ኣብ ዓፋር ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝተፈጸመ ጅምላዊ ቅትለት ዘቃልዑ ተጋሩ ከምዝተኣሰሩ ተገሊፁ።

ኣብ ዓፋር ጅምላ መቓብራት ተጋሩ ዘቃልዑን ዓጸቦ እሱራት ዘቃልሑን ኣስታት ሽዱሽተ ተጋሩ ብሓይልት ፀጥታ ኢትዮጵያን ዓፋርን ከምዝተኣሰሩ ተገሊፁ።

ምኽንያት መእሰሪኦም ድማ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ተዘርጊሑ ዝቐነየ ዘስካሕክሕ ኩነታት ተጋሩ ኣብ ዓፋር ዘቃልዕ ጅምላ መቓብራትን ሕማምን ጥሜትን ዘቃልዕ ሓቂ ኣውፂእኹም ተባሂሎም ከምዝተኣሰሩ ተፈሊጡ።

እቶም ሰለማውያን ተጋሩ 13 ሓምለ 2014 ዓ.ም ብትእዛዝ ሓይልታት ፀጥታ ኢትዮጵያን ኣዛዚ ፖሊስ ኮሚሽን ክልል ዓፋርን ከምዝተወሰዱን ሐዚ ኣበይ ከምዘለው ከምዘይፍለጥን ፍልፍላትና ገሊፆም።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ካብ ሸኸትን ኸባቢኡን ተገፊፉ ናብ ሰመራ ዝተወሰደ ማእለያ ዘይብሉ ትግራዋይ ብሕማምን ጥምየትን ምማቱ ዘቃልዕ ምስሊ ጅምላዊ መቓብር ወፂኡ ነይሩ።

ኣብ ዓፋር ከተማ ሰመራ ማእኸል መዳጎኒ ኣስታት 12 ሽሕ ተጋሩ ክትገልፆ ኣብ ዘስካሕክሕ ስቓይ ከምዘለው ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈላለዩ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰል ብዘይዝኾነ ምኽንያት ኣብ መዳጎኒ ማእከል ተዳጊኖም ዘለው ተጋሩ ብህፁፅ ክፍትሑ ፃውዒት ምቕራቦም ይዝከር።