ፍሉይ ልኡኽ ኣሜርካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ኣብ ጉዳይ ትግራይ ንምዝታይ ናብ ኢትዮጲያ ከምዝገይሽ ተሓቢሩ።

እቲ ንዴቪድ ሳተርፊልድ ተኪኡ ፍሉይ ሉኡኽ ኣሜርካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝኾነ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ኣብ ጉዳይ ዘተ ሰላም ትግራይ ዘለው ምዕባለታት ኣመልኪቱ ንምዝታይ ናብ ኢትዮጲያ ከምዝገይሽ ተገሊጹ።

ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ኣብ ዝህልዎ ጻኒሒት ተበጻሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ኣመልኪቱ ዘሎ ምዕባለታትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣመልኪቱ ዝህልው ተሓታትነትን ብዝምልከት ከምዝዝትዩ እውን ተሓቢሩ።

ከምኡ እውን ኣብ መንጎ መንግስቲ ትግራይን ኢትዮጲያን ክግበር እዩ ተባሂሉ ዝተተሓዘ ሽምግልና ብዝምልከት ከምዝዝትዩ ተፈሊጡ።

ጉዳይ ሽምግልና ብዝምልከት ክልቲኦም ወገናት ኮሚቴ ከምዘጣየሹ ዝሓበሩ እንትኸውን እቲ ሽምግልና  መንግስቲ ትግራይ ብኣሸማጋላይነት ኬንያ ክኸውን ኣለዎ ክብል ከሎ መንግስቲ ኢትዮጲያ ብወገኑ ብሕብረት ኣፍሪቃ ክምራሕ ከምዝግባእ ኣፍሊጡ እዩ።

ኣብዚ ጉዳይ እዚ ኣመልኪቱ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ዝበሎ ነገር ከምዘየለን ከምኡ እውን ተወከልቲ ሕብረት ኣፍሪካ ብምዝርራብ እውን ዝሓዞ መደብ ኣሎ ድዩ ንዝብል ዝተፈለጠ ነገር የለን።

ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ኣብ ጉዳይ ግድብ ኣባይን ትግራይ ዝምልከት ናብ ሱዕድ ዓረብን ግብጽን ከምዝጓዓዙ እውን ተሓቢሩ።

ምምሕዳር ፕሬዝዳንት ባይደን ተደጋጋሚ ለውጢ ፍሉይ ልኡክ እቲ ዞባ ዋላ እኳ እተካየዱ ኮይኑ ግና ክሳብ ሐዚ ናብ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ካብ ዝኣትው ንነዘ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ፖለቲካዊ: ወታደራዊን ሰብኣዊ ቅልውላው ፍታሕ ክረክብ ከምዘይከኣለ ይግለፅ።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜርካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝብሃል መዝነት ተደጋጋሚ ናይ ሰብ ለውጢ ካብ ምክያዱ ወፃኢ ግልጺ ዝኾነ ዕላማ ከምዘይብሉን ምስ ኣብ ውሽጢ ዲፓርትመንት ስቴትን ዘለዎ ስልጣንን ሓላፍነትን ዘይነጸረ ከምዝኾነ ይግለጽ።