ጉዳይ ዘተ: ምትሕውዋስ ቅድመ ኹነትን ‘ዘይንዋገየሎም’ ዛዕባታትን

ብሙሉ በየነ

ዝገጠመና ናይ ህልቀት ኲናት ዕልባት ንምሃብ ዘተ ከም ሓደ መስርሕ ይሙከር ከም ዘሎ ካብ ዝንገር ፀኒሑ አሎ። እንተኾነ ግን ኣብ ልዕሊ እቲ መስርሕ ዘተ ብዙሓት ሕቶታት ይቐርቡ፣ ጥርጣረታት ይግለፁ ኣለዉ፡፡

እዚኣቶም ብቐንዱ ፀላኢ ንሓቃዊ ዘተ ድሌት ከም ዘለዎ ዝሕብር ግብራዊ ስራሕ ዘየርኣየ ምዃኑ፣ ብዘይውሳነ ዝጠፍእ ዘሎ ግዜ አብ ልዕሊ ትግራይ ዝህልዎ ፅልዋ አብ ግምት ብምእታው፣ ልዝብ ቀንዲ ረብሓታት ትግራይ አብ ምስኻዕ ዘለዎ ዝተሓተ ዕድልን፣  አብ ውሽጢ ናይ ትግራይ ወገን ዝለዓል ሕቶ ሱታፌን መሰረት ይገብሩ፡፡ እዚ ርዱእን ጉቡእን እዩ፣ መልሲ እውን የድልዮ። 

እዚ ከም ዘሎ ኾይኑ፣ ክሳብ ሕዚ አብ ዝተፈፀሙን ይቕፅሉ አብ ዘለዉን ከይድታት ዘሎ ምጉዳል ግልፅነት ድማ ኻልእ፣ ብዙሕ ትኹረት ዘይረክብ ዘሎ ዛዕባ እዩ። ብመሰረት ክሳብ ሕዚ ይወሃብ ዘሎ ሓበሬታ ግልፅነት ካብ ዝጎደሎም ዛዕባታት ሓደ አብ መንጎ ቅድመ-ኹነት ዘተን፣ ናብ ዘተ ዘይአትዉ ዛዕባታትን ዝግበር ምትሕውዋስ ተፀራሒ እዩ። 

ምስ’ዚ ተተሓሒዙ ዓይነት እቲ ዝእቶ ዘሎ ዘተ እውን ግልፅነት የብሉን፡፡ ብሓፂሩ እቲ ዘተ ምቁራፅ ተፃብኦ ብዝምልከት ስምምዕ ንምብፃሕ ዝዓለመ ድዩ ወይስ ነዊሕ እዋን ዝወስድን መሰረታውን ዝኾነ እማመ ሰላም ንኽግበር እዩ ንዘተ ድልዋት ኢና እንብል ዘለና ዝብል ሕቶ ዕልባት ኣይተዋህቦን፡፡ 

ኣብታ ቀዳመይቲ ንምትኳር፣ ብሓፂሩ ቅድመ-ኹነት ማለት ሓደ ወገን ናብ ዘተ ንኽኣቱ ክማልኡ ዝግበኦም ጠለባት እንትኾኑ፣ ናብ ዘተ ዘይአትዉ ዛዕባታት ክበሃል ከሎ ድማ ናብ መስርሕ ዘተ ምስ ተኣተወ ሕድገት ዘይግበረሎም ወይ እውን ብተደጋጋሚ ከም ዝበሃል ‘ኣሕሊፍካ’ ዘይወሃቡ መርገፅታት ወይ ቀያሕቲ መስመራት እዮም።

ንአብነት ወረርቲ ካብ መሬትና ምውፃእ ከም ቅድመ-ኹነት ምቕማጥ ማለት፣ “ኩሎም ሓይልታት ካብ መሬት ትግራይ እንተይወፅኡ ናብ ዘተ አይንአቱን” ማለት እንትኾን እዚ ‘አይንዛተየሉን’ ምባል ድማ ፀላእቲ ካብ ዝሓዝዎ ቦታ ከይወፁ ናብ ዘተ ክንአቱ ድልዋት ኢና፣ እንተኾነ ግን አብቲ ዘተ ዝተወረረ ግዝአት ትግራይ ብዝምልከት ናይ እንካን ሃባን ርእሲ አይንገብሮን ከም ማለት እዩ።

