ናብ ትግራይ ካብ ዝበፅሐ ሰብኣዊ ሓገዝ 92 ሚእታዊ ናብ ወረዳታት ምክፍፋሉ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ገጠርን ትግራይ ኣፍሊጡ።

ይኹን እምበር 6.5 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዑል ብርኪ ጥሜትን ዓፀቦን ብምውዳቑ ኣብ ህፁፅ እዋናዊ ሓገዝ ዝተደረኸ ህይወት ይመርሕ ብምህላው ሰብኣዊ ሓገዝ ምጥንኻር ከምዘድሊ ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ እቲ ቢሮ ኣይተ ሚኪኤለ ምሩፅ ሓቢሩ።

ብሰንኪ ሕፅረት ነዳዲ 8% እቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ መኽዚን ዘይመንግስታዊ ትካላት ክፀንሕ ከምዝተገበረ ገሊፁ።

“እቲ ሐዚ ዝመፀ ሰብኣዊ ሓገዝ ቅድሚ 9 ኣዋርሕ ክወሃብ ዝግበኦ ዝነበረ 3ይ ዙር ድጋፍ 2021” ከምዝኾነ ዝጠቐሰ

ኣይተ ሚኪኤለ ምሩፅ “መንግስቲ ኢትዮጵያ ብእዋኑ ከይኣቱ ብምኽልካሉ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ንሞትን ልዑል ብርኪ ጥሜትን ክቃላዕ” ከምዝገበረ ኣረዲኡ።

“እቲ ሰብኣዊ ሓገዝ እናተቖራረፀ ይመፅእ ስለዝነበረ ሕብረተሰብና ብዝግባእ ክሕገዝ ኣይፀንሐን” ዝበለ እቲ ዳይሬክተር ኩለመዳይ ዕፅዋ መሰረታዊ ግልጋሎታት ምቕፃሉ ተዛሪቡ።

ኣብ ትግራይ 2.3 ሚልዮን ህዝቢ ብምምዝባሉ ካብ ምግቢ ብተወሳኺ ናውቲ ምግቢን መፅለሊን ዝሓዛ
ኣብ ከይዲ ምክፍፋል “እቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮ ህዝቢን ዝመፀ ቀረብ ምግቢን ዘይመጣጠን ምዃኑ ከይኣክል እቲ ዝተረኸበ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብቲ ሕብረተሰብ ዘለዎ ከባብታት ብእዋኑ ከይበፅሕ ሕፅረት ነዳዲ” ከምዘጋጠመ ተዛሪቡ።

“ቅድሚ 5 ኣዋርሕ 15 ኪሎ እኽሊ ዝወሰደ ሰብ ብህይወት እንተፀኒሑ ክሕገዝ እንትመፅእ ጥዒምካ ኔርካ ኢኻ ዲኻ ክትብሎ” ብምሕታት ዘይምምጥጣን ሓገዝ ዘድልዮ ሕብረተሰብን ቀረብን ከምዘሎ ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ገጠርን ኣይተ ሚኪኤለ ምሩፅ ኣረዲኡ።

ብሰንኪ ኲናትን ምምዝባልን ንሓደጋ ሃላዋት ዝተቓለዐ ህዝቢ “ሰብኣዊ ሓገዝ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ” ብምባል እቲ ናይ 2022 በጀት ሰብኣዊ ሓገዝ ዘይመንግስታዊ ትካላት ቀልጢፉ ክጅምር ሓቲቱ።

“እዚ እዋን እዚ 2ይ ዙር ሰብኣዊ ሓገዝ 2022 ዝቐርበሉ ክኸውን ዝግበኦ እኳ እንተነበረ ብሰንኪ ክልከላ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዝ ምምሕልላፍ ስለዘይተኽኣለ ቀረብ ድጋፍ 2021 ሐዚ ከምዝተወደአ ጠቒሱ።

ነፍሲ ወከፍ ሰብ በቢወርሑ ትግበኦ መጠን ሰብኣዊ ሓገዝ ክረክብ እንተዘይክኢሉ እቲ ዕፅዋ ተጋዲዱ ስለዝቐፀለ ናይ ምፅዋር ዓቕሙ ምድኻሙ እቲ ዳይሬክተር ሓቢሩ።