ኢትዮጵያ: “ንህዝቢ ትግራይ ከም ቆጽሊ ክረግፍ ” ከም ዝፈረደትሉ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ትግራይ ሓቢራ

ቤተክርስቲያን ትግራይ ኣብ ዘውጽአቶ መግለጺ ፤
ኢትዮጵያ: ህዝቢ ትግራይ ከም ቆጽሊ ክረግፍ ከም ዝፈረደትሉ ኣፍሊጣ።

ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ኣብ ትግራይ ክውዳእ ብዝብል ምስ ባዕዳውያን ተላፊና ዝጀመረቶ ጆነሳይድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘለኣለማዊ ቆስሊ ሓዲጉ ኣብ ምሉእ እታ ሃገር ከም ዝተባረዐ ኣዘኻኺራ።

ኢትዮጵያ ሐዚ ውን ህዝቢ ትግራይ ከም ቆጽሊ ክረግፍ ከም ዝፈረደትሉ ፤ ሐዚ ውን ይረግፍ ከም ዘሎ ብምግላጽ ፤ ሞት መከራ ህልቂት ልሙድ ኮይኑ ክነብር ትሰርሕ ከም ዘላ ኣፍሊጣ።

እታ ቤተክርስቲያን ኣብ መግለጺኣ፡ ፈጸምቲ ገበን ተሓተትቲ ክኾኑ፣ ዓጸቦ ህዝቢ ትግራይ ከብቅዕ፣ ምዕራብ ትግራይ ሓዊስካ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ኣብ ስቅያት ዘሎ ህዝቢ ረድኤት ክረክብ፣ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ዘለዉ ተጋሩ ምትሕግጋዞም ክቕጽሉ፣ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ገበን ዓገብ ክብል፣ ክረምታዊ ማእቶት ብዝግባእ ክስረሓሉን መራሕቲ ሃይማኖት ነዚ ዓጸቦ ንምሕላፍ ዝሕግዝ ጻዕሪ ክገብሩ ፀዊዓ።

ከምኡ እውን እቲ ዝበሃል ዘሎ ዝርርብ ረብሓ ተጋሩ ዘኽብር ኮይኑ ክፍጸም፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሳቐዩ ዘለዉ ተጋሩ ስቓዮም ከብቅዕ ዝጽውዕ መግለጺ ቅዋም ኣቃሊሓ።