መንግስቲ ትግራይ ኣብ ኬንያ ንዝካየድ ዘተ ሰላም ዝውክል ጕጅለ መዚዘ ኢሉ።

ገዛኢ ውድብ መንግስቲ ትግራይ ዝዀነ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ(ህወሓት)፡ ብመንጎኝነት መንግስቲ ኬንያ ኣብ ዝግበር ዘተ ሰላም ንምስታፍ ኮሚተ ምምዛዙ ወሃብ-ቃል እቲ ውድብ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምግላፁ ንኣገልግሎት ዜና ፈረንይ ብምጥቃስ ቪኦኤ ፀብፂቡ።

እንተኾነ መንግስቲ ትግራይ ዝርዝር ኣብታ ኮሚተ ተሓቚፎም ዘለዉ ውልቀ-ሰባት ከይጠቐሱ፡ እቲ ልኡኽ ንኬንያ ክሰዱ ድልው ከምዝኾነን ናብ ኣፍሪቃ ሕብረት ምልኣኽ ግን ኣድላይነቱ ከም ዘይርኣዮን ሓለፍነት ዝጐደሎን ከምዝኾነ ኣይተ ጌታቸው ተዛሪቡ።

ከምኡ እውን ኡሁሩ ኬንያታ ካብ ፈለማ ንዘተ ሰላም ከም ዝሰርሑ መጠን ኣብቲ ጉዳይ ኢድ ክህሉዎም ኣገዳሲ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

እቲ መግለፂ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ስርዓት ኢትዮጵያ ዝመዘዞ ኣካል ቀዳማይ ርክቡ ምቅናዑ ድሕሪ ምሕባሩ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ማዕኸን ዜና ቪኦኤ ከምዝፀብፀቦ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሕብረት ኣፍሪቃን ኦሊሰገን ኦብሳንጆን ዝምራሕ ዘተ ሰላም ክቕበል እንከሎ፡ ብወገን መንግስቲ ትግራይ ግን ብመንጎኘንት ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ዝምእከል ጥራሕ ከም ዝቕበሉ ሓቢሮም።

ተቓወምቲ ውድባት ትግራይ ኣብቲ ዝካየድ ዘተ ሰላም ብውክልና ህወሓት ከምዘይተኣማመኑን ተቐባልነት ከምዘይብሉን ክገልፁ ምፅናሖም ይዝከር።