ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኲናት ዝኣወጀት ኢትዮጵያ መጠን ዕዳኣ ልዕሊ 56 ቢልዮን ዶላር ከምዝበፅሐ ተሓቢሩ።

ብመሰረት ሓበሬታ ባንኪ ዓለም ስርዓት ደርግ ካብ ስልጣን ክእለ እንከሎ ኢትዮጵያ 9 ቢልዮን ዶላር ዕዳ ከምዝነበራን እዚ ብ2006 ዓ.ም እዚ ዕዳ ናብ 2.2 ቢልዮን ዶላር ወሪዱ ከምዝነበረን ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እንተኾነ ባንክ ዓለም ብ2020 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ መጠን ዕዳ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ 30.36 ቢልዮን ዶላር ከምዝወሰኸ ተሓቢሩ።

ከምኡ እውን ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ድማ እታ ሃገር ካብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ዝወሰደቶ ልቓሕ 56.6 ቢልዮን ዶላር ከም ዝበጽሐ ንሚኒስተር ፋይናንስ እታ ሃገር ብምጥቃስ ቢቢሲ ኣቃሊሑ።

ብመሰረት እዚ እታ ሃገር ዘለዋ ዕዳ ክንዲ ፍርቂ ዕብየት ሓፈሻዊ ምህርቲ ውሽጢ ዓዲ እታ ሃገር ከምዝኾነን ኣለቃሕቲ ኣብ ጕዳይ ዕዳ እታ ሃገር ዳግመ ግምት ክህቡሉ ከምዝጀመሩ ተገሊፁ።

ብምዃኑ እውን ንኢትዮጵያ ዝለዓለ ልቓሕ ካብ ዝህባ ሃገራት ቻይናን ፈረንሳይን ንጉዳይ ዕዳ እታ ሃገር ዝምልከት ኣኼባ ከምዝመርሓኦ ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ ኣይኤምኤፍ ባንክ ዓለምን ካልኦት ትካላት ገንዘብን ከምኡ’ውን ቻይናን ካልኦት ኣለቃሕትን ኢትዮጵያ፣ ቻድን ዛምቢያን ብዛዕባ ዘለወን ዕዳ ዳግመ ግምት ንኽገብራሉ ከምዝሓተቱ እውን እቲ ማዕኸን ዜና ኣቃሊሑ።

ሰልፊ ብልፅግና ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምፅኡ እቲ ብክልተ ዲጂት ቁጠባዊ ዕብየት ከርኢ ዝፀንሐት ኢትዮጵያ ቁጠባኣ ኣንቆልቂሉ፣ መጠን ዕዳኣ ወሲኹ፣ ዓዲ ህውከትን ዕግርግርን ከምዝኾነት ይፍለጥ።

ብፍላይ ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኲናት ድሕሪ ምእዋጁ ዓበይቲ ትካላት እቲ ሃገር እናትሓዘ ብቢልዮናት ዶላራት ልቓሕ ከምዝተለቀሐን ከቢድ ኪሳራ ከምዝገጠሞን ይግለፅ።