ሕቡራት ሃገራት ብሳልሳይ ወገን ተፈፃሚ ዝኸውን ፕሮጀክት ምሕዋይ ትግራይ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ተፈራሪሙ።

ብኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፌደራል ብባንኪ ዓለም ተመዊሉ ኣብ ፕሮጀክት ሕውየት ትግራይ ንኽውዕል ዝተመደበ 300 ሚልዮን ዶላር ብቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ፕሮጀክት ሕቡራት ሃገራት (UNOPS) ኣቢለ ተግባራዊ ኽገብር እየ ኢሉ።

ስርዓት ኢትዮጵያ ንኣተገባብራ እቲ መደብ ምስ ቤት ጽሕፈት ግልጋሎት ፕሮጀክት ሑቡራት ሃገራት ናይ ሳልሳይ ወገን ኣተገባብራ ስምምዕ ከምዝፈረመ እውን ኣብቲ ሎሚ ዘውፅኦ ጋዜጣዊ መግለፂ ሓቢሩ።

እዚ ስምምዕ ብሚኒስትር ፋይናንስ ኣሕመድ ሽደን ወኪል ቤትፅሕፈት ግልጋሎት ፕሮጀክት ሕቡራት ሃገራት ወርቅነሽ መኮነንን እዩ ተፈሪሙ።

እቲ መደብ ብባንኪ ዓለም ዝምወል ኮይኑ፡ ኣብቲ ብግጭት ዝተሃስየ ከባቢታት ንስራሕቲ ዳግመ ህንጸት 300 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ሂቡ ኣሎ።

ቤት ጽሕፈት ግልጋሎት ፕሮጀክት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትግራይ ተበፃሕነት መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ኹነታት ኣየር ዝፃወር ማሕበረሰባዊ መሰረተ ልምዓትን ዳግም ንምህናፅን ንምምሕያሽን ዕማም ተዋሂብዎ ከምዘሎ እዮ ተሓቢሩ።

እቲ ዳግመ ህንጸት ኣካል ናይቲ ብባንኪ ዓለም ዝምወል ፕሮጀክት ኮይኑ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ንኢትዮጵያ ብግጭት ንዝተሃስዩ ማሕበረሰባት ንምሕጋዝ 715 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ሂቡ ምንባሩ ዝዝከር እንትኸውን፣ እዚ ፕሮጀክት ድማ ንሃቱ ኣካል እዮ።

እቲ “ሃገራዊ መደብ ምሕዋይ” መሰረተ ልምዓት ዳግም ንምህናጽ፡ ተበጻሕነት ኣገደስቲ ኣገልግሎታት ንምምሕያሽን ግዳያት ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽ ንምሕጋዝን ዝዓለመ ምዃኑ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

“ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ክሳብ ዝመሓየሽን መንግስቲ ብናይ ባዕሉ መሓውር ተግባራዊ ዝገብረሉ ኩነታት ክሳብ ዝፍጠርን ብሳልሳይ ወገን ዩኖፕስ ክትግበር እዮ” ይብል መግለፂ እቲ ሚኒስቴር።

ነዚ መግለፂ ስዒቡ ብወገን መንግስቲ ትግራይ ዝተውሃበ ወግዓዊ መግለፂ የለን፣ ኮይኑ ግን ኣባል ስራሕ ፈፃሚ ህውሓት ጌታቸው ረዳ “መግለፂ ፌደራል ኣይበርሃለይን መልሲ ድማ ኣናዲ ኣለኹ” ዝብል ጽሑፍ ኣብ ቲዊተር ድሕሪ ምጥቅዑ፣ ብሳልሳይ ወገን ኣብ ትግራይ ዝፍፀሙ ፕሮጀክትታት ብዘይ ፍቓድን ኣፍልጦን መንግስቲ ትግራይ ከምዘይፍፀም ዝገልፅ ፅሑፍ እውን ጠቂዑ እዮ።

እቲ ብሚኒስትሪ ፋይናንስ ኢትዮጵያ ዝወፀ መግለፂ ብዛዕባ ኣፈፃፅምኡ ኮነ፣ ኣበይ ከባቢ ትግራይ ይፍፀም ንዝብል ዘቐመጦ ሓበሬታ የለን፣ ሰፊሕ ክፋላት ትግራይ ሕዚ እውን ኣብ ኢድ ገበቲ ኣምሓራን ኤርትራን ከምዝርከብ ዝፍለጥ
እዮ።

ኣብ መንጎ ኣብይ ዝመርሖ መንግስትን መንግስቲ ትግራይን ልዝብ ንምክያድ ድሌታት ከምዘለው ብኽልቲኦም ወገናት እኳ እንተተገለፀ፣ ዛጊድ ብወግዒ ዝተገበረ ልዝብን ስምምዕን ኣብዘይተገበረሉ እዋን ዝመፅአ ፕሮጀክት ምስቲ ምኳኑ ንቡዙሓት ደለይቲ ሓርነት የሻቕሎም ኣሎ።

ኣብ ሕዳር 2020 ስርዓት ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ኣብ ትግራይ የዕናዊ ዝኾነ ኩናት ድሕሪ ምክያዶም ብርክት ዝበሉ ዓለምለኻውያን መሻርኽቲ ኢትዮጵያ ሓገዝ ኣቋሪፆምዎ እዮም።

እቲ ኹናት ብኣሽሓት ሂወቶም ንኽስእኑ፣ ኣሽሓት ትሕቲ ዕድመን ኣረጋወውያንን ዝርከብኦ ደቂ ኣንስትዮ ፆታዊ ዓመፅ ንኽበፅሐን ከምኡ እውን ብሚልዮናት ዝቑጸር ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዓፀቦ ንኽወድቅ ዝገበረ ቅልውላው እዩ።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፡ ባንኪ ዓለም ንኢትዮጵያ ዝኸውን ገንዘብ ዝኸፈተ ናይ መጀመርታ ዓቢ ፋይናንሳዊ ትካል እንትኸውን፣ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት “ምቁራፅ ተፃብኦ ንምትእትታው ሰብኣዊ ሓገዝ”ድሕሪ ምእዋጁ ዝተወሰደ እዩ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ትግራይ ውግእ ብዓቢኡ ጠጠው ኢሉን ብመጠኑ ኣዝዮ ውሑድ ዝኾነ ሓገዝ ብመንገዲ ፅርግያ ክኣቱ ጀሚሩ እዮ።

ትግራይ ግን ከም ሓይሊ ኤሌክትሪክ፣ ቴሌኮሙኒኬሽንን ባንክን ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ኣገልግሎታት ተሓሪማ ኣብ ፀገም ከምዘላን ሕቡራት ሃገራት ድማ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ኣብ ኣፍደገ ጥሜት ከምዝርከቡ ምግላፆም ዝዝከር እዩ።