“ከም ህዝቢ ኢኹም ተረጊምኩም”- ጭላስፍ ዛንታ ስቓይ ተጋሩ ቤት ማእሰርቲ ሃይቅ

ኣብ ”መዕቆቢ” ሃይቅ ዝርከቡ ተፈናቐልቲ ትግራይ ኣብ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ኩነታት ከምዝርከቡ ንያበለ ሚዲያ ገሊፆም። ነቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወለዐ ኩናት ስዒቡ ብርክት ዝበሉ ተወለድቲ ትግራይ ናብ ዝተፈለያየ መሓዩራትን መዓስክራትን ብሓይልን ዓፈናን ክውሰዱ ምርኣይ ልሙድ ዕለታዊ ተግባር መንግስቲ ኢትዮጵያ እዩ።

እቶም ብሰንኪ መንንቶም ኣብ ዝተፈላለየ መዓስከራትን መሓዩራትን ዝርከቡ ወገናት ህልው ኩነታቶም እንትገልፁ ኣዝዮ ዘስካሕክሕ እዮ። ክሳብ ሕዚ ከም መዓስከር ኮይነን ግልግሎት ይህባ ካብ ዘለዋ ቦታታት፣ ሓደ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ሃይቅ ዝርከብ ብልምዲ “ካምፖ ቱርኪ” ተባሂሉ ዝፍለጥ እዮ።

እዚ መዓስከር ኣብ ኣዝዮ ዝኸብድ ኩነታትን፣ ኣብ ሓለዋ ወተሃደራት ኢትዮጵያን ዝርከብ እዩ። በዚ ምኽንያት ድማ ነቲ ህልውን ውሽጣዊ ኩነታትን ዘርኢ ምስሊ ኮነ ሓበሬታ ምርካብ መፀገሚ ይገብሮ።

ያበለ ሚድያ ኣብቲ ውሽጢ ፀኒሖም ካብ ዝወፅኡ ተጋሩ ብዝረኸበቶ ሓበሬታ መሰረት፣ ግፍዒ ፀላእትን፣ መስካሕኽሒ ህላወ ተጋሩን ብዝተወሰነ መልክዑ ንምፍላጥ ኪኢላ ኣላ።

ኣብቲ መሕዩር ጸኒሑ ዝወፅአ ሓየሎም (ንድሕንነቱ ስሙ ዝተቐየረ)፣ ኣብቲ መዕጎሪ ቦታ ልዕሊ 3000 ተጋሩ ከምዝርከብዎን፣ ሓደ ግዜ 15 ኪሎ ፊኖ ከምኡውን ኮበርታን መተሓፃፀቢን መብሰሊ ኣቕሑትን ብቐይሕ መስቀል ምስ ቸንዳ ሓደ ንሓሙሽተ ተዋሂቦም ከምዝነበረ ይዝክር። ድሕሪ እዞም ሰለስተ ሽሕ ዝመፁ ድማ ዝኾን ዓይነት ሓገዝ ከምዘይተገበረሎምን ይገልፅ።

ሓየሎም ንፈለማ እዋን ናብቲ መዕጎሪ ማእኸል እንትኣቱ እውን መናእሰይ ተጋሩ ካብቲ ቦታ ተገፊፎም ብሰልስተ አውቶብሳት ተፃዒኖም ‘’ኣባላት ደሚሒት ክትኮኑ ኢኹም’’ ተባሂሎም ከም ዝተወሰዱን ብድሕሪኡ ድማ ደሃዮም ከምዝጠፍአን ይምስክር።

“ብፍላይ ካብ ከባቢ ምዕራብ ትግራይ ብሓይልታት ፋኖ ተኣሲሮምን ተገፊፎም ናብ ማዓስከር ሃይቅ ዝመፅኡ መናእሰይ ናብ ወተሃደራዊ ስልጠና በሓይሊ ከምዝተወሰዱ ቅድመይ ናብቲ ቦታ ዝኣተው ሰባት ነጊሮምኒ እዮም” ክብል ሓየሎም ይገልፅ።