ዋላ’ኳ ኣብ ክልቲኦም ምምስሳል እንተሃለወ፣ ብዙሕ ግዜ ዝቕመጡ ቅድመ ኹነታት እቲ ዘተ ዋላ ቁሩብ ዕድል ንኽህልዎ ዝሕብሩን ብቐሊል ክፍፀሙ ዝኽእሉን መሰረታውያን ጠለባት ተላዘብቲ እንትኾኑ ‘ናብ ዘተ ዘይአትዉ ዛዕባታት’ ድማ ንተዛታዪ ወገን ብጣዕሚ አገደስትን በቲ ወገን ናይ ግድን ናይቲ ዘተ ውፅኢት ክኾኑ ዘለዎምን መርገፅታት እዮም፡፡ ኣፈፃፅማ እዞም ካልኦዎት ዛዕባታት ብዙሕ ዝርርብ ከድልዮም ከም ዝኽእል እውን ኣብ ግምት ይኣቱ፣ ብቐንዱ ዓበይትን ዘላቕነት ዘለዎምን ውፅኢት ዘተ ስለዝኾኑ። 

ቅድመ-ኹነትን ናብ ዘተ ዘይአትዉ ዛዕባታትን ብዝምልከት ካብ ዝሓለፉ ሰሙናት ጀሚሩ ብዙሕ ሓሳብ ይወሃብ አሎ። ካብ አካላት መንግስቲ ትግራይ ብመልክዕ መግለፂ፣ ቃለ መሕትትን ብፅሑፍን ካብ ዝወፁ ሓበሬታታት ብምብጋስ አብዚ ጉዳይ ክልቲኡ ተሓዋዊሱ ይቐርብ ከም ዘሎ ምርዳእ ይክኣል።  

ንአብነት እተን ሓሙሽተ ነጥብታት ማለት እውን፦ 1) ምዕቃብ ሰራዊት፣ 2) ምውሓስ ግዝአት ትግራይ፣ 3) ምስላጥ ህዝበ-ውሳነ፣ 4) ምርግጋፅ ተሓታትነትን፣ 5)  ሕቶ ካሕሳን) ብበዝሒ “አይንዋገየለንን” ወይ ድማ “ኣይንደራደረለንን”  እናተባህላ ክቐርባ ቀንየን።

ሕልፍ ክብል ድማ ካብተን ሓሙሽተ ገሊአንን አብአን ዘየለዋ ካልኦትን፣ ንአብነት ምእታው ሙሉእ ሓገዝ፣ ምምላስ ወይ ምኽፋት መሰረታዊ አገልግሎታትን ምፍታሕ እሱራትን ሓዋዊስካ ‘’እዙይ ከይተማለአ ከመይ ኢልና ናብ ዘተ ክንቀርብ’’ ብዝብል አገላልፃ ከም ቅድመ-ኹነት ኮይነን ክቐርባ ንዕዘብ። አብ ሓንቲ ቃለ-መሕትት ድማ “ቅድመ ኹነት አለኩምዶ” ንዝብል ግልፂ ሕቶ፣ “እወ አለና” ዝብል መልሲ ተዋሂቡ፣ እተን ሓሙሽተ ነጥብታት ድማ ተፀሪሐን። ብሓፈሽኡ፣ ምትሕውዋስ ብግልፂ ይረአ፣ ንፅረት ዛዕባታት ይጎድል ኣሎ። 

