ኣብ ክልል ጋምቤላ ሰዓት እቶ እቶ ተኣዊጁ።

ኣብ ከተማ ጋምቤላ ምስ እዋናዊ ኩነታት ብምዝማድ ዝረኣዩ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓሳት ንምቁፅፅር እቲ ገደብ ሰዓት እቶእቶ ምእዋጁ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ኣብታ ከተማ ብዝሓለፈ እዋን ሰራዊት ጋምቤላን ኦሮሞን ብሓባር ኣብ ዘካየድዎ ስሪሒት ብርክት ዝበሉ ዕጡቓት መንግስቲ ከምዝተቐትሉን ከምዝቖሰሉን ይዝከር።

ብተመሳሳሊ ሎሚ እውን ኣብ ከተማ ጋምቤላ ምንቅስቓስ ሰባትን ተሽከርከርቲን ካብ ምሸት ሰዓት ክልተ ክሳብ ሰዓት 11ን 30 ናይ ንጎሆ ከምዝተገደበ ተሓቢሩ።

ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ኡገቱ አዲንግ ከምዝበሎ እቲ ኣዋጅ እቶ እቶ ተግባራዊ ንክግበር ውሳነ ተመሓላሊፉ ኣሎ ኢሉ።

እቲ ሰዓት እቶቶ ኣምቡላንሳትን ተሽከርከርቲ ሓይሊታት ፀፅታን ዘየካትት ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ድሕሪ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ቅሉዕ ኲናት ምእዋጃ ሰላማ ዝሓረማ ኢትዮጵያ፡ ቅድም ኢሉ እውን ኣብ ክልላት ቤኒሻንጉል ጉሙዝ፣ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣዋጅ እቶ እቶ ተኣዊጁ ምንባሩ ይዝከር።