መንግስቲ ትግራይ ምስ ዓለም ለኻዊ ኮምሽን ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጲያ ዘለዎ ምትሕብባር ደው ከብል ከምዝክእል ኣጠንቂቑ።

ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት መንግስቲ ትግራይ: ዓለም ለኻዊ ኮምሽን ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጲያ ናብ ኢትዮጲያ ክገብሮ ዝሓሰበ ፈላማይ ጉዕዞ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጾኦ መግለጺ ረብሓ ትግራይ መሰረት ዘይገበረ ምስ መንግስቲ ኢትዮጲያ ዝግበር ናይተናጸል ስምምዕነት እንተሃልዮ መንግስቲ ትግራይ ምስቲ ኮምሽን ዝገብሮ ምትሕብባር ደው ንምባል እኹል ምክንያት ከምዝኾነ ገሊጹ።

መንግስቲ ትግራይ ኣብ ኲናት ትግራይ ዝተፈጸሙ ገበናት ብዝምልከት ካብ ፈለማ ጀሚሩ ሙሉእ ንሙሉእ ዝግበር፣ ተኣማኒን ገለልተኛን ምጽራይን ከኻይድ ቁርብነቱ ከምዝገለጸን  ነዚ ከጻርይ ዝተጣየሸ ዓለም ለኻዊ ኮምሽን ዘድሊ ምትሕብባር ከምዝገብር ዕላዊ ከምዝገበረ ዝሓበረ እቲ መግለጺ እንተኾነ እቲ ኮምሽን ክሳብ ሐዚ ምስ መንግስቲ ትግራይ ንምርኻብ ዝገብሮ ጻዕሪ ዝሑቱል ምኻኑ ሓቢሩ።

ብማሕበረሰብ ዓለምን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ብግልጺ ከምዝተሰነደ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ሰፋሕቲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ገበናት ከምዝተፈጸሙ ዘዘካኸረ እቲ መግለጺ ህዝብን መንግስቲን ትግራይ ኣካል እቲ ዝግበር ናይ ምጽራይ ጉዕዞ ክኾኑ ከምዝግባእ ጸዊዑ።

መንግስቲ ትግራይ ከም መርህ ናይቲ ኮምሽን ስራሕቲ ብዕውት ክዛዘሙ ኣድላይ ዝበሃል ሓገዝ ክገብር ድልው ዋላ እኳ እንተኾነ ስግኣታት ከምዘለዎ ሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ዝርዝር ናይቲ ዝግበር ምጽራይ ክውስኑን ክግድቡን ድልየት ከምዘለዎም ዝሓበረ እቲ መግለጺ ስራሕቲ እቲ ኮምሽን ተኣማምነት ክህልዎም እንተኾይኑ እቲ ኮምሽን መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብቲ ናይ ኮምሽን ስራሕቲ ሚዛናውነቱን ገለልተኝነቱን ኣብ ሕቶ ምልክት ዘእትው ኢድ ኣታውነት ክገብር ከምዘይብሉ ብግልጺ ከሓትት ከምዝግባእ ኣፍሊጡ።

ካብዚ ብተወሳኪ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጲያ ሓባራዊ ምጽራይ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጲያን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕብራት ሃገራትን ከም መበገሲ ተጌሩ ክውሰድን እቲ ሐዚ ዝግበር ምጽራይ ድሕሪ ሰነ 2013 ዝተፈጸሙ ፍጻመታት ኣመልኪቱ ዝግበር ክኸውን ጻዕሪ ዝገብር ዘሎ ምኻኑ ዝመላከተ እቲ መግለጺ እቲ ኮምሽን ዝርዝርን ወሰን እቲ ምጽራይ ብዘይናይዝኾነ ኢድ ኣታውነት ባዕሉ ክውስን ከምዝግባእ ጸዊዑ።

እዚ ማእከል ዘይገበረ: ረብሓ ትግራይ ዘይሓውስ ብተናጸል ምስ መንግስቲ ኢትዮጲያ ዝግበር ስምምዕነት እንተሃልዩ መንግስቲ ትግራይ ምስቲ ኮምሽን ዝነበሮ ምትሕብባር ደው ከብል ዝኽእል ብቑዕ ምክንያት ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ዓለም ለኻዊ ኮምሽን ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጲያ ኣብ ኲናት ትግራይ ዝተፈጸሙ ገበናት ከጻሪ ብ ሕብራት ሃገራት ዝተጣየሸ ኮምሽን እንትኸውን ኣብ ቐረባ ናብ ኢትዮጲያ ፈላማይ ጉዕዞ ክገብር ምኻኑ ይፍለጥ።