ኣብ ሃገረ ኢንግሊዝ፡ ትግራዋይ ተመራቒ ኣብ ስነስርዓት ምርቕኡ ንጆኖሳይድ ትግራይ ኣቃሊዑ።

ኣብ ሃገረ ኢንግሊዝ፡ ትግራዋይ ተመራቒ ኣብ ስነስርዓት ምርቓ ትምህርቱ ባንዴራ ትግራይ ሒዙ ብምውፃእ ንጆኖሳይድ ትግራይ ኣቃሊዑ።

እቲ ሚልዮን ስዩም ዝተብሃለ ትግራዋይ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ከተማ ለንደን ኣብ መፈፀምታ ስነስርዓት ምርቕጰኡ መማህርቱን ብርክት ዝበሉ ተዓደምትን ኣብ ዝተረኸቡሉ እዩ ነዚ ተግባር
ዝፈፀመ።

ከምኡ እውን ኣብቲ ኣዳራሽ ዝተረኸቡ ካልኦት ተጋሩ እናተቐባበሉ ዓው ጆኖሳይድ ትግራይ ደው ይበል ዝብል ድምፂ ኣስሚዖም።

ቅድም ክብል እውን ሓያሎ ዳያስፖራ ተጋሩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሕ ዘሎ ጆኖሳይድ ኣብ ኣደባባያት ዓለም ብምቅላዕን ሰበስልጣናት ኢትዮጵያ ኣብ ዝገሹለን ዓድታት እናሰዓቡ ተግባራቶም እናቃለዑን መፂኦም እዮም።