ካብዘን ዝተዋህባ መግለፅታት ከም ንዕዘቦ ካልእ ዘይንፁርነት እውን አሎ። ንሱ እውን ቅድመ-ኹነት ይኹን ካልእ ንመን ይግለፅ ከም ዘሎ ብዝምልከት እዩ። አብ ገለ ከም ቅድመ-ኹነት ዝመስላ ጠለባት ሳልሳይ ወገናት (ሕልፍ ኢሎም ኣሸማገልቲ እናተብሃሉ ይፅርሑ) “ክማላአ እየን”፣ “ኣብዪ ኣሕመድ ሕራይ ኢሉ እዩ ኢሎምና’’፣ “ናብ ዘተ ንምእታው ተስማዕሚዕና’’ ዝዓይነቱ ሓሳብ ይወሃብ።

ብተመሳሳሊ መንገዲ “ንኣሸማገልቲ አካላት ከምዚ ኢልናዮም ኢና” እውን ይበሃል እዩ፡፡ እዚ ቅድመ-ኹነት ከም ምቕማጥ ተገይሩ ክውሰድ ኣይኽእልን። ብእኡ መልክዕ ይቐርብ ስለ ዘየለን እቲ ዝበሃል ሓቂ እንተዝህሉ ነይሩን፣ ነዚ ዘመላኽት ብወገን ስርዓት ኢትዮጵያ እቲ ዝነኣሰ መተኣማመኒ ዝኾን ሓገዝ ክኣቱ ክፈቅድን፣ ዝቕፅሎ ዘሎ ጎስጓስ ውግእን ፅልእን ክቕንስን ኣይርአን ዘሎ፡፡

አብ ካሊእ እዋን ድማ “እዚአን ክማላአ ከም ዘለወን ንህዝብና እናገለፅና ፀኒሕና ኢና” ዝብል ኣገላልፃ ይስማዕ። እዚ እውን ብመንፅር ምፍጣር ግልፅነት እንተርኢናዮ ብዙሕ ረባሕታ የብሉን። ንህዝቢ ዝንገሮ ዘሎ፣ ነቲ ክፍፅም ዝግባእ ተዛታዪ ወገንን ኣሸማገልቲ ክኾኑ ንዝኽእሉ ኣካላትን ብማዕረ እንዳበፅሖ ስለዘይኮነ።  

ሓደ ሓደ ግዜ ድማ “እቶም ቅድመ ኹነታት መሊስና ዘይፀራሕናዮም ቅድሚ ሕዚ ዝበልናዮ ስለ ዝኾነ፣ ሰብ ከይሰላቾ ኢልና ኢና” ይበሃል። በቢግዚኡ ዝቀያየር መግለፅታት ምስ ምኳኑ ተተሓሒዙ፣እዙይ እውን ቅቡል አይኮነን።

ብተወሳኺ ድማ “ካብዚ ንላዕሊ ሓበሬታ ምሃብ ንፀላኢ ምሕጋዝ ስለ ዝኾን’’ ዝብል ምኽንያት ይስማዕ እዩ። ናብዚ ስግኣት ከይተኣተወ ንህዝብን ንዝምልከቶን ምዝርጋሕ ስለዝከኣል፣ እዚ እውን ኣካል ጉድለት ግልፅነት ገይርካ ዝውሰድ እዩ። አብዚ አብ ግምት ክአቱ ዘለዎ ሓደ ቁውም-ነገር ድማ መብዛሕትኦም መግለፅታት ብቐንዱ ብትግርኛን አምሓርኛን ዝወሃቡ ምኳኖም እዩ። 

ኣብዚ ‘ጉዳይ ዘተ’ ዝረኣ ዘሎ ዘይንፁርነት ብዝምልከት ዝህልዉ ትዕዝብትታት ብኸምቲ ዝተገለፀ ፀሚቚካ፣ አየነኦም ቅድመ ኹነት ይኹኑ፣ አየነኦምከ ናብ ልዝብ ዘይአትዉ ኮይኖም ይቕረቡ፣ አብ ዝብል ናይ ፍረ ነገር ሕቶ፣  ሓሳብ ንምሃብ ግን ብዙሕ ሓበሬታ ከም ዘድሊ እሙን እዩ።

