ተጋሩ ዲያስፖራ ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንምቅላል ገንዘባዊ ሓገዝ ከምዝገበሩ ተገሊፁ ።

አብ ወፃኢ ዓድታት ኣየርላንድ፣ ማልታ ከምኡ እውን ሚላኖ ጣልያን ዝነብሩ ጉዱሳት ተጋሩ ዲያስፖራ ንዝተፀገሙ ወገናት ነበርቲ ከተማ መቐለ ገንዘባዊ ሓገዝ ኣበርኪቶም።

ተወካሊ እቶም ጉዱሳት ወገናት ዝኾነ መምህር ሙሉ ሃይለስላሰ፣ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንምቅላል ለይቲ ምስ ቐትሪ ብገንዘቦም ኣቢሎም ብዕቱብ ይሰርሑ ዘለዉ ጉዱሳት ዲያስፖራ ናእዳ ይግብኦም ኢሉ።

ብመሰረት እዚ ነበርቲ ማልታ ተጋሩ ብወኪሎም 201 ሸሕ ብር፣ ተጋሩ ነበርቲ ኣየርላንድ ዝርከቢ ተጋሩ ብወኪሎም173 ሽሕ ብር፣ ነባሪት ሚላኖ ግድስቲ ትግራወይቲ 70 ሽሕ ብር ከምዘበርከቱ ድምፂ ወያነ ትግራይ ፀብፂቡ።

ኣብቲ ገንዘባዊ ሓገዝ ዝተገበረሉ እዋን ዝተረኸባ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ከተማ መቐለ ወይዘሮ ሓያት ከድር፣ ኣብ መላእ ዓለም ዝነበሩ ተጋሩ ዲያስፖራ ስቓይ ህዝቦም ከብቅዕ ኢሎም ዝገብሩዎ ዘለዉ ሓገዝ ብምንኣድ እቲ ሓገዝ ክጠናኸር ይግባእ ኢለን።

ሓገዝ ዝተገበረሎም ወገናት ብግድኦም፣ ነቶም ሓገዝ ዝገበሩ ወገናት ብምምስጋን ካልኦት ተጋሩ ዲያስፖራ እውን ኣሰር እቶም ወገናት ክስዕቡ ይግባእ ኢሎም።