ኣብቲ ማእኸል ቤት ማእሰርቲ ዝበፅሖም በደል እንትገልፅ፣ ‘ወተሃደራት ኢትዮጵያ ብሃበ ተረኸበ ብፍላይ ኣብ እዋን ምሸት ይወቕዑና ይፀርፍናን እዮም፣ ብፍላይ ገለ ወተሃደራት ንስኻ ተኳሲ ብርየን ኢኻ ነይርካ ንስኻ ተዋጊእኻና ኢኻ እንዳበሉ መናእሰይ ኣኪቦም ይወቕዑን ኣዝዮ ዘስካሕክሕን ግፍዒ ወትሩ ይፍፅሙን’’ ብምባል ብዓይኑ ዝርእዮ ስቓይ ይሕብር።

ነቶም ተፈናቐልቲ ዘተሓባብር መሰሎም ከይግሃስ ዝሕልው ዓለምለኸ ትካላት የለውን ድዮም ንዝብል ሕቶ ሓየሎም እንትምልስ “ኣለው እዮም፣ ተደጋጋሚ ኣኼባ ንተወለድቲ ትግራይ እናተብሃለ ይፅዋዕ፣ ኣብቲ ኣኼባ እውን ንምንታይ እዮም ኣባላት ሚኒስትሪ መከላኸሊ ሃገር ወተሃደራዊ ምልመላ ዘካይዱ’’ ኢልና ንሰራሕተኛታት HISን UNHCRን እንተሓተትና፣ ‘’ንሕና ንፈልጦ ነገር የለን፣ ነቲ መዓስከር ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዮ ዝሕልዎ፣ ናብዚ መፂእኹም እውን ዓንጨቕ ምባልኩም አቋርፁ፣ ከም ህዝቢ ኢኹም ተረጊምኩም’’ ኢሎም ዘደንፁ መልሲ ከምዝሃብዎምን ከምዘባረርዎምን ይገልፅ።

ካብ ክሊ ዕድመ 70 ክሳብ ወርሒ ዘይመልኦም ህፃናት፣ ፀገም ጥዕና ፀገም ዘለዎምን ሓራሳትን ዝርከብዎ እዚ ቤት ማእሰርቲ ዝኾነ ‘’መዕቖቢ ተመዛበልቲ’’፣ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ትግራይ ዝፀንሑ ደቂ ካልእ ብሄራት ዝኾኑ ውሑዳት ሰባት እውን ከምዝርከብዎ ሓየሎም ይሕብር።

ብተመሳሳሊ መልክዕ መንእሰይ ኣንገሶም (ንድሕንነት ስሙ ዝተቐየረ)ኣብቲ ማዕስከር ጸኒሑ ዝወፀአ፣ ኩነታት እቲ ቦታ እንትገልፅ፣ ሓያሎ ኢሰብኣዊነት ዝፍፀመሉ ቦታ እዩ ይብል። ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ናብቲ መዓስከር ከምዝኣተወ ዝዛረብ ኣንገሶም፣ ናብቲ መዓስከር ንምእታው ፍሉይ መርተዖን ናይ መከላልያ ፍቓድን ክህልወካ ኣለዎ ይብል።

ሓገዝ ዳርጋ የለን ብድሕሬና ዝኣተው ኣይረኸቡን ዝብል ኣንገሶም “ብፍላይ ቀዳመ ሰንበት መስተ ምስ ምስታይ ተተሓሒዙ ዝሰኸሩ ወተሃደራት ይዋቕዑ፣ ንሓለፍቶም ነጊርካ ድማ እቲ ኩነታት ክረጋጋዕ ይገብሩ ነይሮም” ይብል።

ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበፅሕ በደላት ንዝምልከት ሕቶ ዘቕረብናሉ ኣንገሶም “ካብቲ ቦታ ንምውፃእ፣ ዘየድሊ ርክብ እንዳመስረታ ኣብ ሓደጋ ዝወደቓ ደቂ ኣንስትዮ ከምዘለዋ” የረድእ።

