን ኢና እውን ንብል ዘለና። መንግስቲ ምናልባት ኣባላት እዚ ቢሮ ኣካል ቦርድ ምሕደራ እተን ሚዲያታቱ ክገብሮም ይኽእል እዩ። እንተኾነ ግን ካብዚ ቢሮ ዝኸዱ ሰባት ብቦርድ ሓላፍነት እኳስ ክሽየሙ የብሎምን።

ንግዚኡ ምስ ሚዲያ ተታሒዙ እቲ ቢሮ ስርሑን ሓላፍነቱን በዚ ደረጃ እንተኾነ ፅቡቕ እዩ ኢለ ይሓስብ። ኣብ ካልኦት ጉዳያት እውን ካልእ ሓፈሻዊ ሪኢቶ ክህልወኒ እዩ።