ፊንላንድ፡ ሓድሽ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ መዚዛ።

ኣብቲ እዋን ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮጳ ኮይኖም ንትግራይ ዝገሹ ፊንላንዳዊ ሚንስትሪ ጉዳይ ወጻኢ እቲ ሕብረት ኣብ ጉዳይ ትግራይ ጽኑዕ መርገጺ ሒዙ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ውሳነ ከሕልፍ ሰረት ዘቐመጡ እዮም።

ሐዚ መንግስቲ ፊንላንድ፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ንዘሎ ግጭታትን ሰብኣዊ ቅልውላዋትን ዝከታተል ፍሉይ ልኡኽ መዚዙ።

እቲ መንግስቲ፡ ሶማል ዝትውልዱ፣ ሱልዳን ሰይድ ኣሕመድ ንዝተባህለ ኣባል ባይቶ ነዚ ሓላፍነት መዚዝዎ።

ንሱ፡ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ተኣፋፊ መድረኽ ኣብ ዝርከበሉ እዋን ናብዚ ጽፍሒ ምምዳቡ ከቢድ ብድሆ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ ኩሉ ዝካየድ ጻዕርታት እጃሙ ንምብርካት ክጽዕር ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ኣብዚ ቀረባ ድማ ናብ ሃገራት እቲ ዞባ ዑደት ከካይድ መዲቡ ምህላዉ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ዘሎ ኵናትን ደርቂን ዝፈጠሮ ቅልውላዋት ንምፍትሑ ኣብ ምትሕግጋዝ ሓያሎ ሃገራት ፍሉያት ልኡኻት መዚዘን ኣለዋ።

ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ፖሎቲካዊ ቅልውላውን ዝበዝሐ ሰብኣዊ ቅልውላው ተኸሲትሉ ዘሎን ዞባ ዓለምና እዩ።

ሚንስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ናይታ ሃገር ዝነበሩ ፔካ ሃቤስቶ ኣብቲ ልፍንቲ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ኣምሓራን ንህዝቢ ትግራይ ከጥፍኡ ዝሕነዩሉ ዝነበረ ወርሒ ለካቲት 2013 ዓ.ም ናብ ትግራይ ከም ዝኸዱ ይዝከር።

ኣብቲ ሰራዊት ኤርትራ ንሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብጥይት ተኲሱ ክቐትል ዝፈተነሉ ጊዜ ንትግራይ ዝተዓዘቡዋ ፔካ ሃቤስቶ፡ መራሕቲ ኢትዮጵያ ህዝቢ ትግራይ ን100 ዓመት ከም ዘይለዓል ክንደቑሶ ኢና ከም ዝበሉዎም ንማእከናት ዜና ዓለም ምዝራቦም ዝፍለጥ እዩ።