ስእነት መድሓኒትን መሳርሒ ምርመራን ዝተላመደ ሕማም ቲቪ ቅልውላው ጥዕና ከምዘስዐበ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ሓቢሩ።

ኣብ ትግራይ 87 ሚእታዊ ትካላት ጥዕና ሕማም ቲቪ ንምምርማር ዘኽእል መሳርሒ ከምዘይብለን ብምጥቃስ ምልባዕ ሕማም ቲቪ ይሰፍሕ ምህላው መተሓባበሪ ጉጅለ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማማት እቲ ቢሮ ኣይተ ኣረጋይ ገብረመድህን ገሊፁ።

ትካላት ጥዕና ትግራይ ብስእነት መድሓኒትን መሳርሒ ምርመራን ዝተላመደ ሕማም ቲቪ ምሕካም ኣብ ዘይኽእላሉ ብርኪ ምብፀሐን ዝሓበረ ኣይተ ኣረጋይ “ኣብ ማእኸላት ተመዛበልቲ ሓዊሱ ኣብ ዞባታት ሰሜናዊ ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ብሰፊሑ ይላባዕ” ምህላው ተዛሪቡ።

ኣብ ትግራይ ዝነበረ ተኽእሎታት ምምማይ፣ ምፍላይን ምሕካምን ተጠቃዕቲ ሕማም ቲቪ “ኣብዚ ሐዚ እዋን ብሰንኪ ዕፅዋ መድሓኒትን መሳርሒ ምርመራን ስለዘየለ ተሓካማይ ብዝህቦ ሓበሬታ ብምድራኽ” ግምታዊ ሕክምና ክሳብ ምሃብ ምብፅሑ ኣረዲኡ።

ካብዚ ብተወሳኺ ግልጋሎት ሕክምና ንመድሓኒት ዘይተላመደ ቲቪ ዝህባ ዘለዋ 25 ሚእታዊ ትካላት ጥዕና ጥራሕ ከምዝኾና ዝሓበረ መተሓባበሪ ጉጅለ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማማት ኣይተ ኣረጋይ ገብረመድህን “እተን ዝተረፋ 75% ትካላት መድሓኒት ስለዘይብለን” ግልጋሎት ከምዘቋረፃ ተዛሪቡ።

መድሓኒትን መሳርሒታት ምርመራን ሕማም ቲቪ ብእዋኑ ምርካብ እንተዘይተኻኢሉ ካብ ቁፅፅር ትካላት ጥዕና ወፂኡ ኣብ ሕብረተሰብ ብሰፊሑ ይላባዕ ብምህላው ነቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዘጋድዶ ሓቢሩ።