ኣሜሪካ፡ ጥምየት ከምመሳርሒ ኲናት ምጥቃም ዝኹንን ሕጊ ንምፅዳቕ ውሳነ ኣሕሊፋ።

ኣሜሪካ፡ ጥምየት ከምመሳርሒ ኲናት ምጥቃም ዝኹንን ሕግን ውሕስና ምግቢ ኣብ ምርግጋፅ ትኹረት ክግበርን ዝቐረበ መበገሲ ሓሳብ ንምፅዳቕ ውሳነ ከምዘሕለፈት ተገሊፁ።

እቲ መበገሲ ሓሳብ ብሰናተር ኣሜሪካ፡ ጄፍ መርክሌይ ዝቐረበ ክኸውን ከሎ ሴኔት ኣሜሪካ እዚ ተግባራዊ ንምግባር ውሳነ ምሕላፍ ከምዝድግፎ ሓቢሩ።

ከምኡ እውን ጥምየት ፈፂሙ ከምመሳርሒ ኲናት ኮይኑ ተግባራዊ ክኸውን ከምዘይብሉ ሴናተር መርክሌይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ትዩተሩ ኣተሓሳሲቡ።

ስርዓት ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኲናት ካብ ዝእውጅ ጀሚሩ ኣብ ትግራይ ዝነበሩ መሰረታዊ ልምዓታት ሙሉእ ብሙሉእ ብምዕናው ጥሪቱን ሃብቱን ከይጥቀም ገይሩ እዩ።

ከምኡ እውን እቲ ስርዓት ኣብ ትግራይ ኩሉ ዓይነት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ደው ብምባልን 360 ድግሪ ክትዕፆን ክትክበብን ብምግባርን ካብ ደገ ካብ ለገስቲ ዓድታት ሓገዝ ረዲኤት ከይኣቱ እናኸልከለ ምምፅኡ ዝዝከር እዩ።