ኣትሌት ለተሰንበት ጊደይ ኣብ ውድድር ጉያ ኣብ ኣሜርካ ኦሬጎን ኣይሳተፍን ኢላ ከምዝነበረት ተገሊጹ።

ትግራወይቲ ኣትሌት ለተሰንበት ጊደይ ኣብ ኣሜርካ ኦሬጎን ኣብ ዝተኻየደ 10 ሽሕ ሚትሮ ጉያ ተዓዋቲት ወርቂ መዳልያ ዝኾነት ብዝበጸሓ ምንግልታዕ ኣይሳተፍን ኢላ ከምዝነበረት ኣሰልጣኒኣ ተዛሪቡ።

ብዘይ ኣሰልጣኒ ተወዳዲራ ቀዳማይ ብምውጻእ ተሸላሚት ወርቂ መዳልያ ዝኾነት ለተሰንበት ጊደይ ዋና ኣሰልጣኒ ሃይለ እያሱ ቪዛ ክረክብ ምንግልታዕ ከምዝበጸሖን ብሰንኪ እዚ ድማ ናብ ኣሜርካ ኣይከድን ኣብቲ ውድድር እውን ኣይሳተፍን ኢላ ከምዝነበረት እቲ ኣሰልጣኒ ተዛሪቡ።

ዝኾነ ይኹን ዓይነት ኣብ ዘይጎደለሉን  ወርልድ ኣትሌቲክስ፣ ናይኪን ግሎባል ኣሰልጠንቲን ናብ ኤንባሲ ደብዳበ ዋላ እንተጸሓፉ ቪዛ ክረክብ ከምዘይከኣለ ዝሓበረ ዋና ኣሰልጣኒ ሃይለ እያሱ በዚ ዝተቖጠዐት ለተሰንበት ግደይ ኣይወዳደርን ኢላ ከምዝነበረት ገሊጹ።

እንተኾነ ብዙሕ ሽምግልናን ተማሕጽኖን ብምግባር ናብ ኣሜርካ ክትከይድ ከምዝተገበረ ዝተዛረበ እቲ ኣሰልጣኒ ዝተከልከለሉ ምክንያት ከምዘይፈልጥ ተዛሪቡ።

ቅድም ክብል ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ስፖርተኛታት ብስርዓት ኢትዮጵያ ተደጋጋሚ ዓፈናን ክልከላ ጉዕዞን ይግብረሎም ምምፅኡ ይዝከር።