ኣብ ከተማ መቐለ ካብ ዝተመርመሩ እቶም 30% ቫይረስ ኮሮና ተረኺብዎም።

ብብርኪ ዓለም ካብ ዝተመርመሩ ሰባት እቶም 16% ቫይረስ ኮሮና ከምዝተረኸቦም ዝሓበረ ቢሮ ጥዕና ኣብ መቐለ ብኣንፃሩ ብዕፅፊ ብምውሳኽ 30% ዝተመርመሩ ወገናት ኮሮና ከምዝተትሓዙ ኣፍሊጡ።

ምርመራን ሕክምናን ቫይረስ ኮሮና ኣብ መቐለ ጥራሕ ዝተደረተ ምዃኑ ዝሓበረ መተሓባበሪ ምክልኻልን ሕክምናን ኮሮና ቫይረስ እቲ ቢሮ ዶ/ር ሓርነት ኣዳነ ኣብ ዞባታት ግልጋሎት ክህባ ዝፀንሓ ማእኸላት ምርመራን ሕክምናን ኮሮና ቫይረስ ብወረርቲ ምዝራፈን ኣዘኻኺሩ።

በዚ እውን ካብ መቐለ ወፃኢ ኣብ ዘለው ከባብታት ትግራይ ዘሎ ዝርገሐ እቲ ለበዳን ዘስዕቦ ዘሎ ሓደጋ ምፍላጥ ከምዘይከኣለ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ሓቢሩ።

ኣብ 6 ማእኸላት ንሕክምና ኮሮና ቫይረስ ዘገልግል 4000 ዓራት ምንባሩ ዘዘኻኸረ ዶ/ር ሓርነት ሎሚ ብሕፅረት ኦክስጅንን ቬንትሌተርን 25 ዓራት ጥራሕ ከምዝተረፈ ተዛሪቡ።

ንዕፅዋ ስዒቡ ኣብ ትግራይ ብዝተፈጠረ ማሕበረ-ቁጠባዊ ቅልውላው ሜላታት ምክልኻል እቲ ለበዳ ንምትግባር ዘኽእል ዘይምዃኑ ድማ መጠን ምልባዕ እቲ ለበዳ ብዕፅፊ ክውስኽ ከምዝገበሮ ኣረዲኡ።

ብብርኪ ዓለም ዝተመዝገበ መጠን ሞት በቲ ሕማም ዝተትሓዙ ሰባት 1.2% እንትኸውን ኣብ መቐለ ብክልተ ዕፅፊ ወሲኹ ክሳብ 3% ከምዝበፀሐ ዶ/ር ሓርነት ኣዳነ ገሊፁ።

ብብርኪ ዓለም ክታበት ከምሓደ መስርሕ ምክልኻል እቲ ለበዳ ተጌሩ ኣብ ግልጋሎት ብምውዓል 66% ህዝቢ ዓለም ከምዝተኸተበ ዝተዛረበ እቲ መተሓባበሪ ትግራይ መንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ብዘካየድዎ ዕፅዋ ካብ ዓለም ተነፂላ ምፅንሓ ሓቢሩ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ምስ ትካል ጥዕና ዓለም፣ ትካል መድሕን ህፃናት፣ እኖታት ንእኖታትን ብምዃን ን15 መዓልቲታት ኣብ ዝፀንሕ ወፍሪ 1.2 ሚልዮን ህዝቢ ንምኽታብ ምንቅስቓስ ከምዝተጀመረ ተዛሪቡ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ኣብ ገዝኦም ይኹን ናብ ትካላት ጥዕና ተጓዒዞም ሕክምና ዘይረኸቡ ዝሞቱ ዘለው ሰባት ንምውሓስ ኣብ ምምሕያሽ ቀረብ ናውቲ ሕክምና ምስራሕ ከምዝጠልብ ኣረዲኡ።