አብዚ ኸይዲ እዚ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ዓይነት እቲ ዝእቶ  ዘሎ  ዘተ፣ ወድዓዊ፣ አንፃራዊ ሓይሊ ሚዛንን ዝተነፀረ መዕለቢ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ወሰንቲ ግደ ኣለዎም፡፡ ማለት እውን ኣብዚ ዛዕባ ዝግበሩ ውሳነታት እቲ ዘተ “ውዕል ምቁራፅ ተፃብኦ”  ንምብፃሕ ጥራሕ ድዩስ ልዕሊኡ ይኸይድ?  ንዝብል ሕቶ ዝወሃብ መልሲ፣ ህልው ሓይሊ ወገንን ፀላእን ብርትዓዊ መንገዲ ምግባጥ፣ ጉዳይ ግዘ፣ ምስኡ ክመፅኡ ዝኽእሉ ሳዕቤናትን ተወሰኽቲ ዓቕምን ብአግባቡ አብ ምምዛንን፣ ኣብ እንታይነት ዝቕመጥ ከም ናይ መወዳእታ ሽቶ እቲ ቓልስን ይድረኽ፡፡

እዙይ ከም ዘሎ ኾይኑ፣ ካብ ዘለዉ ትዕዝብትታትን ሓቅታትን ተላዒልካ፣ እቲ ዝእቶ ዘተ ንግዚኡ ኣብ ምቁራፅ ተፃብኦ ክሕፀር፣  ማእቶት ሕርሻ ዝሓወሰ ኩሉ ዓይነት ሓገዝ ከይአተወ፣ መሰረታዊ ግልግሎታት እንተይተጀመሩ፣ ብዙሕ ሽሕ ህዝቢ አብ ዝኸፍአ ማእሰርቲ አብ ዘለሉ እዋን ዝግበር ልዝብ ዘምፀኦ ጥቕሚ ስለዘየለ እዞም ጠለባት ከም ቅድመ-ኹነት ጌርካ ምቕራብ ብወገን ትጋይ እቲ ዝነኣሰ ጠለብ ክኾን ኣለዎ። እዚኣቶም ንሰማዒ እውን ቅቡላት እዮም።

ስለዚ እንተንአሰ እዚኦም ብግዜ ተገዲቦም ብዕሊ ከም ቅድመ-ኹነት ኽኾኑ ይግባእ። እንተኾነ ግን እዚ ንምጥላብ ዘኽእል ግብራዊ ኹነታት አሎዶ ንዝብል ሕቶ ዝወሃብ መልሱ ኣከራኻሪ ክኸውን ይኽእል እዩ። ከም ዓቕምታትናን ካብቲ ዘተ እንፅበዮ ትርፊ ኣብ ግምት ብምእታውን፣ ሰራዊት ፀላኢ ካብ ኩሉ ዝጎበጦ መሬት ትግራይ ክወፅእ ከም ቅድመ-ኹነት ምቕራብ እውን ዋላ ንዘተ ምቁራፅ ተፃብኦ ምቕራብ ስለ ዝከአል።

ኣብዚ፣ ዝረኣ ዘሎ ዘይንፁርነት ኮነ ተባሂሉ ድዩ ዝትግበር ዘሎስ፣ ብዕሽሽታ?  ዝብል ሕቶ ምልዓል ግቡእ ይኸውን። ንግዚኡ ነዚ ሕቶ ንምምላስ ዘኽእል ብቑዕ መርትዖ ዘይክህሉ ይኸውን፣ እንተኾነ ግን ቅድሚ ሕዚ፣ ብፍላይ ቅድመ-ኹነት ዘተ ኣመልኪቱ ምስ ዝነበረ ግልፅነት እንትረአ፣ ናይ ሕዚ ኣድህቦ ብምስኣን ዝተገብረ እዩ ኢልካ ንምሕሳብ ዘድፍር ኣይኮነን። ኮነ ኢልካ ይፍፀም እንተድኣ ሃልዩ፣ ዝህልዎ ጥቕሚ እንተንአሰ ነዚ ፅሓፋይ ግልፂ አይኮነን። 

