ውድብ ጥዕና ዓለም ንትግራይ ካብ ዝመደቦ 20 ሜትሪክ ቶን ሓገዝ ሕክምና 4 ነጥቢ 8 ሜትሪክ ቶን ጥራይ ከምዝለኣኸ ኣፍሊጡ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ጨንፈር ኢትዮጵያ ንትግራይ ክልእኾ ካብ ዝመደቦ 20 ሜትሪክ ቶን ሓገዝ ሕክምና እቲ 4 ነጥቢ 8 ሜትሪክ ቶን ጥራይ መቐለ ከምዝኣተወ ገሊፁ።

እቲ ብዕንቅፋት ስርዓት ኢትዮጵያ ከይተልኣኸ ዝፀንሐ ሓገዝ ሓደ ሜትሪክ ቶን መድሓኒት ሕማም ሳምቡእ፣ 3 ነጥቢ 8 ሜትሪክ ቶን ድማ ንህፁፅ ስራሕቲ መጥባሕቲ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ዝውዕል ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

እዚ ድማ ንሃንደበታዊ ምጥባሕቲ ሕክምና ንምሕጋዝን ኣብቲ ሆስፒታል ንዝርከቡ ሕሙማት ሳምቡእ ግዚያዊ ሓገዝ ንምግባር ከምዝሕግዝ እቲ ትካል ኣፍሊጡ።

እቲ ብውድብ ጥዕና ዓለም ዝተልኣኸ ሓገዝ ኣፋውስ ሓደ ኣካል ናብ ትግራይ ክለኣኽ ዝተሓሰበ 20 ሜትሪክ ቶን መድሓኒት ፀረ ሕማም ሳምቡእን ንመጥባሕቲ ዝሕግዙ ኣፋውስን እዩ።

መብዛሕቲኡ ትካላት ጥዕና ትግራይ፡ ብሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ሰራዊት ኤርትራን ዕጡቓት ኣምሓራን ኮነ ተባሂሉ ከምዝዓነወን ከምዝተሰረቐን ይዝከር።

ነዚ ሲዒቡ ብውድብ ጥዕና ዓለም ሓዊሱ ብለገስቲ ትካላት ዝተረኸበ ሓገዝ ናውቲ ሕክምና ስርዓት ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ከይኣቱ ስለዝኸልከለ ኣሽሓት ተጋሩ ሰኣን መድሓኒት ህይወቶም ይስእኑ ከምዘለው ይፍለጥ።