እቶም ኣብ ሃይቅ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ካብ ከባቢ ደቡባዊ ክፋል ትግራይን ኣኽሱምን ዝመፅኡ እንትኾኑ፣ ብኸይዲ ቁፅሩ እናመንመነ ከም ዝመፀ ኣንገሶም ይዛረብ። “ኣብ መጀመርያ ከባቢ ብመዓልቲ 12 ኣውቶቡስ ሰብ እዩ ዝመፅእ ነይሩ፣ ድሓር ግን ብመዓልቲ ናብ 20ታት በዝሒ ሰብ ወሪዱ፣ ኩነታት ኣመፃፅኣና ስለ ንዘራረብ ብወገነይ ተገፊፉ ዝመፅአ ሰብ ኣየጋጠመንን” ይብል።

“ኣብ ሰነ 13 ኣኼባ ኢሎም ጸዊዖና ነይሮሞ፣ ቅድመይ ዝኣተው መበል ካልኣይ ግዜ ምዃኑ ሓቢሮምኒ እዮም፣ ገለፃታት ድሕሪ ምሃብ ድማ፣ ናብ ደሚሒት ተፀምበሩ ኢሎም ወረቐት ምስሃቡና፣ ቡዙሓት ሰባት ገዲፍናዮ ወፂእና፣ ዝተወሰኑ ወሲኖም ክምዝገቡ ዝተዓዘብኩ እንትኸውን፣ ከባቢ 56 ሰባት ተመዝጊቦም ተመሊስና ክንወስደኩም ኢና” ከምዝበልዎም ይምስክር።

ኣብቲ መዓስከር ኤርትራውያን እውን ከምዝንበሩን፣ ድሓር ግን ብኽልተ ኣውቶቡስ ተፃዒኖም ንዳባት ዝብሃል ቦታ ከምዝተወስዱ፣ ‘’ንጁንታ ሓበሬታ ትህቡ ነይሩኩም፣ ክሳብ ደሴ መፂኹም ተዋግኡ ነይርኩም ኢኹም’’ ብዝብል ክሲ ተዓፊኖም ዝመፁ ተወለድቲ ኣምሓራ፣ ኦሮሞ፣ ጋምቤላን ካልኦትን እውን ኣብቲ ቦታ ተዓጒሮም ኣብ ስጡም ሓለዋ ይርከቡ። ምንቅስቓስ ስለዘይፍቀድ ድማ ‘’በቢ መዓልቲ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ሸውዓተ ዝኸውን ሰብ ብሓፁር እናዘለለ ካብቲ ቦታ ይጠፍእ እዩ’’ ይብል ሓየሎም።

ካብ ትግራይ ናብቲ ከባቢ ዝመዛበል ሰብ “ኣብ ዋጃ ምስ ሰብ ዕዳጋ ተመሳሲሉ፣ ከምኡውን ንደላላ ካብ 1500 ክሳብ 3ሽሕ ቅርሺ እናተኸፈለ ይሰግር’’ ክብል ከይዲ ጉዕዞ የረድእ። እንተኾነ ግን ያበለ ሚድያ ነዚ ሓበሬታ ብኣካል ከረጋግፅ ዕድል ኣይረኸበን።

ኣብ ትግራይ ብዝተወለዐ ኣፅናቲ ኩናት፣ ህዝቢ ትግራይ ሕዚ እውን መሰረታዊ ግልጋሎት ተሓሪሙ፣ ኣብ ዓፀቦ ዝርከብ። ብኽልቲኦም ተጓነፅቲ ሓይልታት ንልዝብ ቅሩባት ምኳኖም ድሕሪ ምግላፆም፣ መንግስቲ ትግራይ ትማሊ ኣባላት ጉጅለ ዘተ ከም ዝሰየመ ኣፍሊጡ እዩ። መንግስቲ ፌደራል ቅድሚ ሰሙን ተደራደርቲ ምስያሙ ዝዝከር እዩ።

12 ሓምለ 2014 ዓ/ም

ያበለ ሚዲያ

YouTube: https://www.youtube.com/c/YabeleMedia

Twitter: https://twitter.com/YabeleMedia

Website: https://yabelemedia.com

Facebook: https://www.facebook.com/YabeleMedia1/

LinkedIn: https://www.linkedin.com/in/yabele-me

GoFundMe: https://gofund.me/b35a1736