ፕረዚዳንት መንግስቲ ትግራይ ዶከተር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል፡ ብተቐወምቲ ውድባት ዝተፈፀመ ተግባር ንመኸተ ዘይጠቅም ከምዝኾነ ገሊፁ።

ፕረዚዳንት መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል፡ ብተቐወምቲ ውድባት ዝተፈፀመ ዝበሎ ተግባር ንመኸተ ዘይጠቅም ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ዶክተር ደብረፅዮን ነዚ ዝበለ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣመልኪቱ ንማዕኸናት ዜና ትግራይ ኣብ ዝሃቦ ቃለመሕትት እዩ።

ከምኡ እውን ብተቓወምቲ ውድባት ትግራይ ንከይደ ዘተ ሰላም ዝምልከት ዝለዓል ሓሳብ እንተደኣሃልዩ፡ ቤት ምኽሪ ትግራይ እዩ ዝውስኖ፣ ውድባት እውን ሓሳባት ከቕርቡ ከምዝኽእሉ ዶክተር ደብረፅዮን ኣብሪሁ።

ኮይኑ ግና ክፍለጥ ዘለዎ ኣብ ትግራይ ብድምፂ ህዝቢ ዝተመረፀን ደም ዝተኸፈለሉን መንግሰቲ እዩ ዘሎ ክብል ተዛሪቡ።

ብተወሳኺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰላም ደልዩ ተዝኸውን ሰብኣዊ ድጋፍ ዓንቀፍቀፍ ኣይመበለን፣ ህዝባዊ አገልግሎት ብዘይ ዋዓል ሕደር ምኸፈተን ንባዕዳዊ ወራሪ ውልቀ መላኺ ስርዓት ኢሳያስ ካብ መሬት ትግራይ ንኽወፅእ ምፀወዐ ነይሩ ኢሉ።

ከምኡ እውን ቅድሚ ናብ ዘተ ምእታውና ካብ ምዕራብ ትግራይ ክወፁ፣ ህዝባዊ አገልግሎት ይከፈት ኢና ንብል ዘለና ክብል ዶክተር ደብረፅዮን ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መንግስቲ ትግራይ ውድባት ትግራይ ንዘተ ዓንቀፍቲ ይኾኑ ከምዘለውን ካብ ተግባራቶም ክቑጠቡ ከምዘለዎምን መግለፂ ምውፅኡ ይዝከር።

ብሄራውያን ውድባት ትግራይ ብወገኖም ኣብ ትግራይ መሰጋገሪ መንግስቲ ወይ እውን ስሙር መንግስቲ ክጣየሽ ዝፀወዑ ክኾኑ ከለው ንዝካየድ ዘተ ሰላም ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ንትግራይ ክውክል ሓላፍነት ከምዘይብሉን ምግላፆም ይፍለጥ።