እቲ ዘስማዕምዕ ግን አብዚ ጉዳይ ግልፅነት ከም ዘድሊ ጥርሕ እዩ። ብቐንዱ ንዓና ንተጋሩ፣ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ንመሳለጥቲ ዘተን ንተዓዛብትን ግልፅነት ትፅቢታቶም ክግደብ አብ ምግባር ልዑል ተራ ይህልዎ። አብዚ ቀዲምካ ግልፅነት ምሓዝ ብተቓራኒ ሓይሊ ኮይኑ ናብቲ ዘተ ንዝቐርብ ሓይሊ ፀላኢ እውን ናብ ምክልኻል ስለዘእቱ አድላይነቱ ልዑል ይኸውን።  

ሕዚ ብዘሎ ኹነታት ቀንዲ ስግኣት፣ “ንዘተ ካብ ብጊሓቱ ጀሚርና ድልዋት ነይርና” እናበልና፣ ግን ድማ ብዘይንፅረት እንትንሳለ፣ ፋሽስቲ ስርዓት ኢትዮጵያ አብ ቀረባ እዋን ብዙሕ ቅድመ ኹነትን ዘይሕለፉ ነጥብታት ዘተን ብግልፂ ቋንቋ፣ ብፅሑፍ ዘርዚሩ ብዕልን ብልዑል ድምቀትን ንዓለም ከፍልጥ እዩ። እዚ ምስ ዝኸውን ከም ልሙድ ትግራይ ናብ ምክልኻል ትአቱ፣ ዘይግቡእ ፅዕንቶ ይበዝሐና! 

ነዚ እውን እዩ ንነዊሕ ግዜ፣ ብቡዛሓት ኣካላት ኩሉ ዝሓቖፈ፣ አብ ምምራሕ እቲ ቓልሲ ብሓፈሻ፣ ዘተ አመልኪቱ ድማ ብፍሉይ ብዙሕ ሕቶ ሱታፌን ወሳንነትን ይለዓል ዘሎ። እዙይ ብቕልጡፍ ግቡእ መልሲ ክወሃበሉ ከም ዝግባእ ድማ ይግባእ።

“ሙሉእ ዓቕሚ ትግራይ ምጥቃም” ዝብል ካብ መትከል ሓሊፉ፣ ብዓይኒ መሰል ክረአን ግብራዊ መልሲ ክወሃቦን ይግባእ። ሕዚ እውን አይረፈደን። ሕቶ ሱታፌ ሕቶ ደረቕ ሕጊ ከም ዘይኮነ ብምእማን፣ ንኹሉ ትግራዋይ ዘዕስል ፖለቲካዊ ምርድዳእ ክበፅሐሉ ግቡእ ስለዝኾነን ስለዘዋፅእን ድማ ብዙሕ ሰብ ክምሕፀን ንዕዘብ ኢና። እቲ ዘዋፅእ መንገዲ እውን ንሱ እዩ።

ናብ ዘተ ምእታውና ዘይተርፍ እንተኾይኑ ምንፃር ቅድመ ኹነትን፣ ናብ ዘተ ዘይአትዉ ዛዕባታት ምፍላይን ግዘ ዝህቡ ዕዮታት ኣይኮኑን። ስለዝኾነ ድማ አብዘን ነጥብታት አብ ዝሓፀረ እዋን እንተንአሰ ተወከልቲ ሰልፍታት ፖለቲካን አብዚ ርእሲ ፍልጠትን ተሞክሮን ዘለዎም ተጋሩን ዝሐዘ ስጡም መማኸሪ ቤት ምኽሪ ተጣይሹ፣ ዘትዩ፣ ኩነታትና ዝፈቕዶ፣ ረብሓና ብዘኽብር መልክዑን ብግልፅን፣ ብትግርኛ፣ ብእንግሊዘኛን አምሓርኛን ንኹሉ ምዝርጋሕ ይግባእ። ኩሉ ነገር ንውሽጢ ሒዝካ፣ ብተደጋጋሚ እናተቐደምካ፣ ቅድሚ ሕዚ ዘጥፍአና ሓይሊ ትግራይ እናግለልካን ዝግበር ኣኽሳሪ ጉዕዞ፣ ሎሚ ኣብዙይ ደው ክብል ኣለዎ፣ ስለዘይጠቕመና!!