መንግስቲ ሶማሊያ፡ ወታደራት ሶማልያ ኣብ ኲናት ትግራይ ምስታፎም ኪሒዱ።

ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ፕሬዝደንት ሶማልያ ዓብደልከሪም ዓሊ ካር ወታደራት ሶማሊያ ኣብ ኲናት ትግራይ ምስታፎም ሕሶት እዩ ክብል ገሊጹ።

ኣብ ኤርትራ ዝሰልጠኑ ወታደራት ሶማሊያ ኣብ ኲናት ትግራይን ብመንግስቲ ኢትዮጲያ መሪሒነት ኣብ ዝተፈጸመ ጨፍጫፍ ከምዝተሳተፉ ብተደጋጋሚ ዓለም ለኻዊ ትካላትን ሚድያታትን ዝጸጸባ እንትኸውን ሓዱሽ  መንግስቲ ሶማሊያ ግን ኣብቲ ኲናት ተሳቲፎም እዮም ዝብል ዘረባ ሓሜታ እዩ ክብል ነጺግዎ ኣሎ። 

ውሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ፕሬዝደንት ሶማሊያ ዓብልከሪም ዓሊ ካር ኣብ መግለጺኡ ‘ብዘይካ ሕሜታ ሰራዊት ሶማሊያ ኣብ ኲናት ትግራይ ምስታፎም ዕላዊ መግለጺ ሰሚዕኹም ትፈልጡ ዲኹም’ ብምባል እቲ ምስታፎም ዝምልከት ዝልዓሉ ሓሳባት ሕሶት ከምዝኮነን 5ሽሕ ዝኾኑ ኣብ ኤርትራ ይስልጥኑ ከምዘለውን ናብ ሃገሮም ድማ ከምዝምለሱ ተዛሪቡ።

ፕሬዝደንት ሶማሊያ ነበር መሓሙድ ዓብድላሂ ፎርማጆ ካብ መዝነቱ ክለቅቅ ኣብ ዝነበረ ምንቅስቃስ ሃለዋት እዞም ኣብ ኤርትራ ዝስልጥኑ ዝነበሩ ወታደራት ከምዝኮነ ዝፍለጥ እንትኸውን ኣብ ኲናት ትግራይ ተሳቲፎም ብዙሓት ከምዝጠፉ ወለዲ እቶም ወታደራት ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።

እንተኾነ ሓዱሽ ፕረዝደንት ሃገረ ሶማሊያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣብ ኤርትራ ንኣርባዕተ ማዓልታት ዑደት ብምግባር መዘክር ሓባራዊ ስምምዕነት( memorandum of understanding) ዝተፈራረሙ እንትኸውን ምስ ፕረዝደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብምኻን ወታደራት ሶማሊያ እዮም ዝተበሃሉ ውሑድ ቁጽሪ ዘለዎ ወታደራት እውን ከምርቅ ብመስኮት ቴሊቭዥን ተራእዩ።

እንተኾነ ሕብራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሰነ ኣብ ዘውጸኦ ፀብፃብ ወታደራት ሶማሊያ ኣብ ኲናት ትግራይ ከምዝተሳተፉ ዘቃለዐ እንትኸውን ኣብ ኣኽሱም ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ግህሰት ሰብኣዊ ምሰላትን ገበናትን ተስተፍቲ ከምዝኮኑ ምፍላጡ ይዝከር።

እዚ መግለጺ መንግስቲ ሶማሊያ ነዚ ዕውደት ሲዒቡ ዝተወሃበ እንትኸውን እቲ መገልጺ ኣብ መንጎ ሓዱሽ ፕሬዝደንት ሶማሊያን መንግስቲ ኤርትራን ዝተበጸሐ ስምምዕነት ንምጽናዕን ካብ ወልዲ እቶም ሰራዊት ክልዓል ዝጸነሐ ሕቶ ንምዕጋስን ከምዝተገበረ ተዓዘብቲ ይዛረቡ።