ኣብ ትግራይ 671 ሓናጡ ብስእነት ሕክምናዊ ግልጋሎት ከምዝሞቱ ተሓቢሩ።

ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብ 2014 ዓ.ም ሪፖርት ካብ ዝገበራ ትካላት ጥዕና ብመሰረት ዝተረኸበ መረዳእታ 671 ሓናጡ ብስእነት ግልጋሎት ሕክምና ከምዝሞቱ ገሊፁ።

ኣብቲ ቢሮ መተሓባበሪ ኬዝ ቲም ኣዴታትን ህፃናትን ኣይተ ገብረሃወርያ ገብረክርስቶስ ከምዝሓበሮ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዝተነበረ ፖሊሲ ዕፅዋ መንግስቲ ኢትዮጵያ መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ስለዘየለ ምዝባዕ ስርዓት ጥዕና ከምዘጋጠመ ሓቢሩ።

“ልዑል ክትትል ጥዕና ዝጠልቡ ሓናጡ ኣብ ዝተወለዱሉ ቅፅበት ንሞት ይቃልዑ ኣለው” ዝበለ ኣይተ ገብረሃወርያ ገብረክርስቶስ “ሪፖርት ካብ ዝገበራ ትካላት ጥዕና ብዝተረኸበ መረዳእታ 671 ሓናጡ” ከምዝሞቱ ተዛሪቡ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብዚ ዓመት “ምስወሊድ ብዝተኣሳሰረ ፀገማት ጥዕና 206 ኣዴታት” ምሟተን ዝሓበረ እቲ መተሓባበሪ ኣብ እዋን ወሊድ ዘጋጥም መድመይቲ ንምክልኻል ዘኽእል መድሓኒት ስለዘየለ ከምኡ እውን ስእነት ግልጋሎት ሕክምናን ቀንዲ ፀገማት ከምዝኾኑ ኣረዲኡ።

ትካላዊ መዋቕር እቲ ቢሮ ብምዕናው ሙሉእ መረዳእታ ከምዘይተረኸበ ብምጥቃስ ሪፖርት ምግባር ዝተኽኣለ 9957 ኣዴታት ኣብ ገዛ ብምውላደን ኣብ ወረዳ ኦፍላ 22 ከምኡ እውን ፀለምቲ 18 ሓዊሱ 206 ኣዴታት ብስእነት ሕክምናዊ ግልጋሎት ከምዝሞታ ኣይተ ገብረሃወርያ ገብረክርስቶስ ተዛሪቡ።